2026.05.09 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ ንዓለም ሓቀይና ዋጋ ህይወት ትምስክሩ 2026.05.09 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ ንዓለም ሓቀይና ዋጋ ህይወት ትምስክሩ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ ንዓለም ሓቀይና ዋጋ ህይወት ትምስክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ማሕበር ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ (AISLA) ዕለት 9 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንሕሙማትን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣለይቶምን ስለ እቲ ትብዓትን ተስፋን ዝመልኦ ምስክርነቶም ብምምስጋን፡ ነቶም ዝሳቐዩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ንዝምስክርንዎ ፍቕሪ ስቓይ ኮነ ሕማም ደው ከብሎ ከም ዘይክእል የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ንግሆ ንኣባላት ማሕበር ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ (AISLA) ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም በዚ ህማም እዚ ዝተጠቕዑ ንዓለም ሓቀይና ዋጋ ህይወት ዝምህሩ "ነብያት" እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ነቶም ህሙማን፣ ኣባይቲ ስድራኦም፣ ወለንተይናታትን ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን፡ በቲ ማሕበር ተሓቍይፎም ዝሰርሕዎ ናይ ሓገዝን ምጉስጓስ ስነ ሕክምናዊ  ምርምርን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ድማ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ዘቕረብዎ ምስክርነት ኣስተንቲኖም፡ "መዓልታዊ ብተወፋይነትን እምነትን ትብዓትን" "ሰናይነትን ዋጋን ህይወት ካብ ሕማም ይዓቢ" እንክብሉ ብምጒላሕ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መንጎ ሕሙማትን ኣዝማድን ኣለይቱ ህሙማንን ዘሎ ቅርበት ኣብ ሓልዮት ዝጸነዐ ምሕዝነታዊ ጥምረት ዘስፍሕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ቅርበት እዚ፡ ነቲ ስቓይ ካብ ርሑቕ ዘይኮነስ ብውልቅን ብርህራሄን ዝቐረቦ ንባዕሉ ናይ ኢየሱስ ቅዲ ዘንጸባርቕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓልዮት ባህሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ፡ እቲ ማሕበር ኣብ ኣባይቲ እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህልው ምዃኑ ብምንኣድ፡ ክንክን ጥዕና ካብ ውዳበን ክእለትን ንላዕሊ ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፡ ሓቀይና ክንክን፡ "ህላወ፡ ዋላ'ውን ኣካላዊ ህላወ" ዝሓትት ይኹን ፡ ንስነ ሕይወታውን፡ ስነ-ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሸነኻት ሰብኣዊ ሰብ ትኹረት ዝህብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "ቤተክርስትያን ነዚ 'ምቅርራብ' ብዕምቆት ትርእዮ። ብፍላይ ኣብቲ ብስቓይን ዘይርጉጽነትን ዝተለለየ ህሞታት፡ ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ምስናይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሕማም ዓሚቝ ሕቶታት ትርጉም ካብ ምቕራብ ዘይቦክር ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ሕቶታት እዚ ድማ “ከይተሰምዐ ክተርፍ የብሉን - ቢሎም - ነቶም ኣብቲ ማሕበር ንዘገልግሉ ወለንተይናታት ብምምስጋን ስርሖም ንናይ ሎሚ "ባህሊ ብኽነትን ሞትን" ሓያል ምላሽ እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ብምግላጽ፡ ብናይ ምትሕግጋዝን ናጻ ኣገልግሎትን ተግባር ኣቢሎም፡ “ብፍላይ ተቓላዕነት ኣብ ዝረኣየሉ ህሞታት፡ ዝኾነ ሰብ ፈጺሙ ክግደፍ ከምዘይብሉ ንሕብረተሰብ እተዘካኽሩ ኢኻትኩም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ስቓይ ዝሓየለ ተስፋ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ እዋን ፍኖተ መስቀሉ ኣካላዊ ቃንዛን መንፈሳዊ ጭንቀትን ከም ዘጋጠሞን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሰብኣዊ ስቓይ ክኣቱ ከም ዝመረጸ ኣዘኻኺሮም፡ ምስናይዚ ግና መስቀልን ትንሳኤን መከራ ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይኮነ የረጋግጽ፡ ቃንዛን መከራን ንፍቕሪ ደው ከብሎ ወይ ሓይሊ ኣምላኽ ከጥፍእ ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ክርስትያን "ህዝቢ ተስፋ" ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ጸገማት ኢዶም ከይሃቡ ብሓባር ምጉዓዝ ይቕጽሉ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር ህሙማን ልምሰት ጅማውቲ ኢጣሊያ (AISLA) ንድንግል ማርያምን ነቶም ብግብረ ሰናይን ምስ ሕሙማት ዘለዎም ቅርበት ንዝፍለጡ ቅዱሳንን ኣማዕቍይቦም፡ "ስለቲ ኣገልግሎትኩም አመስግነኩም፡ ብጸሎተይ ድማ እሰንየኩም ልባዊ ቡራኬይ ድማ ኣቕርበልኩም” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 May 2026, 16:12