ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዕለት 7 ግንቦት ክራኸቡ እዮም ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዕለት 7 ግንቦት ክራኸቡ እዮም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዕለት 7 ግንቦት ክራኸቡ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሃዋርያዊ መንበሮም ክራኸቡ ከም ዝኾኑን ድሮ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ብወግዒ ንምጅማር ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታ ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 7 ግንቦት ሰዓት 11፡30 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ዕለት 4 ግንቦት ዘረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፡ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ዘበግስ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተራኸቡ ኣብቲ እዋን እቲ እውን ምስ ምክትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቫንስ ከም እተራኸቡን ንፈለማ እዋን ድሕሪ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንጽብሒቱ ዕለት 19 ግንቦት 2025 ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ቫንስን ሩቢዮን ክልተኣዊ ርክብ ምክያዱ የዘኻኽር።

ርክብ ምስ ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ

ሓሙስ ዕለት 7 ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰዓት 11፡30 ዘካይድዎ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዘካይድ ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ ዶናልድ ቱስክ ሰዓት 09፡00 ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

05 May 2026, 16:27