ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ካብ ልብና ዝፍልፍል ናይ ሰላም ኣውያት ነስምዕ! በዚ ምኽንያት ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክጽንበር እዕድም፡ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብዚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተኻየደን "ኣብዚ ስንኩፍ ስነ ሜላዊ ርክብ ዕዮ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንናይ ሰላም ጻዕርታት ብጸሎት ከነስንዮ ሓደራ እንክብሉ ንምእመናንን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒኑ፡ ኣብ ሰንበት ፋሲካ ቅዱስ ኣቦና ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንሮማን መላእ ዓለም ንኽባርኹ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ከምኡ’ውን ዳግማይ ኣብ መዛዘሚ ናይ ዕለት 8 ሚያዝያ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዕድመታት እዚ ንዅሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሰብ ኣብቲ ንሰላም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳም ሰዓት 18፡00 ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 11 ሚያዝያ ንኽካየድ ኣብ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኩሉ ክሳተፍ ሓደራ ቢሎም ከም ዝነበሩን እዚ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ኣብ ግምት ብምእታው ዘቕረብዎ ጻውዒት ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢራን፣ እስራኤል - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ እኳ እንተተገብረረ፣ ኣብ ሊባኖስ፣ ሱዳን፣ ዩክሬን፣ የመንን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ግጭታት እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ንሰላም ዝውፈት ናይ ጸሎት ግዜ ከምዘድሊ ደጊሞም ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።
ኣብ ሰንበት ፋሲካ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ኢየሱስ ዝህበና ሰላም ናይ ኣጽዋር ስቕታ ጥራይ ዘይኮነስ ንልቢ ነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍን ዝልውጥን ሰላም ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ተግባር ብጸሎት ክስነይ ኣለዎ ከም ዝበሉን
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ምስ ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ኣብ ሰላምን ተስፋን ዘማእከለ ካብ ዝተፈላለዩ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ዘሂፖ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ክሪሶስቶምን ቅዱስ ኣምብሮዚዩስ በዓል ሚላኖን ብዝተወስዱ ኣስተንትኖታት ዝምራሕን ናይ ክቡር ምስጢር ዘማእከለ ጸሎት መቝጸርያ ዘጠቓለለ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከም እተኻየደን፡ ኣብ ግዜ ጸሎተ መቝጸርያ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ዓለማት ማለት ካብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ እስያ፡ ኤውሮጳን ኦቻይናን ዝመጹ ምእመናን ካብቲ ኣብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተነብረ ዘየቋርጽ ብሩህ ናይ ሰላም ሽምዓ ዝበርህ ሽምዓ ብምሓዝ እውን ከም እተሳተፉን እቲ መደብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድሚ ናይ መወዳእታ ቡራኬ ምቕራቦም ኣብ ልዕሊ መላእ ዓለም ጸጋ ሰላም ከም ተማሕጸኑን ኣስተንትኖን ጸሎትን ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
