2026.05.06 Intervista Agostinianum card Parolin 2026.05.06 Intervista Agostinianum card Parolin 

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሰላምን ኣጽዋር ምርጋፍን ዘለዋ ኣቕዋም ንጹር እዩ!

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ዋናጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ናብ ቫቲካን ዝገበሮ ምብጻሕን፣ ብዛዕባ ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ከምኡውን ብዛዕባ ጳጳሳት ጀርመን ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ – ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ተቕዋም ሥነ ኣበው ኣጐስቲንያኑም፣ ብጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብፍሽኽታ ከምዚ ክቡሉ መለሱሎም፣  "ኣብ ሩቢዮ ዲኹም እትውከሉ ወይስ ኣብ ትራምፕ?"፣ "ኣነ? ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይውከልን እየ። ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እየ ዝውከል”።

ብዛዕባ እቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝፈጸሞ ጸለመ፣ እንደገና ሕቶታት ኣቕረቡሎም። ካርዲናል ፓሮሊን "በዚ መገዲ እዚ ምጥቃዕ ወይ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ጸርፍታት ቍሩብ ስግንጢር ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ" በሉ።

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ ቀቅድሚ እቲ ሎሚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ማርኮ ሩቢዮ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኢዩ ዝኸውን ዘሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ባዕሎም ቅድሚ ትማሊ ምሸት፣ ካብ ካስተል ጋንዶልፎ ምላሽ ድሕሪ ምሃቦም ኢዩ ድማ ዝፍጸም ዘሎ።

"ንሶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም"

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነታ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን እተሓትመት መጽሓፍ ንምምራቕ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣጉስቲንያኑም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ "ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት፣ ጸጋ ናጻ ዝኾኑ" ክብሉ ፈለማ ንሕቶታት ጋዜጠኛታት፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትሕዝ ከም እትኽእል ብምግላጽ፣ ንብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካቶሊካውያን "ኣብ ሓደጋ" ከም ዘእትዎም ዘለዉ ዝገልጽ ሓሳባት፣ ንጋዜጠኛታት መልሲ ንምሃብ ሓንሳእ ደው በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ወጻኢ ቪላ ባርበሪኒ እተጠቕመሉ ቃላት "ዝኾነ ሰብ ሓቂ ኺዛረብ ኣለዎ" ክብሉ እውን መልሲ ሃብዎም።

እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ፈለማ ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኒኵለሳዊ ኣጽዋር ዘለዋ ኣቕዋም ዝሃቦ ርእይቶ፣ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፣ ነቲ ብጌጋ ዝቐረበ ኣቕዋም ቅድስቲ መንበር ኣነጸርዎ።

"ብርግጽ ቅኑዕ መግለጺ ኣይኰነን" ክብሉ ድማ ሓሳባቶም ኣካፈሉ፣ "ቅድስቲ መንበር ወትሩ ትዓዪ ስለ ዝነበረት፣ ብዛዕባ ኒኵለሳዊ ኣጽዋር ብዝምልከት ብልክዕ ትዓዪ ኣላ ማለት እዩ... ነዚ ሕጋውነት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምሓዝ ዝትንክፍ ስምምዕ ድማ ተዛሪባን ተተባዕን ኢዩ ዘላ።"

ስለዚ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ "ኣዝዩ ንጹር" ኣቕዋም ከም ዘለዋ ደጊሞም ገለጹ።

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ብዕለት 13 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን ጅሚሩ ብተደጋጋሚ ብርእሰ ብሔር ትራምፕ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትታት ኣብ ድርድር ክኣተዉ ኣይደለዪን።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ "ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ፍርድን ብሕታዊ ገምጋምን ክኣቱ ኣይደልን እየ" ብምባል፣ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ነገር ከም ዝገብሩ ዘለዉ ኢየ ዝኣምን፣ ርእሰ ከመይ ንሶም ሊቃነ ጳጳሳት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም" በሉ።

ርክብ ምስ ሩቢዮ

ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ማርኮ ሩቢዮ ዝገበርዎ ዝርርብ ብዝምልከት ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ተሓቱ፣ "ቅድም ቀዳድም ክንሰምዖ ኢና፣ እቲ ተበግሶ ካባታቶም ዝመጸ ኢዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን እተፈጸመ ዅሉ ኽንዛረ ኢና። ነዚ ጕዳያት እዚ ከይተንከፍናዮ ክንሓልፍ ከአ ኣይንኽእልን ኢና።"

