ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣቸራ ናይ ዘካየድዎ ዑደት ፍሉይ ትሕዝቶ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብታ “ምድሪ ሓዊ” ተባሂላ እትፍለጥ ግዝኣት ካምፓንያ ኢጣልያ ዝኾነት ከተማ ኣቸራ ዕለት 23 ግንቦት 2026 ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ጒስነታዊ ዑደት ክልተ ቀንዲ ፍጻመታት ዝሓቖፈ ከም ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ክም እተራኸብን መላእ ህዝቢ ድማ ንቕርበትን ሓልዮትን ቅዱስነቶም ንምምስጋን ኣብ ጎደናታት ተሰሪዖም ከም እተቐበልዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ካቴድራል ኣቸራ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ከተማን እቲ ዞባን ዘገልግሉ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምስ ኣባይቲ ስድራ ግዳያት ብከላ ከባቢን ከም እተራኸቡን ነቶም ብከላ ከባቢ ብዘስዕቦ ከቢድ ሕማም ፈተወቶም ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእተው ዘሎ ገበናዊ ረብሓታትን ዘይምግዳስን እውን ከም ዝኾነኑ የዘኻኽር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ዘካየድዎ ርክባት ብቅልዕቲ ጳጳሳዊት ማኪና ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣቸራ ብምጓዓዝ ነቶም ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ሰላምታ ብምቕራብ ምስ ሰፊሕ ህዝባውን በርገሳውን መራሕቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ፒያዛ ኒኮላ ካሊፓሪ ተራኺቦም፡ ቅድሚ ውልቃዊ መኽሰብ ናይ ሓባር ረብሓ ክመጽእ ኣለዎ ዝብል እምነቶም ደጊሞም ብምቅላሕ ሕብረተሰብ ናብ ተሓድሶ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ብሓባር ክሰርሕ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
