ድለ

ሆሮሺማ ድሕሪ ኣቶሚካዊ መጥቃዕቲ ኣብ 1945 ሆሮሺማ ድሕሪ ኣቶሚካዊ መጥቃዕቲ ኣብ 1945  (ANSA)

ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣንጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር

ኣብ ነሓሰ 1945 ኣብ ጃፓን መጥቃዕቲ ኣቶሚካዊ ቦምብ ካብ ዝፍጸም ንነጀው፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝሃብዎ ትምህርቲ ዝርኢ ርእሰ ዓንቀጽ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ኣብ ነሓሰ 1945 ኣብ ጃፓን እተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቶሚካዊ ቦምብ ዘስዓቦ ዜሕዝን ፍጻመ ኣትሒዛ፡ ቤተ-ክርስትያን ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ኬጥፍኡ ከም ዚኽእሉ ትሓስብ ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል  12 ኣብቲ ብ1955 ኣብ በዓል ልደት ብሬድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ "ናይ ዓወት ጭድርታ ኣይኪህሉን ኢዩ፣ የግዳስ እቲ ብዕሽነቱ ዜምጽኦ ዕንወት ዜስዕቦ ዘጸናንዕ ዘይብሉ ብኽያት ደቂ ሰብ ጥራይ ኢዩ፡ ክብሉ ብዛዕባ ኒኵለሳዊ ኣጽዋር መግለጺ ሂቦም።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ድሕሪ እቲ ኣብ ኩባ ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል ቅልውላው ስዒባ ኣብ ዝተሓትመት ሰላም ኣብ ምድሪ ኣብ እትብል ዓዋዲት መልእኽቶም  ብዛዕባ ኣቶማዊ ኣጽዋር ከምዚ በሉ፦ "በዚ ምኽንያት እዚ ደቂ ሰባት ብቐጻሊ ብፍርሂ ኢዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ማዕበል ብዜስካሕክሕ መገዲ ሓደጋ ከይወርዶም ፈሪሆም ኣለዉ። እዚ ኣጽዋር እዚ ብርግጽ ብብዝሒ ስለ ዘሎ፡ እቲ ናቶም ፍርሒ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎ። ነቲ ውግእ ዜስዕቦ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ዕንወትን ብምጅማር ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ሰብ ክህሉ ንክትኣምን ዘጸግም እኳ እንተዀነ፡ እቲ ባርዕ ብሃንደበትን ዘይተሓስበን ኵነታትን ክጅመር ከም ዝኽእል ግን ኣይከሓድን ኢዩ።"

ኣብ ሰነ 1968 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ "ብስም ኵሎም ደቅሰብ" "ምሉእ እገዳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር" ከምኡውን "ሓፈሻዊ ምሉእ ምርጋፍ ኣጽዋር" ኪግበር ተስፋ ብምግባር ጻውዒት ኣቕሪቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ለካቲት 1981 ኣብ ሂሮሺማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከምዚ ክብሉ ኣውያቶም ኣስምዑ፦ "መጻኢና ኣብዛ ንኑክልየሳዊ ጥፍኣት ዝተቓልዐት ፕላኔት ኣብ ሓደ ረቛሒ ጥራይ ዝተመርኰሰ ኢዩ፣ እዚ ከኣ ደቂ ሰብ ስነ ምግባራዊ ለውጢ ኺገብሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ታሪኽ፡ ናይ ኵሎም ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኪህሉ ኣለዎ። ደቂ ሰብ ተወሳኺ ስጕምቲ ንቕድሚት ኪወስዱ ጻውዒት ይቀርበሎም ኣሎ፣ እዚ ከኣ ናብ ስልጣኔን ጥበብን ዚወስድ ስጕምቲ ኢዩ።"  ኣብ ወርሒ ግንቦት 2010 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 "ነቲ ካብ  ፕላኔትና ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ በብቝሩብ ዕጥቂ ምፍታሕን/ኣጽዋር ምርጋፍን፡  ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዞባታት ንምፍጣርን ዚጽዕር ተበግሶታት አተባብዕ አለኹ" ክብሉ ቃሎም ኣስሚዖም።

