ካርዲናል ብለዝ ኩፒች ካርዲናል ብለዝ ኩፒች  (2025 Getty Images)

ብፁዕ ካርዲናል ኩፒች፦ ብዛዕባ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. መግለጺ ሂቦም

ሊቀ ጳጳሳት ቺካጎ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለዉዋ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) እትብል ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ “ሓድሽ ተክኖሎጂ ነቲ ናይ ምቍጽጻር ክእለትና ኪበልጾ ይኽእል ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ነዚ ህሞት እዚ ብህጹጽ ንኽንነቕሓሉ ይጽውዑና ኣለዉ” ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"እዛ ሰነድ እዚኣ ንብምሉኡ ማኅበራዊ ዓንቀጸ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ከነንብቦ ሓድሽ መነጸር ትህበና።"

ሊቀ ጳጳሳት ቺካጎ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለውዋ፡  “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ዘርእስታ፡ ብዛዕባ ሓልዮት ደቂ ሰባት ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እትገልጽ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።

ብፁዕ ካርዲናል ኩፒች፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተክኖሎጅያዊ ርእሰ-ምትእምማን ዝሃብዎ መጠንቀቕታን፡ ብዛዕባ ማኅበራዊ ሳዕቤናት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ማኅበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዲጂታላዊ ዘመንን ሓጺር መብርሂታት ሂቦም።





ብፁዕ ካርዲናል ኩፒች ኣገዳስነት እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለውዋ “ግርማ ሰብኣውነት” እትብል ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ እንታይ ይመስለኩም?

እቲ ቐንዲ ኣበርክቶ ናይታ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ንደቂ ሰብ፡ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ወይ ካልእ ግምቢ ባቢሎን ንምህናጽ፡ ምርጫ ንኽገብሩ ዘቕርብዎ ብድሆ ኢዩ።

እቲ ቐዳማይ ምስሊ ኣብቲ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ንስድራቤታት ኣብ ሓደ ጥርናፈ ዘምጽአ ኣብ ትንቢት  ነህምያ ተገሊጹ ዘሎ ዛንታ ዝተመስረተ ኢዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸሓፍዎ፡ ነቢ ነህምያ "ንነፍሲ ወከፎም እንደገና ንምህናጽ፡ ገለ ኽፋል እቲ መካበብያ መቂሉ ሂብዎም፡ ንጻዕርታቶም ኣወሃሂዱ፡ ዝኾነ ተቓውሞ ከይመጽእ ከኣ ኣተሓሳሲብዎም። እዛ ከተማ እዚኣ ብተበግሶ ሓደ ሓያል ውልቀ-ሰብ ዘይኰነስ፡ "ብሓባራዊ ሓላፍነት ኵሎም ሰብኡትን፡ ኣንስትን፡ ካህናትን፡ ኢደ ጥበበኛታትን፡ ዓበይቲ ስድራ ቤታትን፡ መንእሰያትን ብዝገበርዎ ተሳትሮ" ኢያ ተሓኒጻ። እዚ ምስ ኣምላኽን፡ ንኣምላኽ ኣማእኪልካን ዝስራሕ ኰይኑ፡ ብእምኒ ምህናጽ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ኣቐዲምካ ሓድነትካ ከም ብሓድሽ ምህናጽ ኢዩ።"

እዚ ከኣ ሰባት ግቡእ ሓላፍነቶም ምስ ዚስከሙን፡ ሓይሎም ካብ ጐይታ ከም ዚመጽእ ምስ ዚግንዘቡን ኢዩ ዚፍጠር።

ግምቢ ባቢሎን ግን ብዘይ ቡራኬ እግዚአብሔር ናብ ሰማይ ክትበጽሕ ናይ እትደሊ ከተማ ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ትዕቢትን ርእሰ-ተኣማንነትን እተመስረተ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ይፈርስ፣ ሰባት ከኣ ንሓድሕዶም ኣይረዳድኡን ኢዮም።

ቺካጎ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ማእከል ንግድን ተክኖሎጅን ምህዞን ኢንዱስትሪን ኢያ እትፍለጥ። ነዛ ኣብ ዓለም ዘሎ ተክኖሎጂ እትገልጽን፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዛዕባ ሓልዮት ደቂ ሰባት እትጽውዕ ጽሕፍትን እንታይ ምላሽ ኢኹም እትህቡ?

ኣብ ቺካጎ ዝተዋህበ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ዜና ኣብ ምላሽ ተመሃሮ መንበረ ጥበብ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ እዚ፡ ኣብ መጻኢኦም ዓሚቝ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ ድማ ተጠንቂቕና ክንሰምዖም ኣሎና።

ካብቶም ቃለ-መሕትት ዝተገብረሎም ተመሃሮ፡ ንቅዱስ ኣቦና ኣዝዮም ኣመስጊኖምዎ፣ ነታ ሰነድ ኬንብብዋ ድማ ሓያል ተገዳስነት ኣርእዮም ኣለዉ።

ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝጠቐስዎ ነገራት ኣየናይ ኢዩ ዝያዳ ዜተሓሳስበኩም? ኣብ ሰበኻኹም ዘለዉ ሰባት ካብኡ ኪርሕቑ ኣለዎም እትብልዎ እንታይ ኢዩ?

እዛ ሰነድ እዚኣ ንብምሉኡ ማኅበራዊ ኣንቀጸ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ከነንብበሉ እንኽእል ሓድሽ መነጸር ትህበና። ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብንጹር ገሊጾሞ ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተበግሶታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘደንቕ ገምጋም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዚ ኣንቀጸ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ደኣ እምበር፡ ካቶሊካውያን ኪቕበልዎ ወይ ዕሽሽ ኪብልዎ ዚመርጽዎ ትምህርቲ ጥራይ ከም ዘይኰነ ብንጹር ገሊጾሞ ኣለዉ።

ብዛዕባ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ዘውእዋ “ሓደስቲ ነገራት” እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ብምሕሳብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከኣ ብተደጋጋሚ ዝጠቐስዎ ብምርኣይ፡ እቲ ዲጂታላዊ ለውጢ፡ ብስፍሓቱን ጽልዋኡን ምስ ኢንዱስትርያዊ ለውጢ ክወዳደር ይኽእል ድዩ?

ምምሳስሎም ነገራት ኣሎ፣ ኣገደስቲ ፍልልያት እውን ኣለዎም።

እዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ እዚ፡ ነቲ ናይ ምቍጽጻር ክእለትና ኪበልጾ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ነዚ ህሞት እዚ ብህጹጽ ንኽንጥቀቕሉ ናይ ምንቕቓሕ ጻውዒት ይህቡና ኣለዉ።

 

29 May 2026, 14:24