ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ እንክፍርሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ እንክፍርሙ  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ዘመነ ቀመራዊ ምዕሪት ሰብ ምዃን

ብዛዕባ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘውጽእዋ “ግሩም ሰብኣውነት” እትብል ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተጻሕፈ ርእሰ ዓንቀጽ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰብኣዊ ክብረት በቲ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ፡ ዓብዪ ተክኖሎጅያዊ ሓይልን፡ ብሓድሽ ዓይነት ኢሰብኣውነት ኪሽፈን ኣብ ዚኽእል ዘሎ እዋን፡  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብሓቒ ሰብኣውነት ዝለበስና ኴንና ክንቅጽል "ህጹጽ ግዴታ" ከም ዘሎና የዘኻኽሩና ኣለዉ።

ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብዚ ምፍልላይን፡ ዓመጽን፡ ምስፍሕፋሕ ምግባት ስልጣንን፡ ንውግእ ከም ከም መሳርሒ ዓለም ለኻዊ ፖሎቲካን ገርካ ኣብ ትጥቐመሉ ዘመን፡ ተክኖሎጂ "ንልቢ ደቂ ሰባት ንድሕሪት ከይ መለሰ” ንኽዓብን ክንጥቐመሉን ይዕድሙና ኣለዉ።  

ንደረትን ተነቃፊነትን ደቂ ሰብ ክንቅበልን እምበር፡ ከምቲ ተክኖሎጅያዊ ስነ-ሓሳብ ዚገብሮ፡ ክእረም ዘለዎ ጌጋ ከም ዘለዎ ጌርና ንኸይንርእዮ እውን ይዕድሙና ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለም ብዓይኒ ሓያላት ዘይኰነስ፡ ካብ ታሕቲ ብዓይኒ እቶም ዝሳቐዩ፡ ካብ ዝነኣሱ ጀሚርና ክንርእያ ምሕጽንታኦም የቕርቡልና ኣለዉ።

ንደቂ ሰብ ብዓይኒ እቲ ድኽመትና ኣብ ርእሱ ወሲዱ ናብ ቦታ ምድሓን ዝቐየሮ ኣምላኽ ክንጥምቶም ኣሎና፣ ምኽንያቱ "ሰብ አሰርሖ መሳርሒታት ብውጽኢታዊነት ብሉጻት ኣብ ዚዀኑሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ እቲ ኪጥምት ዚሓትት ገጽ ሰብ፡ ማእከል ታሪኽና ኢዩ" ይብሉ።

ግሩም ሰብኣውነት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ —ብቐዳምነት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እትገልጽ ናይ ትንታነ ጽሑፍ ኣይኮነትን፣ ብዛዕባ እቲ ብቐጻሊ ዚቀያየር ዘሎ መስርሕ እውን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይትህብን ኢያ።

ኣብ ክንዳኡስ ንመሰረታዊ ስርዓታት ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ግዜ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ትምህርቲ እተደልድልን እተመሓይሽን "ጽማቝ" መልእኽቲ ኢያ።

እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ፍጹም ናጽነት ዕዳጋታትን፡ ሓደስቲ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታትን ብምእማን፡ ነቲ ኣርእስተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣድላይነት ሓባራዊ ሰብኣዊ ምምሕዳር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፡ ኣከባብን፡ "መዋቕር ሓጢኣት" ኰይኖም ዘለዉ ቍጠባዊ ስርዓታትን፡ ንውግእ ምንጻግን ኣብ ዝምህርዎ፡ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት እትነጽግ ጽሕፍቲ ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ስሞም ካብቶም “ሓደስቲ ነገራት” እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ዝጸሓፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ዝወሰድዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዘመን ናይ ዲጂታላዊ ለውጢ፡ ንነፍሲ ወከፍና ንጡፍ ግደ ክህልወና  ይዕድሙና ኣለዉ። ምህናጽ "ስልጣነ ፍቕሪ" ብንእሽቶን፡ ጽኑዕን ተግባራት ተኣማንነት ኢዩ ዚፍጸም። እዚ ዕዮ እዚ ከኣ፡ ንዅላትና ኣጸቢቑ ዜገድሰና ምዃኑ ይገልጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ "ዘይፍትሓዊ ተግባራት ካብ ግጉይ ምርጫታት ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘይማዕርነት ዜምጽእ መዋቕርን፡ ኣሰራርሓታትን፡ ቍጠባውን፡ ባህላውን ስርዓታትን እውን ኢዩ ዚመጽእ፣ ከምኡውን "ምዕባለ ክበሃል እንከሎ ንገሊኦም ሃለኽቲ ነገራት ዘብዝሕ፡ ነቲ ወጻኢታትን፡ ጾርን ከኣ ናብ ካልኦት ዘሰክሞ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ንብምልኦም ዞባታት ናብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትዎም እንተ ዀይኑ፡ ብሓቂ ሰብኣዊ ኣይኰነን።"

እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ እዚ ነገራት እዚ ሎሚ ኣብ ዓውዲ ሓደስቲ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታትን፡ ዝጠልብዎ ቀረብን ይፍጸም ምህላዉ ኢዩ።