ርእሰ   ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ሕዳር 2019 ካብ ሂሮሺማ "ኣቶሚክ ጸዓት ንውግእ ምጥቃም ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣንጻር ክብረት ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ናይ መጻኢ ሓባራዊ ቤትና ገበን እዩ" ብምባል ተዘክሮኦም ገሊጾም። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ከምቲ ቕድሚ ክልተ ዓመት ዝገለጽክዎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምሓዝ ዘይስነ - ምግባራዊ ኢዩ።  በዚ ምኽንያት እዚ ክንፍረድ ኢና።  ብዛዕባ ሰላም እንተ ተዛሪብና፡ ግን ከኣ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ምድሪ ሰላም ንምምጻእ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲድና፡ ንውድቀትና ዚዅንኑ መጻኢ ወለዶታት ኪትንስኡ ኢዮም።  ዜፍርህ ሓድሽ ኣጽዋር ውግእ ክንሰርሕ ከለና ብኸመይ ኢና ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ እንኽእል?  ብኣድልዎን ጽልእን ብዝመልአ ዘረባ፡ ንዘይሕጋዊ ተግባራት መመኽነይታ ኽንህብ ከሎና ከመይ ጌርና ኢና ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ እንኽእል?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውን በቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመሃርዎ መገዲ ቀጺሎም። ብ14 ሰነ 2025 ኣብ መዛዘሚ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ናይ ኢዮቤል "ኣብ ኢራንን እስራኤልን ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዘስግእ ኵነታት ኢዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ እዋን ከኣ ሓላፍነታውን ርትዓውን መንገዲ ክንክተል ከም ብሓዲሽ ጻውዒት ኣቕርብ ኣለኹ። ካብ ኑክልየሳዊ ስግኣት ናጻ ዝዀነት ድሕንነት ዘለዋ ዓለም ንምፍጣር ዝግበር መብጽዓ፡ ኣብ ፍትሕን ሕውነትን ሓባራዊ ጥቕምን ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ንምህናጽ፡ ክብሪ ዘለዎ ርክባትን፡ ቕንዕና ዘለዎ ዘተን ኣለዎ። ዋላ ሓደ ሰብ ንህላዌ ካልእ ኣብ ሓደጋ ኬእትዎ የብሉን" ክብሉ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ መበል 80 ዓመት እቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን እተፈነወ ኣቶሚካዊ ቦምብ ኣብ ዝለኣኽዎ  መልእኽቲ፡ "ናይ ሓቂ ሰላም ብፍላይ ከኣ እቶም ኪግለጽ ዘይከኣል ዕንወት ኬምጽኡ ዚኽእሉ ኣጽዋር ብትብዓት ምውራድ ይሓትት። ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ነቲ ሓባራዊ ሰብኣዊ ሕይወትና የጕህዮ፣ ከምኡውን ነቲ ስኒቱ ክንሕልዎ እተጸዋዕና ክብሪ ናይ ፍጥረት ይኽሕዶ፡ ክብሉ ጽሒፎም።" ብ6 ነሓሰ ኣብ ናይ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ጃፓን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘስዓቦ ዕንወት ብምዝካር ከምዚ ዝስዕብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ዓመታት እናሓለፈ ክንሱ እዚ ዜሕዝን ፍጻመታት እዚ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ውግኣት ብፍላይ ከኣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘስዓቦ ዕንወት ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ ኢዩ። ኣብዛ ሓያል ውጥረትን ደማዊ ግጭታትን ዝመልኣ ዘመናዊት ዓለም፡ እቲ ኣብ ሓባራዊ ጥፍኣት ዘስግእ ስግኣት እተመስረተ ናይ ሓሶት ድሕንነት ንመሳርሒታት ፍትሕን ንምይይጥን ኣብ ሕውነትን ምትእምማን ክህብ ተስፋ እገብር።"

