ር.ሊ.ጳ. ንናይ ስነ ፍልጠት ማሕበረሰብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋል ውፉያት መራሕቲ ምቛም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣባላት ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፡ ናይቲ መንበረ ጥበብብ ላዕልዎት ሓለፍትን ተመሃሮን መምሃራንን ሰራሕተይናታትን ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ስለ ቀጻሊ ተወፋይነቶም ኣብ ኣገልግሎት ትምህርትን ከም ዘመስገኑን፡ እዚ ኣብ 1989 ብማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ማእከላይ ኣፍሪቃ (ACERAC) ዝተመስረተ ትካል፡ “ንቤተክርስትያንን ንኣፍሪቃን ኣብ ምድላይ ሓቂ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድንፋዕ ፍትሕን ምትሕግጋዝን” ዘገልግል ኮይኑ፡ ሎሚ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ መንበረ ጥበብ - ከምኡ'ውን ካቶሊካውያን ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ተመሃሮን መምሃራንን - ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ናይ ሕውነት መንፈስ ብምስራጽ፡ ሓቀይና ማሕበረሰብን ምርምርን ኩኑ፡ ስብከተ ወንጌልን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ምስ "ንዕብየት ኣድማሳዊ ንቕሓት ደቂ ሰባት ኣበርክቶ ዝገብሩ እወንታዊ ሓይልታት" ብምትሕብባር ናይ ርክብ ባህሊ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓቂ ኣብ ሕመረት መንበረ ጥበብ
መናብርተ ጥበብ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ኣገዳስን ማእከላይን ተራ ኣለወን። ብዙሓት መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን መወከሲታት ዝስእኑ ኣብ ዝመስሉሉ እዋን፡ “ኣብ ውልቃውነት፡ ደጋውነትን ምስሉይነትን ተኣሲሮም ኣብ ዝረከብሉ እዋን፡ እቲ መንበረ ጥበብ ከም ፍሉይ ዕድል ዝረኸበ ቦታ ዕርክነትን ምትሕግጋዝን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ውሽጣውነትን ኣስተንትኖን ኮይኑ ይረአ። መንበረ ጥበብ ኣብ ማእከላይ ዘመን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ሓቂ ኣብ ሕመረት ዕላማ መናብርተ ጥበብ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሎሚ እውን ይቕጽል ከምዘሎ መምሃራንን ተመሃሮን ንሓቂ ከም ዕላማን ኣነባብራኦምን ክቕበልዎ ዝተጸውዑ ምዃኖም ቅዱስነቶም የስተብህሉ።
ካብ ሃብቲ ወይ ጸጋታት ንላዕሊ
ኣፍሪቃ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቢብ ኣረኣእያ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ነቲ ንተስፋ ዝቃለስ ሰብኣውነት መሰረታዊ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል እያ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሎሚ ብዛዕባ እምነት "ኣብ ውሽጢ ዘመናዊ ባህላዊ ዅነታትን ህሉው ብድሆታትን" ምስትንታን ብህጹጽ ኣድላዪ እዩ። በዚ ኸምዚ ጽባቐን ተኣማንነትን እምነት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ክርከብ ይከኣል እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምጕዳል ፍትሒ ዘይማዕርነት ዓመጽ ከምኡውን መንፈሳውን ስጋውን ብልሽውና ኣብ ዝጐድእ ዅነታት።
ሃብቲ ሓንቲ ሃገር ብቝጽሪ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ወይ ስጋዊ ሃብቲ ጥራይ ኪፍረድ የብሉን። ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ቅኑዕ ሕልና እተመስረተ ኣብ ሓቂ እንተ ዘይተሃንጸ ክዕምብብ ኣይክእልን ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚርከብ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ "ንሓቅን ፍትሕን ኣብ ምግልጋል" ዚብል ጭርሖ ሕልና ደቂ ሰብ ፍትሓውን ጽኑዕን መሰረት ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ኪምስረት ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር - ቢሎም - ብርግጽ ግብረ ገባዊ መመያ ኣብ ሕልና እዩ ዝሕነጽ፣ በዚ ድማ ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ብናጻ ንደሊ። ብዚግባእ ዝቘመ ሕልና ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ ጽቡቕን ፍትሕን ሰላምን ኪመርሖ ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ሓድሽ ነገር” ኣይትፍራሕ
