ድለ

2026.04.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ኣነ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለኹ ካቶሊካውያን ንምትብባዕ እምበር ምስ ትራምፕ ክካታዕ ኣይኮንኩን 2026.04.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ኣነ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለኹ ካቶሊካውያን ንምትብባዕ እምበር ምስ ትራምፕ ክካታዕ ኣይኮንኩን  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ኣነ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለኹ ካቶሊካውያን ንምትብባዕ እምበር ምስ ትራምፕ ክካታዕ ኣይኮንኩን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሳልሳይ እግሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ናብ ኣንጎላ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ካሜሩን ስለቲ ዝተገበረሎም ኣቀባብላን እንግዶት ኣመስጊኖም፡ መደረታቶም ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዘዳለውዎ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም፡ ስለዚ መደረታተይ "ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳግማይ ክካታዕ ዝፍትን ከም ዘለኹ ተገይሩ ክትርጎም የብሉን፡ ድላየይ እውን ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ “ንልቢ ኣፍሪቃ እትውክል ብኽልቲኡ እንግሊዝይናን ፈረንሳን ተዛረብትን፡ ኣስታት 250 ናይቲ ከባቢ ቋንቋታት፡ ብሄራት” እትውክል ሃገር ካሜሩን፡ ዘሕለፍዎ ሰለስተ መዓልታት እወታዊ ምንባሩ ኣረጋጊጾም ኣስዒቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቶም ዘስንይዎም ጋዜጠይናታት ስለ ኣገልግሎቶም ድማ ደጊሞም ብምምስጋን እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘስምዖም መደረታት ብኸመይ ከም እተተርጐመ እናሓሰቡ ንገሊኡ ጕዳያት ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይቅኑዕ ትረኻ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ብዅሉ መዳያት ቅኑዕ ዘይኰነ ዛንታ ነይሩ እንተዀነ ግን ብምኽንያት እቲ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እቲ ጕዕዞ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባይ ገለ ሓሳባት ምስ ሃበ እተላዕለ ፖለቲካዊ ዅነታት ኢዩ። ይኹን እምበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ምኽትሉ ቫንስን ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት ኣንጻር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቐፌታ ምሃብ እኳ እንተ ቐጸሉ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ግን እቲ ጕዳይ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዙ ዝተዓጸወ ጉዳይ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ያውንደ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ዘስማዕክዎ መደረ በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ክትዕ መሰረት ክንበብ ወይ ክትርጎም ድማ ሰሚዐ፡ እቲ መደረታተይ ቅድሚ ሰሙናት ዝተዳለወ ምንባሩ ከነጽር እፈቱ (ቅድሚ እቲ ዝተላዕለ ክትዓት)፡ ስለዚ ዝተዋህቦ ትርጉም ጌጋ እዩ። ድላየይ እውን ኣይኮነን እንክብሉ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ እምነታት ሰላምን ዘተን ምህናጽ

“ኣነ ብቐንዱ ከም ጓሳ፡ ከም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ምስ ኩሎም ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዘለዉ ካቶሊካውያን ክራኸብን፡ ምስኦም ክጽልን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግን፡ ንምትብባዕን ከሰንዮምን እየ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይድ ዘለኹን፡ እቲ ዑደት ካልእ ሸነኻት እውን ኣለዎ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ምስ ጉጅለ ኢማማት ዝገበርዎ “ኣዝዩ ሰናይ ዝኾነ ርክብ” ጠቒሶም፡ “ድሮ ኣብ ካልእ ቦታታት ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምይይጥን ዘተን ሕውነትን ንምትብባዕ ምስ ኵሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብምርድዳእን ብምቕባልን ሰላም ምህናጽ" ኣድላዪ ምዃኑ ዘጒልሕ እዩ - ቢሎም - ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ዓውደ ርክብ ከም ዘዕገቦም እውን ገሊጾም፡ ኣብኡ ድማ መልክዓ ምድሪ ኣፍሪቃ ዝሓዘ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ኣብ ማእከሉ ዝተነብሮ "ውቁብ ሓወልቲ" ከም ዝባረኹን እዚ ሓወልቲ እዚ "ገለ ኽፋል እቲ ጕዕዞ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእዋጅ ወንጌል

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ "ዘይማዕርነት ምክፍፋል ሃብቲ" ዝብል ህጹጽ ጕዳይ እውን ኣማእኪሎም ከም እተዛረቡን፡ ብፍላይ ካሜሩን ብዕድላት ሃብታም ሃገር ምዃና እውን ኣመልኪቶም፡ ስለዚ ሕጂ ናብ ኣንጎላ ንኸይድ ኣሎና ነቲ ክርስትያን ምዃን ዘለዎ ጽባቐ ብምጕላሕ መልእኽቲ ወንጌል ክንእውጅ፡ "ክርስትያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ንክርስቶስ ምስዓብ እንታይ ማለት ምዃኑ ሕውነትን ኣብ ጐይታ ምውካልን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ዓለምና ፍትሕን ሰላም ንምድንፋዕን መገድታት ንምንዳይ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቃል ምስጋና ንካሜሩን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በቲ ኣብ ጳጳሳዊት ነፋሪት ካብ ዝተረኽቡ እንኮ ካሜሩናዊ ጋዜጠይና ሬድዮን ቴሌቪዥን ካመሩን (CRTV) ኣቢሎም "ንኹሉ ህዝቢ ካሜሩን፡ ንዝተገብረሎም ምዉቕን ዘደንቕን ኣቀባብላ፡ ስለ እቲ ዘለዎ ዓቢይ ተስፋን ሓጎስን ድማ ኣመስጊኖም። ፍጹም ፍሉይ ተመክሮ እዩ ነይሩ። ተመኩሮ ናይ ሓደ ኣማኒ ማሕበረሰብ ብሓቂ ናይ ሓባር ተስፋ ዝተረኣየሉ፡ ሰዓቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑን እምነትና ብሓባር ከነብዕልን ድንቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተመክሮ። “እዚ ተመክሮ እዚ ብምርካቦም” ክሳብ ክንደይ “ኣዝዮም ሕጉስ” ምዃኖም ገሊጾም፡ ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣስታት 70 ዝኾኑ ጋዜጠይናታት እናሓሰቡ፡ "ንኹልኹም ሰላምታይ ከቕርብ ኣዝየ ሕጉስ እየ፡ ስለቲ እትገብርዎ ዘለኹም ዕዮ ድማ አመስግነኩም፡ ጎይታ ድማ ኣብዚ ጉዕዞ ንኹላትና ክባርኸና ተስፋ እገብር። ኣዝየ አመስግነኩም!” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

20 Apr 2026, 10:35