ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኮሎሰዩም ኣብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክሳተፉን መስቀል ኪጾሩን ኢዮም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ኮሎሰዩም ንዅለን ዓሰርተው ኣርባዕተ ጸሎታት ፍኖተ መስቀል ክመርሑን፡ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ካብ ዝምረጹ ከኣ ንመጀመርታ ጊዜ ዓርቢ ስቕለት ከብዕሉን መስቀል ክሽከሙን ኢዮም።
እቲ ናይዚ ዓመት ናይ ኣስተንትኖ ጸሎታት ነቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ከም ሓላዊ ኰይኖም ካብ 2016 ክሳዕ 2025 ዘገልገሉ ኣባል ማኅበር ፍራንቸስካውያን ዝኾኑ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ኢዩ ብሕድሪ ተዋሂቡ። ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ቅድስቲ መንበር፡ እቲ ጸሎታት ዓርቢ ንግሆ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዚኅተም ኣፍሊጡ።
ኣባል ማኅበር ንኡሳን ኣሕዋት ዝኾኑ ኣባ ፓቶን መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ እምባ ኔቦ ኣብ ዮርዳስኖ ኰይኖም ኢዮም ዝጽሕፉ፣ ብዛዕባ ስቓይ ሕዝቢ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብዚ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝመልኦ እዋን ብተደጋጋሚ ቃሎም ዘስምዑ ካህን ኢዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልክዕ ከም ናይ 2024 እቲ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎታት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኢዩ ተሰናድዩ። ዓሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ነዊሕ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ብዕለት 18 ሚያዝያ 2025 ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ብዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ባልዳሳር ሬይና ተመሪሑ።
