“ንዅሉ፡ ንዅሉ፡ ንዅሉ ሰብ!”

ቤተ-ክርስትያን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዝኽሪ ሞቶም ኣብ ዝዘከረትሉ ዕለት፡ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ሕይወትን ውርሻን ናይቶም ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንድሕሪት ምልስ ኢላ እትገልጽ ሓዳስ ሰነዳዊት ፊልም ዘርጊሑ ኣሎ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ምሕረት ረኺብና ኢና እሞ መሓርቲ ንኹን። ንልቢ ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዛንታ ዘመነ ሥልጣኖምን ዝሓቘፈ ቃላት ኢዩ። ኣብ ጐድኒ እዚ፡ እቲ ትምኒቶም "ነታ ድኻን ምእንቲ ንድኻታትን ዘላ ቤተ-ክርስትያን ብከመይ ከፍቕራ ኢየ!" ዚብል ኢዩ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስ ሞቱ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ዜና ቫቲካንን፡ ረድዮ ቫቲካን፡ ሎሰርቫቶረ ሮማኖን ኣብታ 27 ደቒቕ እትወስድ  "ንዅሉ፡ ንዅሉ፡ ንዅሉ ሰብ" ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም፡ ንገለ ካብቲ ኣብ ጊዜ ጵጵስናኦም ዝነበረ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋናት ኣጕሊሖም ኣለዉ።

እዚ ከኣ ነቶም ዝተነጸሉ ወገናት ቀረባኦም ምዃኖም ዝገልጹን፡ ነታ ብኲናት ተመቃቂላ ዘላ ዓለም ቀጻሊ ናይ ሰላም ጻውዒት ዘቕረቡን፡ ካልእ ትእምርታዊ መግለጺ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዩ።  

"ንዅሉ፡ ንዅሉ፡ ንዅሉ ሰብ!" እትብል ሰነዳዊት ፊልም፡ ብቋንቋታት ጣልያንን፡ ስጳኛን፡ እንግሊዝን ተተርጒማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ተዘርጊሓ ኣላ። ነቲ ኣብ ዘመነ ጕስነታዊ መዝነቶም ዝነበረ ራእይ እትገልጽ ክትከውን ኢያ።

እዛ ሰነዳዊት ፊልም እዚኣ በቲ ኣቐዲሙ መዛግብትን ስእልታትን ኣቢላ፡ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ እቲ ታሪኻዊ ቝስሊ ደቂ ሰባት፡ ክትዘራረብን ክትቀርብን እትኽእል ኣካል ኰይና፡ ንቕድሚት ከም እትስጉም ጌይራ ተቕርባ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንወንጌል ናብ ጭቡጥ ምልክትን ዓለም ለኻዊ ምርድዳእን ንምትርጓም ዝጽዕር ናይ ቤተ-ክርስትያን ጕዕዞ ዘመልክት ጊዜ ኢዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ንምሕረት ከም ማእከል ጌይሩ፡ ግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ክትሓንጽ ዝሕግዝ ኢዩ።

እቲ ተጥቒሱ ዘሎ ካብ ተራ ተዘክሮ ንላዕሊ ህያው ተዘክሮ ዝገልጽ ኢዩ፣ እቲ  ራእይ ከኣ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሞቶም፡  ሎሚ ውን ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ደጊሙ ይሓተን ኣሎ።

 

22 Apr 2026, 12:16