ድለ

ር. ሊ. ጳ. ሓደስቲ ካህናት ሸይሞም፣ ናይ ህይወት መትረብ ክዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቦምሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ትማሊ ሰንበት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕተ ተዘኪሩሉ ኣብ ዝወዓለ መዓልቲ፣ ምሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ ኣባኡ ድማ ንመዓርገ ክህነት ናይ ዓሰርተ ሓደስቲ ካህናት ብምፍጻም፣ ምስ ማሕበረሰቦም ብሕብረት ክዓብዩን፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ደቂ ሰባት ተቐባልነት ከም ዝረክቡ ክገብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዓሰርተ ካህናት መዓርገ ክህነት ፈጺሞም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ እውተወስደ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር፣ "ኣነ ኢየ ዝመጻእኩኹም፣ ዝጸዋዕኩኾም ድማ ህይወት ምእንቲ  ክትረኽቡን ብምልኣት ምእንቲ ክትረኽቡን እዩ" ንዝብል ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝካር ኣስተንቲኖም።

ኣብቲ እቶም ትማሊ እተቐብኡ ሓደስቲ ካህናት ዘርኣይዎ ልግስን፣ ዝፈጸምዎ መብጽዓን እዚ ቃል ተስፋ ጐይታና ሎሚ እውን ይፍጸም ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ምዃኑ ጠቒሶም።

ናይ ሕብረት ኣገልግሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ኣብ ስብከቶም፣ ንምሥጢረ ክህነት ከም "ኣገልግሎት ሕብረት" እዮም ዝገለጽዎ። ምስ ክርስቶስ ጥቢቕ ርክብ ዝምስርት፣ ንኻህናት ድማ ካብ ካልኦት ከም ዘየርሕቖም፣ የግዳስ ምስ ኵሎም ደቂ ሰባት ዘለዎም ሕብረትን ርክብን ከም ዘደልድል ኣጕሊሖም።

"ምስ ክርስቶስ ዘሎኩም ርክብ እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን፣ ናይ ደቂ ሰብ ምዃንኩም እናገደደ እና ዓበየን ማዕበለን ኢዩ ዝኸይድ" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

ብተወሳኺውን ብዛዕባ ንጽሕና እንከስተንትኑ፣ ነዚ ድማ ምስቲ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ዝፍጸም ፍቕሪ ከመሳስልዎ እውን ተረኽቡ፣ እዚ ኸኣ ምስ ግዜ ሓልዮትን ምሕዳስን ቈራጽነትን ዚሓትት ነገር እዩ በሉ።

እዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ንኻህናት ንፉዓት ኣገልገልቲ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ሓላፍነት ዚስምዖምን ሃነጽቲ ኣባላት ሕብረተሰብ ንኪዀኑ ኺመርሖም ከም ዘለዎ እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሲሚተ ክህነት 10 ካህናት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሲሚተ ክህነት 10 ካህናት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ   (@Vatican Media)

ብዘይ ፍርሂ ንክውንነት ገጥሞምዎ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ነቲ ብዛዕባ ሰረቕትን ዓመጽትን ዚገልጽ ክብሊ ወንጌል እውን ብምጥቃስ፣ ኣብ ዓለም ዓመጽን ዘይምርግጋእን ከም ዘሎ ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም።

ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ከቢድ ሓደጋ ዘጋጥመና ኩነታት እውን ከይተረፈ ከም ሓደ ንድሕሪት ዘይምለስ ካህን ንሶም እውን ንድሕሪት ክምለሱ ከም ዘይብሎም ተማሕጸኑ።

"ክውንነት ኬፍርሃና የብሉን" ብምባል ድማ፣ እዚ ከአ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ህይወት ካህናት ኢዩ ክብሉ ገለጽዎ።

ሎሚ ድሕንነት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ናብ ፍርህን ምክፍፋልን ጽልእን ኪመርሕ ከም ዚኽእል ኣጠንቀቑ። ኣብ ክንዳኡስ ነቶም ሓደስቲ ኻህናት ኣብ ግደኦም ወይ ደረጃኦም ዘይኰነስ ኣብ ክርስቶስ ርግኣት ኪረኽቡ ኣተባብዕዎም።