እታ ዓዋዲት መልኽቲ፡ መሰረታዊ ስርዓት ናይ ብሕቲ ዋንነት "ኣድላዪ ማሕበራዊ ግደ" ከም ዘለዎን፡ ብቤተ-ክርስትያን ከም ዝድግፍን ትገልጽ። "ሎሚ ኣብ መንጎ እቲ ንዅላትና ተባሂሉ እተዳለወ ንብረት፡ ከም መምርሒ ፍቃድ፡ ስነ ሓሳባዊ ቀመር፡ ዲጂታላዊ መድረኽ፡  ተክኖሎዲካዊ ትሕተ ቅርጺ፡ ሓበሬታ፡ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ዓይነት ንብረት ከነጠቓልል ኣሎና" ብምባል ሓድሽ ዓይነት ምፍልላይን፡ ናጽነትን ንኸይፍጠር ወይ ሱር ንኸይሰድድ ንምክልኻል ኢዩ።

ተክኖሎጂ ቐሊል መሳርሒ ኣይኰነን፣ ኵሉ ነገር ዚፍረደሉ መዐቀኒ ምስ ኰነ "እንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ እንታይ ኪድርበ ከም ዚኽእልን ኪውስን ይጅምር። ንደቂ ሰብ ከኣ፡ ኣብቲ ዝያዳ ስሉጥነት ዚመርሕ ስርዓት፡ ናብ ተራ መንኰርኰር የውርዶም" ክብሉ ኣተንቂቖም።

ሎሚ ኣብ ልዕሊ መድረኻትን፡ ትሕተ ቅርጽን፡ ሓበሬታን፡ ሓይሊ ቅማረን ምቍጽጻር "ኣብ መንግስታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓበይቲ ቍጠባውን፡ ተክኖሎጂካውን ትካላት እተመርኰሰ" ምዃኑ ይገልጹ። እዘን ኩባንያታት እዚኣተን፡ ናይ ምርካብ ኵነታትን፡ ናይ ምርኣይ ሕግታትን፡ ተኽእሎ ናይ ተሳትፎን የቝማ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ኣብ ኢድ ሒደት ሰባት ምስ ዚኣቱ፡ ዘይንጹር ይኸውን፣ ካብ ህዝባዊ ቍጽጽር ከኣ የምልጥ። እዚ ከኣ ሓድሽ ምርኩስ ምፍልላይን፡ ምትላልን፡ ዘይማዕርነትን ዜምጽእ፡ እተዛብዔ ዓይነት ምዕባለ ኬስዕብ ይኽእል ኢዩ" ይብሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ካብቲ "ፍትሓዊ ውግእ" ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ሓሊፍካ ምስግጋር ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ዝዀነ ይኹን ቀመራዊ ምዕሪት ንውግእ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ተቐባልነት ክህቦ ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል፡ ኣብ ውግእ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምጥቃም፡ ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ቀይድታት ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ንምስልታትን፡ ትሕዝቶን ብምቍጽጻር፡ ህዝባዊ ርእይቶ ኣብ ምቕራጽ ወሳኒ ረቛሒ ኰይኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንሓቂ ካብ ሓሶት ንምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ብዛዕባ ዕዳጋ ስራሕ እውን ብዙሕ ዘይተፈልጠ ነገራት ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ "ዘይርአ ኢድ" ናይቲ ዕዳጋ ጥራይ ክትውከል ከም ዘይከኣል ተዘኻኽር።

ፖለቲካዊ ስርዓታት፡ ንቍጠባውን፡ ተክኖሎጅያዊ ለውጥን፡ ናብ ሓባራዊ ረብሓን፡ ክብሪ ስራሕን፡ ማሕበራዊ ውህደትን፡ ጥቕምታት ሓደሽቲ ምህዞታት ብፍትሓዊ መገዲ ንምክፍፋል፡ ናይ ምምራሕ ዕማም ኣለዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንኸንጥቐም ሓጹር ኣይኮነን ዝገብሩ ዘለዉ ወይ ከኣ ብምልኣት ኣይኮኑን ዝነጽግዎ ዘለዉ። እኳ ድኣ ብዙሕ ኣወንታዊ መዳያትን፡ ብዙሕ ጠቓሚ ዕዮ ናይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ንጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዕላማ ከም ዝጥቐሙሉ፡ ስነ-ምግባራዊ ሕቶ ንምሕታት እኹል ከም ዘይኰነ ገለሊጾም ኣለዉ።

ኣቐዲምካ ጣልቃ ምእታው፡ ከምኡውን ሓደ ስርዓት ብኸመይ ከም እተነድፈን፡ ብዛዕባ ሰብን፡ ሕብረተሰብን፡ እንታይ ዓይነት ሓሳብ ከም እተጻሕፈ ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብቑዕ ሕጋዊ መሰረትን፡ ናጻ ዝኾነ ናይ ቍጽጽር ኣካላትን፡ ንተጠቀምቲ ምምሃርን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ "ዕዮኡ ዘይሓድግ ፖለቲካዊ ስርዓት" ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ “ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘይዕጥቃዊ ክንገብሮ ኣሎና፣ እዚ ማለት ከኣ "ተክኒካዊ ስልጣን ንዅሉ ናይ ምምሕዳር መሰል ከም ዚህቦ ንዚገልጽ" ክንድርቶ ኣሎና። ነዚ ክንገብር እንከሎና ግን፡ ንተክኖሎጂ ንምሕዳግ ዘይኰነስ፡ ንደቂ ሰብ ንከይቈጻጸሮምን፡ ንዘተ ክፉት ንምግባሩን ኢዩ። ንሰብኣውነትና ኣብ ክንዲ እንሓድግ 'ነቲ ኣምላኽ ማሕደሩ ዝገበረሉ ዕቤት ደቂ ሰብ ክንምስክር' ኣሎና” ይብሉ።

 

ብኣንድርያ ቶርኒሊ

27 May 2026, 14:39