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደ እዋን መሪሕ ሓይሊ ማሕበረሰባዊ ሕይወት ዝነበረ ግብረ ገባዊ ክብርታት ዕሽሽ ምባል ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ “ኣብ ሓደ እዋን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባራት” ብምኽንያት ቅቡል ምግባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ማሕበራዊ ለውጥታት፡ ቁጠባዊ ጸቕጥታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኩሎም ነዚ ለውጢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ንክርስትያን: ብፍላይ ከኣ ንኣፍሪቃውያን ካቶሊካውያን መንእሰያት: “ሓድሽ ነገራት” ከይፈርሁ ተማሕጸኖም፡ እቲ መንበረ ጥበብ፡ “ኣብ ትሕቲ እተራቀ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ፈለምቲ ሓድሽ ሰብኣውነት” ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብዙሓት ነቲ “መሳጢ መዳያት” ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ ዝረእዩ እውን እንተኾኑ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምድላይ ጸጋታት ዘስዕቦ “ጸሊም ወገን” ከባብያውን ማሕበራውን ዕንወት ኣስተብሂሎም፡ “እዚ ንኣገልግሎት ሓቅን ንዅሉ ሰብኣውነትን ስለ ዝዀነ፡ ብኻልእ ሸነኽ ኣይትጠምቱ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ "ብዘይ እዚ ስነ ትምህርታዊ ጻዕሪ፡ ተሓላቒ ምትዕጽጻፍ ምስ ዓብላሊ ረባሕታታት ከም ውድቀት፡ ከም ምጥፋእ ናጽነት ምዕባለ ይቑጸር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕጹው ዘይምዃን
እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ መዓልታዊ፡ ዝዓበየ ክፋል ናይ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ቦታታትና ይኸውን ኣሎ። ካብ ሞያዊ ብቕዓት ብተወሳኺ "ነቲ ብድሕሪ ቝጠባ ዘሎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ብዛዕባ ክውንነት ዘሎና ኣረኣእያ ዚቐርጽ ኣድልዎ ከምኡውን ቅርጺ ስልጣንን ኪርአ ዚኽእል ሰብኣዊ ኣሰራርሓ" ኪህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዝምድናታት ናብ ተግባራዊ ምትእስሳር ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ማሕበረሰብ መንበረ ጥበብ "ናይ ሓቂ ሰባት እዮም" እንክብሉ ኣዘኻኸሮም፡ ምምስሳል ከም ልሙድ ተገይሩ ምስ ዝውሰድ ምስትውዓል ይደኽም ማሕበራዊ ማእሰር ድማ ኣብ ገዛእ ርእሱ ይዕጸው። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዜስግእ ኰይኑ ኺስምዓና እንከሎ ኣብ ዕጽውነት ክንነብር ንጅምር። በዚ ኸምዚ እዩ ምክፍፋልን ግጭትን ፍርህን ዓመጽን ዝዝርጋሕ።
ኣብዚ እዩ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝጽዋዕ እንክብሉ ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ እዞም ናይ ምርምርን መጽናዕትን ቦታታት ፍልጠት ካብ ምቕራብ ንላዕሊ፡ መመያ ዝገብሩ ኣእምሮታት፡ ንፍቕርን ኣገልግሎትን ዝተዳለዉ ልብታት ይቐርጹን ናይ መጻኢ መራሕትን ሰብ ሞያን ይፈጥሩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዝተወልደ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሳቦም ናብ መንእሰያት ካሜሩን” ኣቕኒዖም፡ ነቲ ናይ ስደት ዝንባለ ክቃወምዎ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብ ሃገሮም ከገልግሉን ነቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንብጾቶም ንምሕጋዝ ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ክጽመዱ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ድማ ዕላማ ናይቲ ዝመሃሩሉ መናብርተ ጥበብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ “ካብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዝተወልደ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፡ ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ንዓቕለሲያውያን መናብርተ ጥበብ ናይ ሓቂ ሓሴ - Veritatis Gaudium ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደንገግዎ ሓዋርያዊ ቅዋም፡ መምሃራንን ተማሃሮን ብማዕረ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን “ብስራት ክርስቶስ ንኹሉ ምእዋጅ” ዝብል ተልእኾ ተሳተፍቲ እዮም” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣጒሊሖም፡ ብመንጽር እዚ ዘመናዊ ብድሆታት፡ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ “ፍሉይን መተካእታ ዘይብሉን ቦታ ሒዙ ይርከብ።” ምዕባለ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት እውን ናይቲ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ተራ እዩ፣ እዚ ድማ መንፈሳዊ ሕንጸት የጠቓልል - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ኣገዳሲ ግደ መምሃራን ኣተኲይሮም፣ ነቲ ኼመሓላልፍዎ ዝደልይዎ ክቡራት ዋጋታት ከንጸባርቑ ድማ ዓደሞም፡ "ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ብመሰረት ወንጌል ክነብሩን ክእለቶም ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ክጥቀሙን ዝውፈዩ ሰባት የድልዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ምሁራት መራሕትን ኣብነትን ኩኑ። ኣፍሪቃ "ካብ መዓት ብልሽውና ሓራ ኽትወጽእ" ከም ዘለዋ ኣስተብሂሎም፡ እቲ ቀንዲ ሓይሊ ናይቲ መንበረ ጥበብ ክኸውን ዘለዎ ትሕትና እዩ። ግደና ወይ ዕድመና ብዘየገድስ "ኵላትና ደቀ መዛሙርቲ ምዃንና ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
