ድለ

2026.04.25 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ሓጋጊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓድነት እምበር ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ግጭት ይትድለዩ 2026.04.25 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ሓጋጊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓድነት እምበር ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ግጭት ይትድለዩ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ሓጋጊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓድነት እምበር ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ግጭት ይትድለዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባላት ባይቶ ህዝባዊ ውድብ ኤውሮጳ ሓገግቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ ግጭት ሓድነት ብምድላይ፡ ርእየት ዓለም ክነጽጉ፡ ምስ ዜጋታት ዳግማይ ምትእምማን ክሃንጹ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰረተ መልክዕ ፖለቲካ ክስዕቡ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንፖለቲካዊ ህዝባዊ ውድብ ዝውክሉ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሞም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ከምኡ እውን ኣብ 2023 ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ርክባት እናሓሰቡ፡ ብፍላይ በነዲክቶስ መበል 16 ኣቃሊሖም "እዚ ፖለቲካዊ ጉጅለ እዚ ንክርስትያናዊ ውርሻ ኤውሮጳ ኣፍልጦ ዝህብ ብምዃኑ የድንቖ - ቢሎም - እቲ ኤውሮጳዊ ውጥን "ካብ ሓሙኽሽቲ ካልኣይ ኲናት ዓለም" ከምዝተበገሰን፡ ከምዚ ዓይነት ግጭት ዳግማይ ከምዘይፍጸም ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ "ንዘመናት ዝቐጸለ ምፍልላይ" ክስዕር ዝኽእል ምትሕብባር ንምምዕባል'ውን ዝብል ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡ ጽልዋ ናይ ከም በዓል ኣደናወር፡ ደ ጋስፐሪን ሹማንን ዝኣመሰሉ ኣበው ሕብረት ኤውሮጳ "ብውልቃዊ እምነቶም ዝተደፋፍኡን ክርስትያናዊ መትከላት ከም ሓባራውን ዝጥርንፍን ባእታ" ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ኣህጉር ዝረኣይዎን ኣመልኪቶም፡ ብኣንጻሩ ግጭት "ስልጣን ምድላይን ምጽራርን የዕቢ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ጥፍኣት ይመርሕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግደ ፖለቲካ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግደ ፖለቲካ ብምሕሳብ፡ "ቀዳማይ ዕማም ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ስጉምቲ ምቹእ ራእይ ምቕራብ እዩ - ሰፊሕ ኣረኣእያ መጻኢ ከምኡ'ውን ንሓባራዊ ረብሓ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ከቢድን ዋላ'ውን ብቐሊሉ ተቐባልነት ክረክብ ዘይክእል ምርጫታት ንምግባር ድልውነትን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ኵነት እዚ፡ ፖለቲካ ልክዕ ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝቐንዐ ብምዃኑ ዝለዓለ መልክዕ ተወፋዪ ፍቕሪ" ዝብል ርድኢት ክወሃቦ ይከኣል፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግን ሓሳብ ናብ ርእየተ ዓለም ከይጥምዝዙ ኣጠንቂቖም "ንሓደ ርእዮተ ዓለም ምስዓብ ማለት ንሓደ ሓሳብ ምኽባር ማለት ኣይኮነን፡ ርእየተ ዓለም ውጽኢት ምጥምዛዝ ክውንነትን ኣብ ልዕሊኡ ዝተጻዕነ ዓይነት ዓመጽን እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም ዘመናዊት ኤውሮጳ ንባዕላ "ውድቀት ናይቶም ዘዕነዉዋን ዝመቓቐልዋን ርእየተ ዓለም" ካብ ምፍላጥ ዝመጸት ምዃና ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድልዱል መንነት

