ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ 'ካብዞም ህጻናት ሓደ'ኳ’ ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ 'ካብዞም ህጻናት ሓደ'ኳ’  (AFP or licensors)

ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ 'ካብዞም ህጻናት ሓደ'ኳ’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንናይ 2026 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል “ካብዞም ህጻናት ሓደ’ኳ’ ዝብል ክኸውን ዘመሓላለፍዎ ውሳነ፡ ነቶም ኣብ ጉዕዞ ስደትን ምንቅስቓስን ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣድላይነት ጒስነታዊ ክንክን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እተብዕሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ነቶም ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ትኹረት ዝብር ክኸውን ብምምልካት፡ ከምቲ ወንጌል ዝምህረና ንነፍሲ ወከፎም ናይ ምቕባል ግዴታ ከም ዘሎና የዘኻኽሩ።

እቲ ዕለት 27 መዝከረም 2026 ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 112 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል “ካብዞም ሕጻናት ዋላ ሓደ’ኳ” ዝብል ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ዕለት 9 ሚይዝያ ናይ ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ከም ዝገበሮን፡ ቅዱስ ኣቦና ዝመረጽዎ መርሕ ቃል ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 18: 5፥ “እቲ ንኸምዚ ዝበለ ህጻን ብስመይ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል” ንዝብል ቃል ኢየሱስ ዘቃልሕ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ፡ “ቅዱስ ኣቦና በዚ ምርጫ እዚ፡ ከምቲ ወንጌል ዝምህረና ንነፍሲ ወከፍ ሕጻን ዘሎና ናይ ምቕባል ግዴታ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ስደት ብቐጥታ ንዝትንከፉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ስክፍታ ይገልጹ” እንክብል ኣብ ዝሃቦ መገለጺ ይሕብር።

እቲ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ጉዳይ ብዓብይ ስልጣን ክዛረቡ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ህሉው ኩነታት ስደት ንመሰልን ክብርን ናይቶም ኣብ መንጎና ዘለዎ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህጹጽን ኣድማዕን ምላሽ ዝሓትትን ሓደስቲ ብድሆታት ዘቕርብ ምዃኑ ኣነጺሩ፡ ስለዚ እዚ ብቑጽሪ ወይ ብሚእታዊት ምዝታይ ዝብል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ 'ዋላ ሓደ ጥራይ እውን እንተኾነ' ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ” እንክብል ኣነጺሩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መልእኽቲ ከመ ሓላልፉ ምዃኖም ይሕብር።

መበቆል መዓልቲ ዓለም

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብ 1914 ማለት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ዝተበገሰ ኮይኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ዓስራይ በቲ ካብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣትሒዞም ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዶም ዝነበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዜጋታት ኢጣሊያ ብዘጋጥሞም ዝነበረ መዓት ስለ እተተንከፉ፡ ንዅሎም ክርስትያን ምእንቲ ስደተይናታት ኪጽልዩ ጽሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቀጺሉ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተካኢኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ንስደተይናታት ዜጋታት ኢጣሊያ ብመንፈሳውን ቍጠባውን መዳይ ብጉስነታዊ ኣገልግሎት ንምድጋፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከም ዘቖሙን፡ ኣብ 1952 መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሰፍሐን ኣህጉራውን ትርጕም ከም ዝረኸበን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ ኣብታ ዓመት ንስደተይናትትን ተመዛበልትን ሓሳብ ብምግባር መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጋ ከም እተሓተተ እውን ብምምልካት፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ካብ 1985 ንነጀው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንገለ ካብቲ ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣሕዋትን ኣሓትን ዘጋጥሞም ፍሉይ ክውንነታትን ጸገማትን ኣቓልቦ ዚስሕብ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳጳሳት ከምዝኾኑን፡ ኣብ 2004 ንናይ ንስደተይናታትን ገያሾን ጉስነታዊ ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ እታ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝብል መጸውዕ ክህልዋ ብምግባር ብትእዛዝ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ካብ 2005 ኣትሒዙ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ 2ይ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ኣስተርዮ ዘእግዚኣነ ክበዓል ከም ዝጀመረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 መበል 104 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ሰንበት ተዘኪሩ ክውዕል ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

10 Apr 2026, 16:31