2026.04.27 Visita alla Pontificia Accademia Ecclesiastica 2026.04.27 Visita alla Pontificia Accademia Ecclesiastica  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ጳጳሳዊ ተቕማት ኣቅላሲዊ ሥነ ትምህርቲ ንሰላምን ሓቅን ፍትሕን ኣብ ምግልጋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝኽሪ መበል 325 ዓመት ምስረታኡ፣ ናብ ጳጳሳዊ ኣቅላሲያዊ ሥነ-ትምህርቲ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፣ ብዛዕባ ምሳሌ ናይዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም፣ ንዲፕሎማስያውያን ካህናት ኣስተንትኖ ለጊሶም፣ ኣባኡ ድማ እዚ ተቕዋም እዚ ንካቶሊካዊት ማሕበረ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ክጣበቕ እተጸውዐ ልኡኽ ሰላም ምዃኑ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰኑይ ዕለት 27 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ ሥነ መእበታ ጳጳሳውያን ዲፕሎማስያውያን ካህናት ዘገልግል ተቕዋም "ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ሓቅን ፍትሕን ዘለዎ ፍሉይ ጸዋዕታ" ብምጕላሕ፣ ብዛዕባ እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣካፊሎም። እዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ቅድሚ ምምራጾም፣ ኣቐዲሞም ከም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘገልግሉሉ ዝነብሩ፣ ኣብ መበል 325 ዓመት ምምስራታ ናይዚ ተቕዋም፣ በጺሖም ከም ዝነበሩ  እውን ዝዝከር ኢዩ።

ሓድነት ኣብ ክርስቶስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ባህ ዜብል ዝኽሪ ናይዚ ተቕዋም፣ ንዝፈጸሞ "ታሪኽ ወፈያን ኣገልግሎትን" ተቒሶም፣ ዘለዎም "ዓሚቝ ምስጋና" ገሊጾም። እዚ ኣገዳሲ ታሪኽ እዚ በቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካህናት፣ "ኣብቲ ዘለዎም እተፈላለየ መበቈላዊ ድሕረ ባይታ፣ ኣብ ክርስቶስ ሓድነት ንምህናጽ ብናይ ትሕትና ጻዕርታት ኣበርክቶ ብምግባሮም" ኣገዳሲ ታሪኽ እዩ ዘለዎ “እዚ ድማ መግለጺ ናይቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት እተካይዶ ጻዕርታት ኢዩ ዘመልክት” ክብሉ እውን ገለጹ።

ናይ ተሓድሶ ልምምዳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ነቲ ተቕዋም "ኣብ ኣህጉራዊ ርክባት ዘዘውትሮ ቋንቋታት ንምጽናዕ፣ ኣብ ሕግን ታሪኽን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ቍጠባን ዘሎ መዋቕራት ንምሕዳስ ዘድሊ ርእሰ-ምምሕደራ" ዘስዓቦ ተሓድሶ እውን ኣምልኪቶም ኣስተንተኑ። ይኹን እምበር ሓደ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ተሓድሶ ኣሎ፣ ንሱ ድማ "ቅርበት ምፍጣር፣ ጽን ኢልካ ምስማዕ፣ ምስክርነት፣ ሕውነታዊ ዝምድናን ምይይጥን ንምምዕባል ዝዓለመ ቀጻሊ ናይ ተሓድሶ ልምምድ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ። ምስ ትሕትናን ለውሃትን ተደሚሩ ከአ ኣብ ብመላእ ክህነታዊ ኣገልግሎት ክሰፍሕ ዘለዎ ኩሉ ዓይነት ውርዝና ከም ዘጠቓልል እውን ኣመልከቱ።

