ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣቸራ፡ ሕዳሴ ንዝደልዩን ዝቖሰለን መሬት ዘጠቓልል ጉስነታዊ ሓልዮት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 ግንቦት ናብ ከተማ ኣቸራ ብምኻድ ቅርበትን ናይ ግብረ ገባዊ ንጹርነትን መልእኽቲ ከምኡ’ውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ብናይ ከባቢ ብከላን ብዝተወደበ ገበንን ዝሳቐ ዘሎ ማሕበረሰብ ግብራዊ ምትብባዕ ከም ዘቕረቡን ኣብ ዞባ ካምፓንያ ደቡባዊ ኢጣልያ እትርከብ ኣቸራ፡ ኣካል ናይቲ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጎሓፍን ቁጽጽር ዘይብሉ ምንዳድ መርዛም ጎሓፍን ብሰንኪ ብከላ ከባቢ ዝዓነወ ኣዝዩ በሰላ ዘለዎ መሬት ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 65 ሽሕ ነበርቲ ዝርከብዋ ከተማ ኣቸራ ኣብ ሕምብርቲ እቲ “ቴራ ደይ ፉዎኪ” ወይ 'መሬት ሓዊ'፡ ብስሉስ ኩርናዕ ሞት" ዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ መሬት፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ነቲ ዝተበከለ መሬት እዚ ድማ ኣብ ብብዙሕ ኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ብዙሓት ቈልዑ ዝርከብዎም በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ብከላን መርዛም ጓሕፍን ንዘሶቦ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ዝተቓልዑ ኮይኖም፡ ናይ ጥዕና ቅልውላው ከም ዘጋጥሞም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ካቴድራል እታ ኸተማ ተኣኪቦም ዝነበሩ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣባይቲ ስድራን ሰራሕተይናታትን መንእሰያትን መራሕቲ በርገሳውያንን ብሓባር ክመላለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብኣዊ ክብረት ኣብ ማእከል ኵሉ ምርጫታት ብምግባር፡ ሱር ዝሰደደ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እናጋጠሞም ኢዶም ከይሃቡ ንኹሉ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዘበለ ተግባራት ክጻረሩን ምእመናን ንኣገልግሎት ዚኸውን ጸሎትን ንቝስሊ ሕብረተሰብ ክትትንክፉ ዘብቅዖም ትብዓት ንዝመልኦ እምነትን ቦታ ኺህቡ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣብ ዓውዲ እትርከብ ቤት ሕክምና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ነዚ ምብጻሕ እዚ ክገብሩ ዝምነዩ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ኣብ ዓውዲ እትርከብም ቤት ሕክምና” እንክብሉ ዝገለጽዎ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን እናሓሰቡ፣ ቁስሊ ብትዕግስቲ ክፍውሱን ኣብቲ ምትእምማን ዝመልስ ንኣሽቱን መዓልታውን ተግባራውን ንጥፈታት ክጽንዑን ማለት ቅንዕና ዘለዎ ዕዮን ጽሩይ ምሕደራን ንህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝሕሉ ባህሊ ከስፍሑን ኣብ ሞንጎ ቁጠባዊ ውጥረት ኣባይቲ ስድራ ብሓባር ወለድን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎንታትን ዝገብርዎ ህዱእ ጅግንነት ዝመልኦ ተግባሮም ብምንኣድ፡ መንእሰያት ዓዶም ንተስፋ ምቑራጽ ከይጠንጠኑ ናይ ሓባር ረብሓ ስነ - ጥበባውያን ክኾኑ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ልቢ ምልዋጥ ጻውዒት
ህዝቢ ከተማ ኣቸራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዞባ ካምፓንያ፡ ምስ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ቀጻሊ ዘይወግዓዊ ቁጠባን ንከተማታት ካብቶም ዝነኣሱን ዋኒን ዘለዎም ዜጋታት ዝገብርዎ ግዳማዊ ስደትን ይቃለሱ ከም ዘለዉን፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብዘይተረጋገጸ ውዕላትን ብወቕታዊ ዕዮን ዝናበራ ከም ዝኾናን፤ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ብዝውስኽ ዘሎ ወጻኢታትን ዘይምዕሩይ ወፍርታትን ከም ዝዕብለላን፤ ከምኡ’ውን በርገሳውያን ማሕበራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣገልግሎታት ተኣፋፊ ኣብ ዝኾነሉ ቦታታት ክኣትዉ ከም ዘለዎም ቅዱስነቶም ተላብዮም፡
ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ምልዋጥ ልቢ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዜጋታት ንብልሽውና ክገጥምዎ፡ ጸጋታት ህዝቢ ብሓላፍነት ክመሓደሩ፡ ንዝደኸሙ ብፍላይ ድማ ንህጻናትን ኣረጋውያንን ክከላኸሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣውያት ምድርን ድኻታትን ምስማዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ Laudato sì - ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ እናሓሰቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠም ዘሎ ህጹጽ ከባብያዊ ኩነታት ካብ ምፍታሕ ኣይትፍርሑ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ከምዘድሊ ኣጽኒዖም፡ ዑደት ስቕታ ምብታኽ፡ ሕጋዊ ትካል ምሕያል፡ ከምኡ’ውን ጻዕርታት ጽሬት ዕሙቕ ዝበለ፡ ግሉጽ፡ ብስነ ፍልጠታዊ መዳይ ተኣማንነት ዘለዎ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ፍጥረት ኣብ ሓልዮትና ዝተዋህበ ህያብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያን፣ ህዝባዊ ትካላት፣ መናብርተ ጥበብን ቅኑዓት ትካላት ንግድን ብምትሕብባር ብምክትታልን ብምትእርራምን እቲ ናይቲ ከባቢ መሬት ከተስተንፍስን ኣባይቲ ስድራ ኣብ ክብሪ ሱር ዝሰደዱ ብምዃን ክጸንዑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መንገዲ ምልዋጥን ዜግነታዊ ዕርክነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝተወስደ ምንባብ ተመርኲሶም ውሽጣዊ ለውጢ ምስ ዜግነታዊ ዕርክነት ዘጣምር መገዲ ክህሉ ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ እዚ መገዲ እዚ ድማ ድኻታት ኣብ ማእከል ዘቐምጥ፡ ሃብቲ ቁስምናታትን ሰበኻታትን ከኣ ናብቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ኣባይቲ ስድራን ብስራሕ ኣልቦነት ከምኡውን ብሕማም ንዝሳቐዩ ሰባት ክውዕል ዝብል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሕጋዊ ባህሊ ስራሕ ምምዕባል ኣድላዪን ትምህርትን ዘተኩር ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምእመናን ድኻም ናብ መሬት ከይልወጥ ከም ትዕግስቲ ፍቕሪ ምእንቲ ኺሕደስ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ቃልሲ ምስ ሰባት ቀረባ ዝኾኑ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉህ ይወትን ወለንተይናታትን ኣመስጊኖም፡ ነቶም ክግልገሉ ዘይኮነስ ዘገልግሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ድማ ኣተባቢዖም፡ ንመንእሰያት ናይቲ ኸባቢ ጽባቐ ሃገሮም - ኣባይቲ ስድራውነት እምነታዊ ባህሎም - እንደገና ክረኽቡን ንናይ መጻኢ ከባቢኦም ናይ ሓድሽ ምዕራፍ ተዋሳእቲ ክዀኑን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
