ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መደባት ምብጻሕ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ ኢጣልያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መደባት ምብጻሕ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ ኢጣልያ  (@Vatican Media)

ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መደባት ምብጻሕ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ ኢጣልያ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝገብርዎ መደባት ሓዋርያዊ ዑደት ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ግንቦት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመቶም ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፖምፐይን ናፖሊን  ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዶ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ቅድስ እንክብሉ ዝኣወጅዎ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ዝመስረተን ኣብቲ መካነ ናብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ መቓብር ክበጽሑን ኣብቲ መካነ ንግደት ድሕሪ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ቅዱስ ባርቶሎ ዝደረሶ ጸሎት ክደግሙ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፖምፐይ ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምሳሕ ተቛዲሶም ምስ ተሰናበቱ ናብ ከተማ ናፖሊ ክኸዱን ናይ ርእሰ ሰበኻታት ናፖሊ ካህናትን ኣብቲ ዞባ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ክራኸቡን ኣብ ፊት ቅርያት ቅዱስ ጀናሮ እውን ክጽልዩን ኣብ ኣደባባይ ፕለቢሺቶ ድማ ምስ ህዝቢ ናፖሊ ካራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 14 ግንቦት ሮማ ኣብ ዝርከ መንበረ ጥበብ ላ ዛፒየንሳ ጉስነታዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን ዕለት 23 ግንቦት ኣብ ዋዜማ ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ተፈጥሮ - ናይ ሓባር ቤትና ዝምልከት ስቡሕ ኣንተ - Laudato sì ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓውዲ መልእኽቲ ኣብታ ብብከላ ከባቢ ኣዚያ እትጥቀስ ዘይሕጋዊ መአከብ ጎዳእን በካልን ጓሓፍ ተባሂሉ ዝንገረላ ኣብ ደቡብ ኢጣሊያ ኣብ መንጎ ከተማ ናፖሊን ካሰርታን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣቸራ ሓዋርያዊ ዕደት ከካይዱ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ዕለት 20 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀዳማይ ኣጎስጢኖስዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ ፓቭያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱን ኣብቲ ካብ 722 እትሒዙ መቓብር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ፒየትሮ ኣብ ቺየል ዶሮ ሓዋርያዊ ንግደት ቅድሚ ምክያዶም ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከን ማእከል ስነ ሕክምናን ስነ ምርምርን ስነ ፍወሳን ስነ ጥረ ኣካል (CNAO) ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ስራሕተይናታትን ሓኻይምን ኣብቲ ማእከል ሕክምና ምስ ዝገበረሎም ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ክራኸቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ዕለት 4 ሓምለ  ከምቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ድሕሪ ምሕራዮም ቀዳማይ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ዘካየድላ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ እትርከብ ደሴት ላምፐዱዛ ምብጻሕ ከካይዱን እዚ እውን ንስደተይናታት ዘለዎም ቅርበት ዘርኢ ምዃኑ የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ወርሒ ነሓሰ’ውን ናብ ከተማታት ኣሲዚን ሪሚኒን ክገሹ’ኳ እንተኾኑ ኣብዘን ክልተ ከተማታት ናይ ከካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝርዝር መደባት ገና ወግዓዊ ከም ዘይኮነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Apr 2026, 16:04