ካብቶም ዘገልግልዎ ማሕበረሰባት ክመሃሩ ከም ዘለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ካህናት ዘገልግልዎ ማሕበረሰብ ባዶ ወይ ልኡም ዘይኰነስ፣ ድሮ ብህላወ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ህያው ከም ዝኾነ ኣጕልሑ።

"እዞም ማሕበረሰብ እዚኣቶም፣ ቅዱሳን ንኽትኰኑ እውን ኪሕግዙኹም እዮም" በሉ።

ምስ ኩሎም ደቂ ሰባት ብሓባር ንክራኸቡ ብምሕጋዝን፣ ውልቀ-ሰባት ንዋጋ ህይወት ኣብ ማሕበረሰብ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ቦታታት ክፈጥሩን፣ ሓድነት ከማዕብሉን ድማ ኣተባብዕዎም።

"እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ"

ቀንዲ ፍረ ነገር ስብከት ቅድሱነቶም ድማ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ኸም "ኣፍ ደገ" ገይሩ ዝረኣየሉ ምሳሌ እዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ታሪኻዊ መወከሲ ብምዝካር፣ ምስ ጥምቀትን ናብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ንምእታውን ዘገልግል ኣፍደገ ከም ምዃኑ ብምሳሌ ኣተሓሒዞም ገለጽዎ።

ነቶም ናብ እምነት ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት ዕንቅፋታት ከይኮኑ ድማ ኣጠንቀቕዎም።

"ነዚ ኣፍ ደገ እዚ ኣይትዕጸውዎ" ብምባል ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ንካህናት እታ ቤተ-ክርስትያን ብቐሊሉ ንስብከተ ወንጌል ክትወርፍር ተማሕጸንዎም።

ክፉት ቤተክርስትያንን ክፉት ተልእኾን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ካህናት ከም ሓለውቲ እቲ ፍ ደገ ወይ መዕገቲ ዘይኰኑስ፣ ማለት ከም "መንፊት ዘይኮኑ ከም መትረብ" ኮይኖም ክዓዩ ኸም ዘለዎም ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣብዚ ብዙሓት ሰባት ካብ ቤተ-ክርስትያን ርሒቖም ኣብ ዝነበሩሉ ዘለዉ እዋን፣ ክፉት ኣፍደገ ክዀኑን፣ ንምቕባልን ንምውጻእን ድሉዋት ክዀኑ እውን ኣተባብዕዎም።

"ናይ ኵሉ ሰብ ኢካትኩም፣ ናይ ኩላትና ድማ ኢኹም" ብምባል ድማ ኣመልከቱሎም።

ቤተ-ክርስትያን ንሰባት ክትሓጽሮም ከም ዘይብላ፣ የግዳስ ምስ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ክፉታት ክኾኑ ኽትሕግዞም ከም ዘለዋ እውን ኣጕልሑ። ካብ ወንጌል ብምጥቃስ ድማ እቶም ዝደሓኑ "ይኣትዉን ይወጹን ኢዮም፣ መጓሰ ድማ ይረኽቡ" በሉ።

ምስ ሰባት ንምርኻብ ናብ ደገ ምውጻእ ከም ዘድሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ነቶም ሓደስቲ ካህናት ምስ ባህልን መዓልታዊ ህይወትን ሓዊስካ ምስ ዝሰፍሐ ዓለም ክራኸቡ ድማ ኣተባብዕዎም።

ሓድሓደ ግዜ ርግጸኛታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እኳ እንተ ተኣመኑ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ግና ኣብቲ ጕዕዞኦም ኸም ዚመርሖ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ትውክልቶም ኣብ ኣምላኽ ከም ዝገበሩ ዝገልጽ ምስክርነት ብምጥቃስ፣ ካብ ቃላት መዝሙር 23 ብምዝካር፣ ነቶም ሓደስቲ ኻህናት ነዚ ምትእምማን እዚ ኣብ ኣገልግሎቶም ከንጸባርቕዎ ብምትብባዕ ስብከቶም ዛዘሙ።

ሲመት 10 ካህነት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት
27 Apr 2026, 17:03