ር. ሊ. ጳ.፦ "ቤተ-ክርስትያን ኣንጻር ኵሉ ንህይወት ዜጥፍእ ኩነታት ክትቃወም ተልእኾ ኣለዋ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ተገሊጹ ዘሎ ስነ-መለኮታዊ ስፍሓት ቤተ-ክርስትያን ኣስተንተኑ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያን፣ ንምእመናን ናብቲ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ጐደና ናይ ምምራሕ ተልእኾ ከም ዝሃባን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን 'ንዅሉ እቲ ንህይወት ዘጥፍእን ንምዕባለኡ ዘስተዓናቕፍን ንምንጻግ ብግልጺ ናይ ምቅዋም ተልእኾ ከም ዘወፈየላ ደጊሞም ኣረጋገጹ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዝገብርዎ ዘለዎ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ነቲ ኣቐዲሞም ዝጀመርዎ ክፍሊ “ብርሃን ኣሕዛብ” ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዝወጸ ጉባኤያዊ ቅዋም ኣብ ዘካየድዎ ኣስተንትኖ፣ "ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ብምምርኳስ ነቲ ተለዋዋጢ ዝኾነ ታሪኽ፣ ብወንጌል ዘንብብን ዝትርጕምን፣ ንእከይ ብዅሉ መልክዑ ዝዅንን ከምኡውን ክርስቶስ ንዅሎም ደቅሰብ መንግስቱ ከወፊ ክመጽእ ከም ዝደሊን ድሕነት ከም ዝህብን፣ ብቓልን ብግብርን ዝእውጅ ኣብ ንግደት ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ኢያ" ክብሉ ኣጕሊሖም። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ 7ይ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ እዚ ተገሊጹ ከም ዘሎ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ዓለም ፍጻሜታት ዝገልጽ ስፍሓቱ ብምስትንታን ኣስተምሂሮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስትምህሮኦም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ፣ ማለት ናብ ሰማያዊ ዝኾነ ሃገራ ትጥምት ከም ዘላ ኣዘኻኸርዎም፣ ነዚ ኣገዳሲ ስፍሓት እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ክንብሎ ወይ ኣትሒትና ኽንርእዮ ከም እንርከብ ብምጥቃስ፣ ዝተሰምዖም ጓሂ ገለኢጾም።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካላፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምክትታል!
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!
ሎሚ ኣብ 7ይ ምዕራፍ ናይቲ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾነ፣ ጉባኤያዊ ቅዋም ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ከነተኵር ከለና፣ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ መለለዪ ባህርያት ቤተክርስቲያን ዝኾነ ሓቂ እስከ ነስተንትን፣ እዚ ድማ እቲ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዓለም ዝገልጽ ስፍሓታ እዩ። ቤተክርስትያን ኣብዚ ምድራዊ ታሪኽ እዚ፣ ወትሩ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኣ፣ ማለት ናብ ሰማያዊ ዝኾነ ሃገራ ኢያ ትጥምት ዘላ። እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ እንብሎ ወይ ኣትሒትና እንርእዮ ኣገዳሲ መዳይ እዩ፣ ከመይሲ ኣብቲ ብኣኡ ኣቢሉ እተገልጸ ሓቂ፣ ኣብቲ ዝያዳ ጭቡጥን ቀላስን ዝኾነ ህይወት ማሕበረሰብ ክርስትና ስለ ዝምርኮስ እዩ።
ቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ ዝጕዓዝ ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ እያ፣ ዕላማ ዅሉ ተግባራታ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብሳር ኢዩ (LG 9)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ናይ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን መንግስቲ እዚኣ ብምእዋጅ፣ ንቤተክርስትያን በዚ መልክዕ ኢዩ ዝመስረታ (LG 5)። ስለዚ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ማሕበረሰብን ነቲ ሰማያዊ ዝኾነ ስፍሓቱን፣ ድሕነትን ክንምርምር ኣዒንትና ናብዚ ናይ መወዳእታ ዝኾነ ኣድማስ ክንጥምትን፣ ንዅሉ ነገር በዚ ኣረኣእያ እዚ ኽንልክዖን ክንግምግሞን ተጸዊዕና ኢና።
ቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፣ ንምጽኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓለም እትነብር ዘላ ኢያ። ቃላት እዚ ተስፋ እዚ ድማ፣ ንዅሉን ኣብ ኵሉ ዘመናትን ትእውጅ፣ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ብፍላይ ከኣ ብቅዱስ ቍርባን ሓደ ቃል ኪዳን ትቕበል፣ ነቲ ርትዓዊ ዝኾነ ኣመክንዮኣ፣ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ፣ ኣብ ፍቕርን ኣገልግሎትን ድማ ተመኪራቶ እያ። ብተወሳኺ ድማ ንሳ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣብ ምምስራት፣ "ብዝያዳ እቲ ዝቐረበ" ቦታ ምዃና ትፈልጥ እያ (LG 48)፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ድሕነት ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝርአ ዶባት ወጻኢ እውን ከይተረፈ ክዓዪ ኸም ዚኽእል ኣፍልጦ ትህብ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ እዚ ዶግማዊ ቅዋም ዝኾነ ሰነድ ብርሃን ኣሕዛብ (Lumen gentium)፣ ሓደ ኣገዳሲ መግለጺ ይህብ፣ ቤተ-ክርስትያን "ኣድማሳዊት ምስጢር ድሕነት" እያ (LG, 48)፣ ማለት ምልክትን መሳርሒትን ናይቲ ኣምላኽ ዝሓልዮ ምልኣት ህይወትን ሰላምን እያ። እዚ ማለት ድማ ምሉእ ብምኡእ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ትነጻጸር እያ ማለት ግን ኣይኮነን፣ ይኩን እምበር ዘርኡን ጅማሬኡን እያ፣ ከመይሲ እቲ ፍጻሜኣ፣ ንደቂ ሰብን ንቆዝሞስን ኣብ መወዳእታ ጥራይ እዩ ዝግለጽ። ስለዚ እቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑ ደቂ ሰባት በዚ ምድራዊ ታሪኽ እዚ፣ ብዘይ ምትላልን ተስፋ ከይቈረጹን ብሰናይ ብስለት ዝፍለጥ ብዘይፍትሓዊ ተግባራትን ብጐደና ስቓይን ኢዮም ዚጕዓዙ ዘለዉ። በቲ "ንዅሉ ዘሐድስ" እተቐልዎ ተስፋ ተመሪሖም ድማ እዮም ዝነብሩ (ራእ 21 5)። ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾኣ ኣብ መንጎ እቲ "ድሮ" ጅማሬ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ዝኾነ፣ ከምኡ'ውን እቲ ተስፋ እተገብረሉን ትጽቢት ዝግበረሉን ፍጻሜ "ገና ዘይተፈጸመ" ኢያ እትርከብ ዘላ። ከም ተጣባቒት እዚ ተስፋ እዚ መጠን ድማ፣ ንዅሉ እቲ ንህይወት ዘጥፍእን ንምዕባለኡ ዝዓግትን ብንጹር ናይ ምቅዋም ተልእኾ ኣለዋ፣ ንድኻታት ምምዝማዝ፣ ንግዳያት ዓመጽን ውግእን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ብስጋን ብመንፈስን ዝሳቐዩ ሰባት ኣቕዋም ናይ ምሓዝ ተልእኾ ድማ ኣለዋ (ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቍ. 159 ርአ)።
ቤተክርስትያን ከም ምልክትን ምስጢርን መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፣ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ነጋድያን ዝኾኑ ህዝቢ ኣምላኽ ኢያ፣ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ብልክዕ ተመርኲሳ፣ ነቲ ቀላሲ ዝኾነ ታሪኽ ብወንጌል ተንብብን ትትርጕምን፣ ንእከይ ብዅሉ መልክዑ ብምዅናን ድማ ብቓልን ብግብርን ክርስቶስ ንዅሎም ደቅሰብን ንመንግስቱን ፍትሒ ከንግስ ከም ዝደሊ ድሕነትን ፍቕርን ሰላምን እትሰብኽ ኢያ። ስለዚ ቤተክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ኣይኮነትን እትሰብኽ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ንዅሉ ናብ ድሕነት ክርስቶስ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ተበጊሳ ቤተ-ክርስትያን፣ ንሰብኣዊ ተኣፋፍነትን ሓላፊነትን ናይቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሎና እኳ እንተዀና፣ ሓላፊ ምስሊ እዛ ዓለም እዚኣ እትጸውር ብምዃና፣ ንናይ ገዛእ ርእሳ ተቕዋማት ብትሕትና ኣፍልጦ ክትህበሉ ተጸዊዓ ኢያ(LG 48)። ዝዀነ ይኹን ናይ ቤተ-ክርስትያን ተቕዋም፣ ከም ሓደ ፍጹም ተቕዋም ክቝጸር ኣይክእልን እዩ። እወ ኣብ ታሪኽን ግዜን ስለ ዘለዉ፣ ተልእኾኦም ብሓቂ ምእንቲ ኺፍጽሙ፣ ብቐጻሊ ቅርጾም ምቕያርን ናብ ምሕዳስን፣ ተሕድሶ መዋቕርን፣ ናብ ቀጻሊ ምሕዳስ ርክባትን ተጸዊዖም እዮም።
ኣብ መንጎ እቶም ሎሚ ተልእኾኦም ዚፍጽሙ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናንን፣ ኣብ መንጎ እቶም ድሮ ምድራዊ ህላዌኦም ዝወድኡን፣ ኣብ ቅድስና ወይ ብፅዕና ዘለዉ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ክንርዳእ ኣሎና። ብርሃን ኣሕዛብ (Lumen gentium)ከም ዝገለጾ፣ ከም ሓቁ እኳ ደኣስ፣ ኩሎም ክርስትያን ምእመናን፣ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ከም ዜቝሙን፣ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሓድነት ኵሎም ኣመንቲ እተመስረተ መንፈሳዊ ጥሪት ከም ዝካፈሉን የረጋግጽ፣ ኣብ መንጎ ምድራዊት ቤተ-ክርስትያንን ሰማያዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ሕውነትን ዝምድናን፣ ብፍላይ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝርአ ሕብረት ቅዱሳን ይኸውን(LG 49-51)። ንሕና እውን ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ብምጽላይን፣ ኣስር ኣሰር እቶም ድሮ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኰይኖም ዝሓለፉ ብምስዓብን፣ ኣብ ጕዕዞና ጸኒዕና ንኣምልኾ ኣምላኽ ከነደልድሎን ንኽእል ኢና፦ ብሓደ መንፈስ ምልክት ብምግባር፣ ኣብ ሓደ ምስጢር ሓድነት ብምሓዝ፣ ምስቶም ብእምነት ቅድሜና ዝሓለፉ ሓቢርና፣ ንቅድስት ሥላሴ ነመስግንን ክብሪ ንህብን ኣሎና።
ነዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ሠናይን ዝኾነ መዳይ ክርስትያናዊ ህይወት ምልባስ ስለ ዘዘኻኸሩና ድማ ንኣበው እዚ ጉባኤ እዚ ነመስግኖም፣ ነዚ ድማ ኣብ ህይወትና ኸነማዕብሎ ንጽዓር።
