ድለ

ንኣዋጅ ቅድስና ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ኣብ ፖምፐይ ንኣዋጅ ቅድስና ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ኣብ ፖምፐይ  

ከተማ ፖምፐይ፦ ንር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 1 ዓመት ሢመቶም ንምቕባሎም ትዳሎ

ሊቀ ጳጳሳት ፖምፐይ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዝምረጹ፡ ኣብ ቀዳመይ ዝኽሪ ዓመት፡ ናብታ ማርያማዊት ከተማ፡ ማለት ናብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርዩም ንዝገብርዎ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኣሎና ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ቶማሶ ካፑቶ፡ ብዕለት 8  ግንቦት 2026 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ከተማ ፖምፐይ ንዝገብርዎ ምብጻሕ፡ ሓጐሶምን፡ ንቅዱስነቶም ዘለዎም ምስጋናን ድሕሪ ምግላጽ፡ "ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ካብ ዝምረጹ ቀዳመይ ዓመት ንምዝካር፡ ናብ ፖምፐይ ዝገብርዎ ምብጻሕ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ውህበት ኢዩ፣ ማሕበረሰብና ዝያዳ ናይ ብርሃን መቕደስን፡ ቤት ትምህርቲ ጸሎትን፡ ዕርዲ ሰላምን ኰይኖም ምእንቲ ክነብሩ፡  ሞሳ ብዝመልአ ልቢ ክንቕበሎም ንሰናዶ ኣለና” ክብሉ ገሊጾም።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ከተማ ናፖሊን፡ ኣብ ጥቓኣ ኣብ እትርከብ ፖምፐይን፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢጣልያ ዝገብርዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርዩም፡ ወኪል ቅድስት መንበር ዝኾኑ፡ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "እቲ ውዕዉዕን፡ ሓጐስ ዝመልኦን" ትጽቢት ናይ ምእመናን ከመይ ከም ዘሎ ገሊጾም። ብተወሳኺ ድማ "ምእመናን ካብ ኵሉ ቦታታት ንኽሳተፉ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ከም ዝተቐበሉ፡ እቲ ዘሕዝን ግን ብምኽንያት ድሩት ቦታ ክቕበልዎም ከም ዘይክእሉ" ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመወዳእታ ጊዜ ናብ ፖምፐይ ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ድሕሪ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ኢዮም ናብቲ መካነ ንግደት ዝበጽሑ ዘለዉ። እቶም ኣብታ ከተማ ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኰይኖም፡ ብ1979 ኢዩ ነይሩ። ከምኡ ውን ብ2003 ካይኣይ ጊዜ በጺሖማ ነይሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 እውን፡ ኣብ 2008 ኣብ ቅድሚ ስእሊ  ቅድስት ድንግል ማርያም ኪጽልዩ በጺሖም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ፖምፐይ ታሪኻዊት መዓልቲ ኢያ

ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ "ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምብጻሕ፡ ንሓንቲ ከተማ ወትሩ ታሪኻዊ ህሞት ኢዩ፣  እዚ ከኣ “ቅድምን ድሕርን እቲ ምብጻሕ ዘሎ ጊዜ ዝፍጠር ፍጻሜታት ኢዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ኣብቲ ዕለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም፣  ቦታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ እቲ መካነ ንግደት ዘሎ ቅርዓት ኰይኑ፡ ቅዳሴ ሰዓት 10፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ክጅመር ኢዩ።

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናብ እኖና ቅድስቲ ማርያም ፖምፐይ ዝቀርብ ዝተለምደ ጸሎት ኪመርሑ ኢዮም። እቲ ናብ እኖና እግዚእትነ ማርያም ዝቀርብ ወፈያ፡ ብ1883 ብመስራቲ ናይቲ መካነ ንግደት ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ዝተሰናደወ ኢዩ።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ምእመናን ኪቕበልዎም ትጽቢት ይግበረሎም። እቲ ምብጻሕ ብምሳልያዊ መገዲ ምስቶም ነቲ መካነ ንግደት ዚገብሮ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ዚሕግዙ ተወከልቲ "ቤተ መቕደስ ግብረ ሰናይ" ብምርኻብ ኪጅምር ኢዩ።

ድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቶም ኣብቲ ጐደናታት ዘለዉ ምእመናን ሰላም ክብሉ በታ ዝንቀሳቀሱላ ማኪና ክዞሩ ኢዮም። ቅድሚ ቅዳሴ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ንሕሙማትን ስንኩላንን ኣረጋውያንን ሰላም ኪብሉ ኢዮም።

መንፈሳውን ቀረባውን ምድላዋትን

ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ፡ እታ ከተማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምቕባል ቀዳማይ እትገብሮ ምድላዋት መንፈሳዊ ምዃኑ ገሊጾም።

"ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ምብጻሕ፡ ብቐዳምነት ብጸሎት ኢኻ እትሰናደወሉ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ማርያማዊት ከተማና፡ ብጸሎት ማለት ብጸሎተ መቝጸርያ ኢና እንሰናዶ ዘለና።"

