እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ "ወዲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ"
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
"ኣነ ወዲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኢየ፣ ኣነ ኣጐስጢኖሳዊ ኢየ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 8 ግንቦት 2025 ጳጳስ ሮማ ኰይኖም ምስ ተመርጹ፡ ካብ ሰገነት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ተቀልቂሎም፡ ንዓለም በዚ ቃላት እዚ ኢዮም ነፍሶም ኣላልዮም። ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ኣባል ማኅበር ቅዱስ ኣጐስቲኖስ ኢዮም። ካብ ዕለት 2 መስከረም 1978 ኣትሒዞም፡ መብጽዓ ድኽነትን፡ ንጽሕናን ተኣዝዞን ካብ ዝኣተዉላ መዓልቲ ኣትሒዞም ኣባል እዚ ማኅበር እዚ ኢዮም። ካብታ ዕለት ጀሚሩ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ስጕምትታት ጕዕዞኦም ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፡ ጳጳስ በዓል ሂፖ ከም ዘሰንዮም ብግልጺ እትርእዮ ነገር ኢዩ።
እዚ ድማ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖ ምስ ተመርጹ "ኣነ ምሳኻትኩም ክርስትያን ኢየ፣ ንዓኻትኩም ከኣ ጳጳስ ኢየ" ብምባል ቃላት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃሶም ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። እዛ ካብ "መስራቲ" ማኅበር (ስብከት 340) ዝተወስደት ጥቕሲ ምስ ኵሎም ካልኦት ኣመንቲ፡ ማዕረ ከም ዝኾኑ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ጓሳ ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዘለዎም እትገልጽ ኢያ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "በዚ መዳይ እዚ ኵላትና ብሓባር ናብታ ኣምላኽ ዘዳለወልና ስፍራ ክንከይድ ንኽእል ኢና" ብምባል ተማሕጺኑና። ከምኡ ውን "ከመይ ጌርና ሚስዮናዊት ቤተ-ክርስትያንን፡ መራኸቢ ድልድል እትሓንጽ፡ ዘተ እተቕድም፡ ንምቕባል ወትሩ ክፍቲ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ከም እንኽእል ኣተባብዑና። እዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ነቶም ሓገዝናን፡ ምስኦም ምህላውናን፡ ዘተናን፡ ፍቕርናን ንዜድልዮም ቀረባኦም ምዃና ንኸነርኢ ኢዩ።" እዛ ሓረግ እዚኣ ነቲ ንኣመንቲ ገዛእ ርእሱ ዘወፈየን፡ ኣንጻር መናፍቓን ዝተቃለሰን፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዘተ ንዝተጸምደን፡ ንድኻታትን፡ ኣላዪ ንዘይብሎምን ዝተኸናኸነ፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝጸንሐ ጳጳሳዊ ኣገልግሎት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጽ።
ስድራ ቤት ማኅበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ተመክሮን ትምህርትን ጳጳስ ሂፖ ተመርኲሶም ንኣምላኽ ብምድላይ፣ ንክርስቶስ ናይ ምምሳል ባህጊ፣ ሕውነትን፡ ንቤተ-ክርስትያን ብምግልጋልን፡ ብመንፈሳውነት ስድራ ቤት ማኅበር ኣጐስጢኖሳውያን ምሉእ ብምሉእ ዚነብሩ፡ ብሓቂ ኣጐስጢኖሳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዮም።
