ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ማኅበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ማኅበር  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንደናግል ማኅበር በነዲክቶሳውያን ስለ እቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝገበርኦ ሰናይ ኣመስኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንማኅበር በነዲክቶሳውያን ኣብ ቫቲካን ተቀቢሎም፡ ስለቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝገበርዎ ዓበይቲ ነገራት ኣመስጊኖም፣ ኣብ "ዕዮ ኣምላኽ" ወትሩ ንክተግሁ ድማ ኣተባብዕዎም

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለቲ ንቤተክርስትያን ዝገበርኩምዎ ዓብይን ስዉርን ሰናይ ነገር፡ ብመስዋዕትኹምን፡ በቲ ዘየቋርጽ ጸሎትኩምን፡ ብኣገልግሎትኩምን፡ ብሕይወትኩም ብዝመስከርምዎን አመስግነኩም ኣሎኹ። ነዚ 'ግብሪ ኣምላኽ' ዝዀነ ዕዮ ቐጽልዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ምትብባዕ እዚ ንሰለስተ ማሕበረሰባት ደናግል በነዲክቶሳውያንን - ገዳማውያት መነኮሳን ኣብ ሱቢያኮ ዝርከብ ገዳም ቅድስት ስኮላስቲካ ዝነብራን፡ ኣብ ገዳም ቅድስት ማርያም ኣብ ሴሴና ዘለዋን፡ ኣብ ገዳም ቅድስት ስኮላስቲካ ናይ ባሪን  ምስ ዘለዋን- ምስ ጕጅለ ፈለስቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቫቲካን ተቀቢሎም ዝሃብዎ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ምስኦም ብምርኻቦምን፡ መንፈሳዊ ውህበት ናይ በነዲክትሳውያን፡  ኣብ ሕይወቶምን፡ ኣብ ሕይወት ቤተ-ክርስትያንን፡ ኣብ ዓለምን ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ምስኦም ሓቢሮም ንከስተንትኑ ብምኽኣሎሞ ከም ዝተሓጐሱ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ንኣመንቲ "ኣብ ጕዕዞ ሕይወት ብቐጻሊ ነፍሶም ገቲኦም ንኽነብሩ” የተባብዖም ከም ዝነበረ ብምዝካር፡ ብጸሎትን፡ ብምንባብ ቃል ኣምላኽን ዝተሰነየ ሕይወት በነዲክትውያን፡ ነዚ ኵነት ንክትለብሶ ከም ዝሕግዝ ሓቢሮም።

እቶም ነዚ ሕይወት ዝነብሩ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ንሓቂ ኪርድእዋን፡ ድኻምነቶምን፡ ሓጢኣቶምን ብምቅባል ከኣ፡ ጸጋን በረኸትን ናይ ጐይታ ክቕበሉ ይኽእሉ። ብኸምዚ መገዲ እቲ ምስ ጐይታ ክንነብር ዘለና ድልየት ይሕይል፣  ናይ ተወፋይነትና መብጸዓ ድማ ይረጋገጽ ምስ በሉ፡ “ቅዱስ መጽሓፍ ወትሩ ስንቂ ናይቲ እትገብርዎ ኣስተንትኖን፡ ስንቂ ናይ መዓልታዊ ሕይወትኩምን ክኸውን ኣለዎ” ክብሉ ኣተባቢዖም።

መገዲ ቕድስና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ ሕይወት ቅድስና "ብውዕዉዕ ስምዒትን ብመንፈስን ዝመልአ" ከም ምዃኑ መጠን፡ ንሓንቲ መነኮስ መገዲ ቅድስና ማለት ናይ ብሕታ ጕዕዞ ኣይኮነን፣ ከምቲ ግቡኡ ናይ ሕብረት መዳይ ዘለዎን፡ ብሕውነታዊ ኣገልግሎት ዝነብርን፡ "ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያንን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ኣድማሳዊ ፍቕሪ ዘንጸባርቕን" ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብቲ መዓልታዊ ሓባራዊ ጕዕዞአን፡ ሓድሕድ ብምስማዕን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብሓባራዊ ኣስተንትኖን፡ ምስታ ዘቤታዊት ቤተ-ክርስትያንን፡ ምስ ገዳማዊ ማኅበር በነዲክቶሳውያንን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕውነታዊ ጉባኤታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ጸሎትን፡ ኣብ ሓባራዊ ውሳነታትን  ክሳተፋ ኣተባብዕወን።

ንኹሎም ሕዝቢ ኣምላኽ ኣርኣያ ምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል፡ ገዳማዊ ሕይወት ኣብዛ ኣብ ውልቃዊ ናብራኻ ተሓዚእካ ብምግባርን፡ ብውልቃውነትን ዝመልአት ዓለም ንዅሎም ሕዝበ እግዚአብሔር ዓቢ ኣርኣያ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ዕጹው ተልእኾ ማለት ምእንቲ ካልኦት ምምላድን፡ ምጽላይን፡ ምስቲ ምእንታና ዚልምን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜሕብረና ሕይወት ስለዝኾነ ብፍሉይ ብዛዕባ እዚ ተልእኾ ዘለዎም ኣድናቆት ገሊጾም።

እዚ እቲ ቀዳማይን መሰረታውን መዳይ ናይቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ዕዮ ኢዩ፡ ብምባል ድማ፡ ካብታ ካብ ቤተ መቕደስ ፈጺማ ዘይትወጽእ ዝነበረትን፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ እተገልግል ዝነበረትን ነብዪት ሃና ካብ ሕይወታ ብዙሕ ክመሃሩ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።

"መበለትን፡ ብዕድመ ዝደፍአትን ስለዝነበረት፡ ንቤት ኣምላኽ ከም መንበሪ ቤታ ብምግባር፡ ብጸሎትን፡ ብተጋድሎን ነቲ መሲሕ ከተለልዮ ክኢላ።

ቀዳምነት ናይ ምጽዋትን ፍቕሪ ክርስቶስን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጥ፡ ካብ ፍልጠት ንላዕሊ ስለ ዝኾነ" እቲ ቀጻሊ መዕበያ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነፍሲ ወከፍ ገዳም "ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ጐይታ" ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ዝገብርዎ ዘይሕልለ ጻዕርን፡ ንፍቕሪ ቀዳምነት ሂቦም ብዝነብርዎ ሕይወትን ብምምጓስ ናብ ኣማልድነት እኖና ቅድስቲ ማርያምን፡ ቅዱስ በነዲክቶስን፡ ቅድስቲ ስኮላስቲካን፡ ብዙሓት ቅዱሳን በነዲክቶሳውያንን ኣወፍዮሞም።

01 Apr 2026, 15:41