ር. ሊ. ጳ.፦ 'ፍቕሪ ኢየሱስ ኢዩ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ዘፍሪ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓልፈ ሰንበት ዕለት 10 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ "ጐይታ ኣብ ፈተናታት ህይወት ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ፣" ክብሉ ንምእመናን ኣረጋገጹሎም።
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ዘመነ ፋሲካ፣ ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኦንግሥተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር ንደቀ መዛሙርቱ፣ 'እተፍቅሩኒ እንተ ደአ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ' ንዝበሎም ቃል ጠቒሶም ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ "እዚ መግለጺ እዚ፣ ጽድቅና ንፍቕሪ ኣምላኽ ከም ቅድመ ኩነት ጌርና ብምሕሳብ፣ ንትእዛዛቱ ስለ እንሕልዎ ከም እንፍቀርና ጌርና እንሓስቦ፣ ግጉይ መረዳእታ ሓራ የውጽኣና" በሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፣ "ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ንጽድቅና መሰረት ዝኸውን" በሉ።
"ከምቲ ክርስቶስ ዓለም ዝገለጾ፣ ነቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኸለና፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ትእዛዛቱ ብሓቂ ክንሕሉ ርከብ ኢና" ብምባል፣ ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ርክብን ዝምድናን ንምእታው ዝቐረበ ጻውዒት ደኣ እምበር፣ ናይ ጸለመ ወይ ናይ ጥርጣረ መጠንቀቕታ ኣይኰነን" ብምባል ገሊጾም።
ፍቕሪ የሱስ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ኸም እነፍሪ እዩ ዚገብር
ብልክዕ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ፣ ከምቲ ጐይታ ዘፍቀረና፣ ንሕናውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ይእዝዘና ኣሎ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ "ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ የፍሪ ኢዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ፣ "ክርስቶስ ባዕሉ መለክዒን ምሳሌን ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ እዩ፣ ናይቲ ንዘለኣለም እሙንን ንጹሕን ከምኡውን ቅድመ ዅነት ዘይብሉን ፍቕሪ ኢዩ" በሉ።
"ኣምላኽ ቅድም ስለ ዜፍቅረና፣ ንሕና እውን ከነፍቅሮ ንኽእል ኢና። ንኣምላኽ ብሓቂ ምስ እነፍቅሮ ኸኣ ንሓድሕድና ብሓቂ ንፋቐር ኢና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "እቶም ህይወት ዝረኸቡ ጥራይ እዮም፣ ብህይወት ክነብሩ ዝኽእሉ፣ እቶም እተፈቕሩ ጥራይ ከአ ኢዮም ከፍቅሩ ዝኽእሉ" ብምባል ንህይወት እውን ልክዕ ከማኡ ምዃኑ ገለጹ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንትእዛዛት ጐይታ "ካብ ናይ ሓሶት ፍቕሪ ዜሕውየና፣ መገዲ ህይወትን ናብ ድሕነት ዝመርሕ መገዲ መንፈሳዊ ኣነባብራን ኢዩ" ክብሉ ገለጽዎ።
ጐይታ ምሳና ከም ዝነብር ቃል ኣቲዩልና ኣሎ
ቅዱስ ኣቦን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ክርስቶስ ስለ ዜፍቅረና ኣብ ፈተናታት ህይወት እውን ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ "ንጳራቅሊጦስ ማለት ነቲ ጠበቓና ዝኾነ 'መንፈስ ሓቂ' ክሰደልና ምኹኑ ቃል ኣቲዩልና ኣሎ" በሉ።
ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ እውን ከይተረፈ፣ 'ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሳዕ ይኹን ኣብ ኵሉ ቦታ፣ ነቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ክንምስክር' ከም እተጸዋዕና እውን ኣተሃሳሰቡ።
ኣብቲ ንፍቕሪ ዘሎና ተልእኾ፣ ይቅብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ዝከኣለና ጻዕርታት እውን ከይተረፈ ከተዓናቕፈና ካብ ዝኽእል ነገራት እውን ኣጠንቀቑ።
መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓቂ ሓይሊ እኳ እንተ ዀነ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዝጻረርን፣ ንደቂ ሰባት ድማ ካብ ንሓድሕዶም ዝበታተኑ ንኽገር ዚጽዕር እቲ "ኸሳሲናን፡ ኣቦ ሓሶትን” ዝኾነ ክንጥንቀቕ ተላብዮም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምእመናን ነቲ ብዘይ ቅድመ ዅነትን ብዘየቋርጽን ነባርን ፍቕሪ ዘፍቀረና ጐይታ ከማስዉሉን፣ ንኣማልድነት እታ ወላዲቱ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብሕድሪ ክንውፈን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
