ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደስቲ ጳጳሳት ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደስቲ ጳጳሳት ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደስቲ ጳጳሳት ሰምዮም

ክልተ ተወለድቲ ላቲን ኣሜሪካውያን ዝኾኑ ዜጋታታ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ጳጳሳት ክኾኑ እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ግንቦት ኣብ 1975 ኣብ ኮሎምብያ ዝተወልዱ ጆን ጎሜዝ ናይ ሰበኻ ላሬዶ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ጎሜዝ ኣብ ሂዩስተንን ሮማን ከም እተመሃሩን ኣብ 2009 ድማ ኣብ ሰበኻ ታይለር ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ሰበኻ ላሬዶ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ንኣባ ኤቨሊዮ መንኺቫር ኣያላ ናይ ሰበኻ ዊሊንግ-ቻርለስተን ጳጳስ ንኽኾኑ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣባ ኣያላ ኣብ 1970 ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ከም ተወልዱን ኣብ ዕስራ ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ዓዶም ካብ ዘጋጠመ ደማዊ ኲናት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ናይ ሓንቲ ማኪና ዳሕረዋይ ክፍል ተሓቢኦም ብምጉዓዝ ዶባት ብምቁራጽ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰዱ ከም ዝኾኑን ኣብ ሚያሚን ሮማን ዝተመሃሩን ኣብ 2004 ድማ ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ዋሽንግተን ምዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉ የመላኽት።

ኣባ ጎሜዝን መንኺቫር - ኣያላን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጳጳስ ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ተወላዲ ላቲን ኣመሪካ ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ እውን ካብ ቺካጎ ዝመጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ፔሩ ልኩካነ ወንጌል ኮይኖም ዘገልገሉን ስዒቡ ድማ ናይ ቺክላዮ ጳጳስ ኮይኖም ከም እተሰመዩ ዝዝከር እዩ።  

02 May 2026, 17:06