ኣብዚ እዋን እዚ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም 2026 ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ "ኣብ መንጎ ዜጋታትን ገዛእትን ኣብ ዘሎ ርክብ ንውግእ እኹል ምድላው ዘይምግባር ንመጥቃዕቲ ምላሽ ዘይምሃብ ከምኡውን ዓመጽ ኣብ ክንዲ ዓመጻ ዘይምምላስ ከም ጌጋ ክቝጸር ይኽእል ኢዩ። እዚ ናይ ግጭት ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ካብቲ ሕጋዊ ናይ ምክልኻል መሰረታዊ ስርዓት ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ሕጂ ንዓለምለኻዊ ፖለቲካ ይቈጻጸሮ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘይምርግጋእን ዘይተጸበኻዮን እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ወተሃደራዊ ወጻኢታት ንምውሳኽ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ጻውዒት ከምኡውን እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ምርጫታት ብዙሓት መራሕቲ መንግስቲ ንግዳዊ ስግኣት ከም ቅኑዕ ምላሽ ገይሮም ምቕራቦም ዘገርም ኣይኰነን።  ወተሃደራዊ ሓይሊ ብፍላይ ከኣ ኑክልየሳዊ ምክልኻል ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዘይርትዓዊ ርክባት ዝተመስረተ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕግን ፍትሕን ምትእምማንን ዘይኰነስ ኣብ ፍርህን ብሓይሊ ምቍጽጻርን ዝተመስረተ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዛዘሚ  ናይ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብ4 ለካቲት 2026 ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፦ "ጽባሕ እቲ ብ2010 ብፕረዚደንታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፈደረሽን ሩስያን ዝተፈረመ ሓዲሽ ምጅማር ዝተሰምየ ውዕል  ይውዳእ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ምቍጽጻር ኣገዳሲ ስጕምቲ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። ንኣጽዋር ምርጋፍን ሓባራዊ ምትእምማንን ንምህናጽ ዝጠቅም ዝዀነ ይኹን ሃናጺ ጻዕርታት ክግበር ዳግም እጽውዕ ኣለኹ፣ እዚ ኵነት እዚ ጭቡጥን ውጽኢታውን ምክትታል ከይተገብረሉ ንከይተርፍ ብህጹጽ ጻውዒተይ አቅርብ ኣለኹ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓድሽ ቅድድም ኣጽዋር ንምውጋድ ዝከኣል ነገር ኵሉ ክግበር ዝሓትት ኢዩ። ነቲ ናይ ፍርህን ዘይምትእምማንን ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምትካእ ናብ ሓባራዊ ረብሓ ዝመርሕ ምርጫታት ክመርሕን፡ ንሰላም ከኣ ኵሉ ሰብ ኣኽቢሩ ዝርእዮ መዝገብ ክገብሮ ዝኽእል፡ ብሓባራዊ ስነ-ምግባር ምትካእ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ ኵነት ኮይኑ ኣሎ።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡  ብዕለት 5 መጋቢት 2026 ኣብ Pontifex ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝወጸ ጽሑፎም፦ "ሃገራት ናብ ውጽኢታዊ ምርጋፍ ኣጽዋር ብፍላይ ከኣ ናብ ምርጋፍ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኪግስግሳ፡ መራሕቲ ዓለም ከኣ ኣብ ክንዲ ውግእ፡ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኪመርጹ ንጽሊ።

እዚ ድማ ንመላእ ደቂ ሰብ ከጥፍእ ዝኽእል ኵሉ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክፈርስ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብቀጻሊ ዝቀረበ ጻውዒት ኢዩ።

 

ኣሰናዳኢ፡ ኣንድርያ ቶርኒሊ

18 Apr 2026, 13:35