ንታሪኽ ዝቐርጽ ድልድላት

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ነቶም ንታሪኽ ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ዝቐረጹ ቅዱሳንን ብፁዓንን ጳጳሳትን ብምዝካር፣ ሓደ ጳጳሳዊ ዲፕሎማስያዊ ካህን ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኣጕልሑ - "ልኡኽ ብስራት ትንሳኤ ብምዃን 'ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን!' ንዝብል መልእኽቲ ሒዙ፣ ናይ ዘተን ዕርቅን ተስፋ እና ሓነጸ ኽነሱ እውን ከይተረፈ፣ "ሰላመይ እሓድገልኩም ኣሎኹ፣ ሰላመይ እህበኩም ኣለኹ" ዚብል ቃላት እቲ ዝተንስአ ጐይታ ኣብ ኵሉ ዝርርባቱ ምልምማድ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

"ተልእኾኹም እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጽእ ጸጋ፣ ናብ ድርብ ታሪኽ ምእንቲ ክበጽሕ፣ "ድልድላትን መትረባትን" ክትኰኑ እዩ" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ   (@VATICAN MEDIA)

ምልክት ፍቕሪ ክርስቶስ

ካልእ ዕማም እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ድማ፣ ንሓቂ ማለት ንክርስቶስ ባዕሉ፣ ናብ ጉባኤታት ኩሎም ኣህዛብ ምብጻሕ እዩ፣ እዚ ኸኣ "ምልክት ፍቕሪ ናይቲ ፈለማ ከም ጓሳ ነፍሳት ደሓር ከኣ ከም ዲፕሎማሲያዊ ኣገልጋሊ መጠን ብሕድሪ ንእተዋህቦ ኽፍሊ ደቅሰብ ምእንቲ ክኸውን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፣ ከምቲ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ንዝረኸቡ ዲፕሎማስያውያን ኣካላት ኣብ ዝለገስዎ መደረ ዝበልዎም ቃላት፣ ክብደት ንዘለዎምን እንደገና ብምዝኽኻር፣ "ነቲ ሓቅታት ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ ክገልጹን" ከም እተጸውዑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ "ብዘይ ግጉይ ምርድዳእ ሓቀኛ ዘተ" ንምድንፋዕ ነቲ ስጋ ዝለበሰ ጐይታ ንምምስካር ደጊሞም ተላበውዎም።

ደገፍቲ ፍትሒ

ቀጺሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ጥራይ እተሓጽረ ስለ ዘይኰነ፣ ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንምሕቋፍ ዘለዎ ኣረኣእያያ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

"እዚ ከአ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተሓትመ ምስሊ ኣምላኽ ንምልላይን ንምምላስን ንምዕቃብን ዚሕግዝ፣ ኵሉ ዓይነት ፍትሒ ዜተባብዑ ኽትኰኑ እዩ ዝሓተኩም" በሉ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ ኽብሪ

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፣ "ኣብዛ ውጥረት ዝመልኣ ዓለም፣ ብግጭት ድሌታትን ጠለባትን ንምምላእ ከም እንኮ መገዲ ገይራ ኣብ ትወስዶ ዘላ ዓለም ንዘተን ንምስማዕን ዕርቅን እንገብሮ ጻዕርታት እኹል ሓድሓደ ግዜ እውን ከንቱ ክመስል ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ኣጠንቀቑ።

ናይ ምትብባዕ ዝገበርዎ ምብጻሕ

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሳልቫቶሬ ፐናኪዮ ዘቕርዎ ቃል ሰላምታ፣ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ "ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማሲ ንምግልጋል ኣብ ዝግበር ምድላዋት ምንጪ ምትብባዕ" ምዃኑ ኣጕልሑ። ብፁዕነቶም ብተወሳኺ ነቲ ብዕለት 27 ሚያዝያ 1980 ኣብ እተፈጸመ ዕለተ ክህነት ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናይ መበል 46 ዓመት ዝኽሪ ክህነቶም ጠቒሶም እውን ሰናይ ምንዮቶም ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ምስ ብፁዕ ሊቀጳጵሳት ፐርናኪዮ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ምስ ብፁዕ ሊቀጳጵሳት ፐርናኪዮ   (@VATICAN MEDIA)
28 Apr 2026, 15:55