ንመንነት ህዝባዊ ሰልፊ ኤውሮጳ ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ቀጺሎም "ህዝቢ ኣብ ሕመረት ተወፋይነትኩም እዩ ዘሎ፡ ንጐድኒ ክትገድፍዎ ድማ ኣይትኽእሉን ኢኻትኩም” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ዜጋታት፡ "ተሓላቒ ተቐበልቲ ፖለቲካዊ እማመታት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ሓላፍነት ዝካፈሉ ንጡፋት ተሳተፍቲ እዮም ምስ በሉ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምህላውን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሓት ምውፋርን እቲ ዝበለጸ ጸረ ህዝባውነት . . . ከምኡ'ውን ትምክሕተ ፍልጠትን እንክብሉ ገሊጾም፡ ክልቲኦም "ኣብ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ መልክዕ ሰፊሕ ዝንባለታት" ምዃኖም ድማ ኣነጺሮም፡ "ኣብ መንጎ ህዝብን ወከልቱን ዘሎ ስኒትን ምትሕብባርን ሓድሕዳዊ ምትእስሳርን ብቐጻሊ እናነከየ" ይኽይድ ምህላዉ ኣስተብሂሎም፡ ነዚ ንምፍታሕ ድማ "ኣብ መንጎ ዜጋታትን ወከልቶምን ብውልቃዊ ርክብ" "ሓቀይና ስምዒት ህዝቢ ዳግማይ ክህነጽ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ወሲኾም ኣብ ዘመነ "ስነ ኣሃዛዊ ዓወት"፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዝቐንዐ ፖለቲካዊ ስጉምቲ "ናብ ንጽጽራውነት ምምላስ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስትያናዊ ውርሻ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳቦም ናብቶም ብክርስትያናዊ ደሞክራስያዊ ክብርታት ዝተደፋፍኡ ሰባት ኣቕኒዖም እዚ ማለት "ኣብ መንጎ ትንቢታዊ ሃይማኖታዊ ምስክርነትን . . . ብጭቡጥ ፖለቲካዊ ምርጫታት ዝግለጽ ክርስትያናዊ ምስክርነትን ኣድላዪ ፍልልይ" እናዓቀቡ፡ ንክርስትያናዊ ውርሻ ዳግማይ ምርካብን ምሕቋፍን" ማለት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ኣብ ፖለቲካ ክርስትያን ምዃን ማለት ብግልጺ ምናዛዝ ማለት ኣይኮነን፡እንታይ ደኣ "ወንጌል ነቲ ክውሰድ ዘለዎ ውሳነታት፡ ዋላ'ውን ነቶም ቀሊል ምርድዳእ ዘይስሕቡ ክኾኑ ዝኽእሉ ውሳኔታት ክመርሕ ምፍቃድ ይሓትት።” ብተወሳኺ "ኣብ መንጎ ተፈጥሮኣዊ ሕግን እወታዊ ሕግን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ሱርን ፖለቲካዊ ስጉምትን ዘሎ ምትእስሳር" ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕብረት ኤውሮጳ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ኤውሮጳ ኣጋጢማ ዘሎ ጭቡጥ ብድሆታት ኣቕኒዖም፡ “ካብ ጭቡጥ ስክፍታታት ሰባት ዝብገስ ክውንነታዊ ኣረኣእያ" ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ "ሰብኣውነት ዝጎደሎን ዘይምዕጋብን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋ" ንምምላስ "ክቡር ኩነታት ስራሕ" ምድንፋዕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ ሰባት "ስድራቤት ናይ ምምስራት ፍርሒ ክሰግሩ" ምሕጋዝ ከምዘድልን እዚ ፍርሒ "ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ሰፊኑ ዘሎ እዩ - ብዛዕባ ስደት፡ ፖለቲከከይናታት "ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ክከናኸኑ" እንከለዉ፡ "ንስደተይናታት ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምቕባልን ምውህሃድን ሓቀይና ዓቕምታት" ኣፍልጦ ክህቡን "ሱር ጠንቅታት" ክምልሱ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ከም "ሓልዮት ፍጥረትን ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎን” ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት ኢርእየተ ዓለማዊ ኣቀራርባ ክህሉ ሓቲቶም፡ እዚ ዳሕረዋይ "ዓበይቲ ዕድላት" ከም ዝህብ ግን ከኣ "ብሓደጋ ዝተመልአ" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ትርጉም ናጽነት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም መራሕቲ ኣብ "ተራ ውልቃዊ ምርጫታት" ዘይወርድ "ኣብ ሓቂ ሱር ዝሰደደ" ናጽነት ወፍሪ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም፡ "ሃይማኖታዊ ናጽነት ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታን ኩነታትን ናጽነት ኣተሓሳስባን ሕልናን" ክሕልዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ነቲ "ጒንደባ ዑደት" ሰብኣዊ መሰላት እንክብሉ ዝገለጽዎ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሓይልን ጸቕጥን ካብ ዝመርሕ ዘበለ ኩሉ ክጥንቀቑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Apr 2026, 16:47