ምስ ኣጐስጢኖሳውያን ኣጸቢቖም ስለ ዚቀራረቡ፡ ምስ ኣጐስጢኖሳውያን ብጾቶም ንዝነበሮም ሕብረት ኣይሓደግዎን። ኣብ መንጎ ኣጐስጢኖሳውያን ናይ ማኅበር ስምዒት ሓያል ኢዩ፣ ዘለካ ተኻፊልካ ምንባር ከኣ መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተካኢ መንበረ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተመርጹ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናብቲ ኣብ ጥቓ ሮማ፡ ኣብ ጌናዛኖ ዝርከብ መካነ ንግደት እኖና እግዚእትነ ማርያም፡ ቤተ መቕደስ እመ ምክረ ሠናይ በጽሑ። እዚ ድማ ንዘመናት ኣጐስጢኖሳውያን ክጓስይዎ ብሕድሪ ዝተዋህቦም ቦታ ኢዩ።
ከምቲ ኣብ መዝገብ ኣጋይሽ ናይቲ መካነ ንግደት ዝጸሓፍዎ ከኣ፡ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ኵሉ ጕዕዞ ሕይወቶም ከም ዘሰነየቶምን፡ ማእከል እምነተይን፡ መገድን፡ ሓቕን፡ ሕይወትን ንዝኾነ ወዳ ብዘለዋ ፍቅርን፡ ብጥበባን ኣርኣያ ዝኾነቶምን፡ እኖና እግዚእትነ ማርያም ከም ዝነበረት ይገልጹ።
ናይ ሓድነት ባህጊ
እቲ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዝና ኣብ ስብከትን ትምህርትን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንሰምዖም ቃላት፡ መንፈስ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢስኖ ዘለዎም ኣርእስትታት ኢዮም። ገለ ካብኦም ድማ፡ ውሳጣዊነት፡ ክርስቶስ ከም ማእከል ናይ ቤተ-ክርስትያን ስብከተ ወንጌል፡ ዕርክነት፡ ዘተ፡ ሓድነት ዝብሉ ኢዮም። እዚ ሓድነት እዚ በቲ ኣብ ናይ ጳጳሳዊ ኣርማኦም ዘሎ፡ "በቲ ሓደ ክርስቶስ ሓደ ኢና" ብዝብል ተገሊጹ ንረኽቦ። እዚ ሓረግ እዚ ከኣ ካብቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መዝሙር 127 ዝሃቦ ስብከት ዝተወስደ ኢዩ።
ካልእ ምልክት ኣጐስጢኖሳውያን ውን ኣብቲ ጳጳሳዊ ኣርማኦም ይርአ፣ እዚ ድማ እታ እትነድድ ልብን፡ ነታ ልቢ ሰንጢቑ ዘሎ ኲናትን ኢዩ።
ምስ ቅዱስ ኣጐስጢስኖ ኴንካ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣሰር ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምስዓብ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዕለት 13 ክሳዕ 15 ሚያዝያ፡ ናብ ኣልጀርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ነይሮም። እዚ ከኣ፡ ሎሚ ውን እንተኾነ፡ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፡ ብጽሑፋቱን፡ ትምህርቱን፡ መንፈሳውነቱን፡ ንኣምላኽን፡ ንሓቕን ኣብ ምድላይ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ ብዘቕርቦ ዕድመን፡ ካብቶም ኣገደስቲ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ስለ ዝኾነ ኢዩ። ቅዱስነቶም ነዚ መግለጺ እዚ ካብ ከተማ ኣልጀርስ ናብ ያውንደ ኣብ ዝነበረ ጕዕዞ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለጺ ኢዩ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ ራእይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ኣብ መንጎ ኵሎም ህዝብታት ሓድነት ንምድላይን፡ ንዅሎም ህዝብታት ብዘይ ኣፈላላይ ከተኽብርን" ከም ዜተባብዕ ገሊጾም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ ንኽብሪ ቅዱስ ኣጐስጢስኖ ካልእ ጕዕዞ ክገብሪ ኢዮም። እዚ ከኣ ኣብቲ ቅርያቱ ተነቢርሉ ዘሎ፡ ኣብ ፓቭያ ክኸውን ኢዩ። ኣብኡ ድማ ብዕለት 20 ሰነ፡ እቶም ኣጐስጢኖሳዊ ጳጳስ፡ ነተን ክልተ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ብኣምሳልያዊ መገዲ ከራኽብወን ኢዮም። እዚ ኣብ ኣልጄርያ ኣብ ዓዲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝጀመረ ናይ ሓድነት ዘተ ኢዩ።
