ድለ

ር. ሊ. ጳ. ንሰበኻ ሮማ ኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ቀቢኦም - “ሰላምን ሓድነትን ዘለዎም ኩኑ”

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ብምቕባእ፣ ኣብ ሰበኻ ሮማ ከም ተራዳእቲ ጳጳሳት ኮይኖም ከገልግሉ ሾምዎም፣ ንዅላቶም ደቂ ሰባት ድሉዋት ኣገልገልቲ ክዀኑን፣ ቅርበት ኣምላኽ ክሰብኩን ከምኡውን ንተስፋ ከማዕብሉ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 02 ግንቦት ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን፣ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ሰበኻ ሮማ ሥርዓተ ቅብኣተ ጵጵስና ፈጺሞም፣ እዞም ተሰየምቲ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ስቴፋኖ ስፓራፓኒ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣሌሳንድሮ ዘኖቢ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድርያ ካርሌቫለን፣  ከምኡውን ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ቫለንቲን ኢዮም ዝንበሩ። ብዘይካ እቶም ካብ ካንታሉፖ ሳቢና ዝመጺ ሓዲሽ ተሰያሚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ቫለንቲ ዝተረፉ ኵላቶም ኣብ ከተማ ሮማ እተወልዱ ካህናት ኢዮም ዝንበሩ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከቶም ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ሓደስቲ ጳጳሳት፣ "ፍቑራት ኣሕዋት" ኢሎም ብምጽዋዕ፣ ምስ ብፁዕ ተቕላሊ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ሃቢቶም ከም ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰበኻ ሮም ኮይኖም ከገልግሉን፣ ንናይ ሮማ ጳጳስን "ንህዝቢ ሰበኻ ሮማን ከም ምስሊ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኽኸውኒኑ፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ መላእ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ልግሲ ንኽእቅቡን" ክሕግዝዎ ምዃኖም ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንኣገልግሎቶም ብኸመይ ከም ዝቕበልዎ እውን ኣመልኪቶምሎም እዮም፦ "ንስኻትኩም ሰላምን ሓድነትን ዘለዎም ሰባት እንተ ዄንኩም፣ ነቲ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ፣ ኣብዛ ሰበኻ እዚኣ ብጸጋን ምሕረትን ብሓባር ከተገልግሉ፣ ንፍልልያት ዜሰማምዑን ዚቕበሉን ዝሰምዑን ይቕረ ዝብለሉን እንተ ዄንኩም ከአ ኣብ ኣገልግሎትኩም ነብያት ክትኰኑ ኢኹም" ክብሉ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ቅብኣተ ጵጵስና 4 ሓደስቲ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰበካ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ቅብኣተ ጵጵስና 4 ሓደስቲ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰበካ ሮማ   (@Vatican Media)

ንዅላቶም ተስፋ ምሃብን ምስባኽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣብቲ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፦ ደድሕቲ እቲ ኣብ ዕለት 8 ግንቦት 2025 እተኻየደ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንፈለማ ግዜ ካብ ዘካፈልዎ ሓሳባት ብምጥቃስ፣ "ንኣጽዋር ዘይብሉን ንኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም" ክጣበቑን - ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ነብዪ ዀይኑ ኣብ ማእከልና ይመላለስ ከም ዝነበረ" ዘኪሮም።

ብተወሳኺ ውን ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝበልዎ ቓላት ብምዝካር፣ "ንስጋዊ መነባብሮ እዚ ከባቢታት ኣብ ልብና ክጾሮን" ከምኡውን ናብቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዘለዉ ክንበጽሖምን ከም ዘድሊ ኣመልከቱሎም።

ናይ ሮማ ጳጳስ፣ ነቶም ሓደስቲ ተሓጋገዝቶም ዝኾኑ ጳጳሳት ሰበኻኦም፣ "ከም ካህናት መጠን ምስቶም ዘሰንይኹም ዝነበሩ ማሕበረሰብ ቍምስናታትኩም ሓቢርኩም፣ ነዚ ጻውዒት ተቐቢልኩም ኣለኹም። ሕጂ ሓድሽ መጸዋዕታ ይቐርበልኩም ኣሎ፣ ካልእ ጽውዓ ድማ ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ኣለዎ፦ ዋላ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ብኣምላኽ ከም እተገለገ ገይሩ ክቖጽረሉ ዘይብሉ፣ ንስኻትኩም ከኣ ነዚ ኣብ ልቢ ወንጌል ደው ኢሉ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ መስከርቲ ንኽትኰኑ ኢኹም" በልዎም።

ምስ ኩሎም ደቂ ሰባት ቅርበት ምህላው

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ምእመናን፡ ሰብ ውፉይወትን፡ ወይ ካህናት ንዅላቶም ክፉት ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም፣ "ንገዛእ ርእስኹም ተደለይቲ ክትኮኑ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዳኡስ ወትሩ ተረከብቲ ክትኮኑ ገዛእ ርእስኹም ድልዋት ግበሩ" ክብሉ እውን ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣሓትን ኣሕዋትን ከምኡ'ውን ኣብ ዕዮ ሓዋርያዊ ጉስነት ዝሳተፉ ምእመናን ጽምዋ ከይስምዖም ኣረጋግጹ" ብምባል ኣመልከቱሎም። "ኣብ እተፈላለየ ኣገልግሎቶም ተስፋ ከደንፍዑን፣ ከም ኣባላት ናይ ሓደ ክፍሊ ተልእኾ ዀይኑ ኺስምዖምን ሓግዝዎም" ብምባል፣

"ድኻታት ሰበኻ ሮማ፡ ነጋድያን ከምኡውን መንፈሳውያን በጻሕቲ ካብ መላእ ዓለም ናብዚ ንዝመጹ ኩሎም፣ ኣብቲ እትነብሩሉን ኣብዛ ኸተማን፣ ኣብ ተቕዋምትን፡ ኣብ ቍምስናታትን፣ ንገጽ ናይታ ሓቀይና ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ሓልዮት ኣደ ክረኽቡ ሓግዝዎም። እታ ኣደ እምነትና ዝዀነት ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ወትሩ ኣብ መገድና ትመርሓናን ተዕቍበናን።"

ቅብኣተ ጵጵሳና 4 ሓደስቲ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰበኻ ሮማ
04 May 2026, 15:09