ኣብ ርእሲ እቲ መንፈሳዊ ምድላዋት፡ ብምትሕብባር ብዙሓት ስቪላውያን ሰበ-ስልጣንን፡ ወለንተኛታትን፡ ሰፊሕ ቀረባዊ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

ተቀባሊት ከተማ ምስ ማሕበራዊ ብድሆታታ

ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ፡ ከተማ ፖምፐይ ኣስታት 25,000 ተቐማጦ ዘለውዋ፡ ዘመናዊትን፡ ተቐባሊትን ከተማ ኰይና፡ ኣብ ዙርያ እቲ መካነ ንግደት ዝተደኰነት ኢያ።

ከተማ ፖምፐይ ምስቶም ናብቲ ዓለምለኻዊ ውሩይ ስነ-ጥንታዊ መናፈሻ ዝበጽሑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን በጻሕቲ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ከኣ ነጋድያን ናብቲ መካነ ንግደት ትቕበል።

ይኹን እምበር ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል ኢጣልያ፡ እታ ከተማ ማሕበራዊ ብድሆታት የጋጥማ ኢዩ ።

"ብሰንኪ ዘይርጉእ ኵነታትን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ትሑት ደሞዝ ዝኽፈሎን ስራሕ ዘስዕቦ ጸገማት ኣሎ፣ ብዙሓት መንእሰያት ቀዋሚ ስራሕ ንምርካብን፡ ስድራቤት ንምምስራት ይቃለሱን ኢዮም" ክብሉ ገሊጾም።

ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ኣገዳስነት ስራሕ ኣብ ሰብኣውን ክርስትያናውን ዕብየት ኣጸቢቑ ይርድኦ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢዩ ትካላት ናይዚ መካነ ንግደት ኣብቲ ታሪኻዊ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ወፍሪ ዝገብራን፡ መንእሰያት ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ ንምሕጋዝ ተበግሶታት ንምምዕባል ብቐጻሊ ዝሰርሓን።

ናብ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ዘሎና መንፈሳነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ምብጻሕ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጸሎት ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ውን ክጽልዩ ኢዮም፣ ቅዱስ ባርቶሎ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2025 ኢዩ ቅድስንኡ ተኣዊጁ።

ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ፡ መስራቲ መካነ ንግደት ፖምፐይ ናይ ዝኾነ ቅዱስ ባርቶሎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ቅድስናኡ፡ እቲ መንፈሳውነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዓበየ ገሊጾም።

"መስራቲና ድሮ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝኾኑ ወሲኽካ፡ በቶም ዓመታዊ ናብ መካነ ንግደት ዚመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድያን ፍቱው ኢዩ።  እቲ ኣዋጅ ቅድስና ግን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዘለዉ ምእመናን መንፈሳውነት ዝያዳ ከም ዝውስኽ ገይርዎ። መንፈሳውነት ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ኣብ ከም ፖላንድ፡ ላቲን ኣመሪካ ከምኡውን ህንዲ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰፊሑ ይዓቢ ኣሎ” ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

ምስክርነት ኣብ ዘመናዊት ዓለም

ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ንዘመናዊት ዓለም እንታይ ክብል ከም ዝኽእል ምስ ተሓቱ ከኣ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ፡ "ንሱ ናይ ሓደ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ካብ ናይ ሓቀይና ሕይወት እምነት ዝረሓቐ ሰብ፡ ግን ከኣ ተነሲሑ ናይ ዝተመልሰ ኣብነት ኢዩ። ሕይወቱ ከኣ ሓደ እኳ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ከም ዘይ ግልለ የርኢ።

"ነጋድያን ብኣብነቱ ኣቢሎም ሓደ ሰብ ናብ ብርሃን መዓልቲ ንኸይምለስ ኪዓግቶ ዚኽእል ሓጢኣት ወይ ጸልማት ከም ዘየለ ይርድኡ" ክብሉ ገሊጾም።

ዝተሓደሰ እምነትን ልግስን

ሊቀ ጳጳሳት ካፑቶ፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንእምነትና ከጽንዑን፡ ንተስፋና ዝያዳ ሕያው ክገብርዎን፡ ንናይ ግብረ ሠናይ ንጥፈታትና ሓዲሽ ድራኸ ክህብዎን ናብ ፖምፐይ ይመጹ ኣለዉ” ብምባል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ነባሪ መንፈሳዊ ጽልዋ ኬሕድር ተስፋ ብምግባር መግለጺኦም ዛዚሞም።  

"ወኪል ክርስቶስ ብጐደናታት ደቂ ሰብ ኪሓልፍ ከሎ ጥራይ ኢዩ ሓጐስ ኪህሉ ዚኽእል፣ ምኽንያቱ ህላወኡ ንባዕሉ ናብ ሰማይ ንኽንጥምትን፡ ነቲ ናይ ሓቂ ምንጪ ሓጐስና ማለት ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንደልን ይመርሓና ኢዩ።"

06 May 2026, 13:08