ድለ

2026.03.30 Paolo Rudelli, Petar Rajič, Edgar Peña Parra 2026.03.30 Paolo Rudelli, Petar Rajič, Edgar Peña Parra 

ምርጫ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣልያን ከምኡውን ህየንተ ናይ ቤተ ጳጳስን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰለስተ ኣገደስቲ መዝነታት ቅድስቲ መንበር ዘገልግሉ ሰባት መዘዙ፦ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ ኣብ ሃገረ ኮሎምብያ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ተኩዕ ጸሓፊ ቅስቲ መንበር ክኾኑን፣ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፐና ፓራ ትኩዕ ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንጸንሑ ድማ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ንኸገልግሉ፣ ከም ህየንተ ናይ ቤት ጳጳስ ድማ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጴታር ራጂች ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣልያ ከገልግሉ ንዝጸንሑ መዘዝዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ኮሎምብያ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅስቲ መንበር፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ኢጣልያ፣ ካብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣልያ ናብ ህየንተ ናይ ቤት ጳጳስ እተገብረ ዝውውር መዝነታትን ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ መበል 56 ዓመት ዕድሚኦም ዝመልኡ ዘለዉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ ሓድሽ ትኩእ ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቤትጽሕፈት ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ቅድስቲ መንበር ክኾኑ መዘዝዎም፣ እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ መላእ መዝነታት ቅድስቲ መንበር ኣዝዩ ኣገዳስን ተኣፋፊን ዝኾነ መዝነት ኢዩ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ከም "ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት" ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ንኸገልግሉ ኢዮም ተመሪጾም ዘለዉ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ ብ1995 መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣባል ሰበኻ በርጋሞ ኮኑ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ሞራላዊ ስነ-መለኮት ብትምህርቲ ዘመስከሩን፣ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ሃገረ ኮሎምብያ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ ዀይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ እዩም። ኣብ 2023 ብጳጳስ ፍራንቸስኮ ነዚ መዝነት እዚ ቅድሚ ምቕባሎም፣ ኣብ 2019 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ መዓርግ ጵጵስና ብምድያብ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ከም ተወካሊ ቅዱስነቶም ናብ ዚምባብወ ለኣኽዎም።

ይኹን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዘሕለፍዎ ተመክሮ፣ ካብ ዕስራ ዓመታት ዝዛይድ ኢዩ፣ ክሳዕ 2001 ኣብ ኤኳዶርን ፖላንድን ከም ጳጳሳዊ ተወካሊ ከምኡውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ተመዲቦም ከም ዘገልገሉ እውን ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፣ ከም ፍቓድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መራሕ ናይቲ ከም ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኖም ከገልግሉ ተመዚዞም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምኽትል ትኩእ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከገልግሉ ንናይጄሪያዊ ሊቕ ሕገ ቀኖና ንዝኾኑ ክቡር ኣባ ኣንቶኒ ኦንየሙቸ ኤክፖ፣ ኣቐዲሞም ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከገልግሉ ዝጸንሑ ድሕሪ ምሻሙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝገብረዎ ለውጥታ እዚ ካልእ ኣገዳሲ ሽመት እዩ።

'ናይ ምትእምማን ምልክት'

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሩደሊ ድሕሪ እቲ ዝወጸ ወግዓዊ መዝነቶም ኣብ ዘካፈልዎ መግለጺ፣ "ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ትኩእ ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር መጠን ዝለዓለ ተልእኾ ንምፍጻምን፣ ብቐረባ ምስ ቅዱስነቶም ክዓዪ ዝቐረቡልይ ጻውዒት ኣባይ ዘለዎም ዓሚቝ ኣኽብሮትን ምትእምማን ዘምልክት ኢዩ" በሉ።

እዞም ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝበልዎ "ብምትእምማን ተደሪኾም፣ ነዚ ኣገልግሎት እዚ በቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ‘ስብኩ ወንጌለ’ Praedicate Evangelium ተሊጹ ዘሎ መንፈስ ከም ዝፍጽምዎ ኣረጋገጹ።"

ኣብ መሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን ከምኡውን ኣብ ምትሕብባር ምኽትል ትክኡ ጸሓፊ ክቡር የኔታ ኣንቶኒ ኤክፖን ኵሎም ሰራሕተኛታት እዚ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያትን ክምርኰስ ከም ዝኽእሉ ብምግንዛብ ነዚ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ምዃኖም እውን ገለጹ።

ብፍላይ ድማ እዞም ሓድሽ ትኩእ ጸሓፊ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ "ኣማላድነት" ናይቶም ውሩይ ተበቓኾም ዝኾኑ በዓል በርጋሞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከም ዝውከሉ እውን ገለጹ።

ሊቀ ጳጳሳት ፔኛ ፓራ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣልያ ዀኑ

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሩደሊ ንቬንዝወላዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኤድጋር ፔኛ ፓራ ብምትካኦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ እዚ ኣገልግሎር እዚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ኢጣልያ ኮይኖም ከገልግሉ ሾምዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቐዲሞም ብዕለት 15 ነሓሰ 2018 ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፔኛ ፓራ ተካኢ ጸሓዊ ውሽጣዊ ጉዳያት ቅድስቲ መነብር ገይሮም ቅድሚ ምምዛዞም ካብ ሃገረ ሞዛምቢክ ናብ ቅድስቲ መንበር ኣምጽእዎም። ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዞም ድማ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ጸንሑ፣ ኣብ መንጎ መንግሥቲ እታ ሃገርን ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲን ሰላም ንምስፋን ኣብ ዝቐመ ናይ ሽምግልና ጕጅለ እውን ከም እተሳተፉ ዝዝከር እዩ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፔኛ ፓራ ብ1960 ዓ.ም. እተወልዱ፣ ኣብ ሃገራት ኬንያ ዩጎዝላቭያ ነበር ሆንዱራስ ከምኡውን ሜክሲኮ ዘገልገሉ ምኩር ዲፕሎማሲያዊ ኮይኖም፣ ጸኒሖም ድማ ኣብ ፓኪስታን ከም ተወካሊ ቅዱስነቶም ዀይኖም ዘገልገሉ ኢዮም።

ሊቀ ጳጳሳት ራጂች ህየንተ ናይ ምሕደራ ቤት ጳጳስ ኰኑ

ከምኡ እውን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ራጂች ህየንተ ምሕደራ ቤተ ጳጳስ ኰይቦም ከገልግሉ ተመዚዞም ኣለዉ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጆርጅ ጋንስዌይን ኣብዚ እዋን እዚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገራት ባልቲክ ላትቭያን ኢስቶንያን ሊትወይንያን ኮይኖም ካብ ዝተላእኩሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት እዚ መዝነት እዚ ባዶ ኮይኑ እዩ ዝጸነሐ። ብፁዕ ኣቡነ ራጂች ኣብ 2024 ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ኢጣልያ ኮይኖም ቅድሚ ምግልጋሎም፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ተመሳሳሊ ሃገራት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ራጂች ከም ኣመሓዳሪ ቤተ ጳጳስ መጠን ንዕዮን ንውሽጣዊ ስርዓትን እዚ ቤትጽሕፈት ዝመርሑ፣ ንመዓልታዊ ምምሕዳርን ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምውህሃድ ሓላፍነት ንዘለዎ ነዚ ኣካል ኩርያ ሮማና ንዝኾነ ቤትጽሕፈት ክመርሑ ኢዮም።

01 Apr 2026, 15:06