ብሓፈሻ ከም ወትሩ ምስ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝግበር ርክባት፣ "ኣርእስትታት ኣህጉራዊ ፖለቲካ ልዕሊ ዅሉ ድማ ግጭታት ብዝምልከት" ከም ላቲን ኣመሪካ ምናልባት እውን ሕቶ ኩባ ክዝርበሉ ኢዩ። ብሓጺሩ ይብሉ ብፁዕነቶም "ኵሉ እቲ ኣዝዩ ህጹጽ ጕዳያት" ክብሉ ኣመልከቱ።

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ካብ ቅድስቲ መንበር ተወሳኺ ሓሳባት ከም ዘይህሉ ድማ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እዚ ግጭታት እዚ ብሓይሊ ኺፍታሕ ኣይክእልን እዩ፣ የግዳስ ብስምምዕ ኪፍታሕ ኣለዎ። ኵሎም ወገናት ርእይቶኦም ምእንቲ ኺገልጹን ናይ ምትሕብባር ነጥብታት ምእንቲ ኺረኽቡን ብጽቡቕ ድሌትን ብቕንዕናን ዝግበር ምይይጥ ክህሉ ኣለዎ" በሉ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ማእከል እዚ ኩነታት ኢያ ዘላ

ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግን ከም መዘራረቢ ነጥቢ ምዃና ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ብፁዕነቶም ድማ "ብዘይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ከመይ ጌርና እዚ ክግበር ይከል? ብዘይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክትግበር ኣይከኣልን። ገለ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፣ ምስ ቅድስቲ መንበር ከም መዘራረቢ ዀይኖም ከም ዘለዉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብተወሳኺ ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ዅነታት ግደ ስለ ዘለዎም ኢዩ።"

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ነቲ ምስ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚግበር ርክባት ኪህሉ ዚኽእል "ምዕባለታት" ክፉት ምዃኖም እውን ገለጹ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከትዎ፣ ኣብ መንጐ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ትራምፕን ናይ ተሌፎን ጻውዒት ክግብር እንተ ዀይኑ ንዝብል ሓሳባት፣ "ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

"ቅዱስ ኣቦና ንዅሉ ኣማራጺታት ክፉት እዮም፣ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ስለዚ ምስ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ቀጥታዊ ዝርርብ ክግበር ዝቐረበ ሕቶ ወይ ርእይቶ እንተ ዝህሉ ነይሩ ነዚ ንምቕባል ዘጸግሞ ኣይመስለንን" በሉ።

ዝርርብ ምስ ጳጳሳት ጀርመን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበ ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጀርመን ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን መልሲ ሂቦምሉ ኢዮም።

ብፁዕነቶም እውን ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ቅድስቲ መንበር ንጳጳሳት ጀርመን ብዛዕባ ቡራኬ ናይ መውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ብዝምልከት ጣልቃ ብምእታው ኣቐዲማ ተዛሪባትሉ ኢያ።

ኣብዚ እዋን እዚ "ዝርርብ" ይካየድ ኣሎ፣ "እንታይ ከም ዝኸውን ግን ምስ ግዜ ዝርአ ኢዩ" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ እቲ ውሳነ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኑ ደጊሞም ገለጹ።

"ዝዀነ ዀይኑ ግን ንእተወሰነ እዋን ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ርእይቶ ብምግላጽ ዝርርብ ጀሚርና ኣሎና" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ብዛዕባ ሲኖዶሳዊነት እውን እተፈላለየ ርእይቶታት ዝእክብ "ኣቃውማ ምርካብ" ከም ዝከኣል ኣስተንተኑ፣ እዚ ኸኣ "ዝዀነ ይኹን ውሳነ ምስ ቀኖናዊ ሕጊ፣ ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ከምኡ ውን ምስ ትውፊት ቤተ-ክርስትያን ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ፣ "ከምቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክግበር ዝግብኦ፣ ጸገማት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዘይክእል ተስፋ ከም ዝገብሩ” ገለጹ።

07 May 2026, 10:15