ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምውጋድ ዘተ ክካየድ ይጽውዑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምውጋድ ዘተ ክካየድ ይጽውዑ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምውጋድ ዘተ ክካየድ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን ምስ ህዝቢ ዩክሬን ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽን ኣብ ሊባኖስ ስነ ሜላዊ ጻዕርታትን ዘተን ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትታት እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ኣዚየ እሓዝን" ብምባል ንዅሎም እቶም ዝሳቐዩ ሰባት ቅርበቶምን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፡ ወሲኾም ድማ "ኣጽዋር ስቕ ኪብልን መገዲ ዘተ ኪስጕምን ጻውዒት አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ስነ ሜልው ፍታሕ ንኲናት ዩክሬን

“ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ንሰላማዊ ህዝቢ ዝጸሉ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፍጸመ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ ኣዋን ብርቱዕ ሓዘን ይስምዓኒ፡ ንኹሎም እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅርበተይን ጸሎተይን እረጋግጽ፡ እቲ ኣጽዋር ስቕ ክብልን መንገዲ ዘተ ክስዓብን ዘቅርቦ ጻውዒት አሐድስ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕርቂ ኣብ ሊባኖስ ከም ምልክት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተኣወጀ ግዚያዊ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ንህዝቢ ሊባኖስን ንብምሉእ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ዕረፍቲ ዝህብ ምልክት ተስፋ እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተጻብኦታት ከብቅዕን ሰላም ነባሪ ክኸውን ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ኣብ ስነ ሜላዊ ፍታሕ ዝተዋፈሩ ሰባት ኣብ ኣብ መንገዲ ሰላም ክቕጽሉን እላቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጸሎት ሕቡራት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፡ ምእመናን ኣብ ጸሎቶም ክሓብሩ ዓዲሞም፡ “በዚ ዘሐጉስ መዝሙር፡ ንኣውያት እቶም ዝሳቐዩ ሰባት ስቕ ከነብሎ - ዘይስማዕ ክንገብሮ ወይ ከንዓብጦ ኣይንደልን፡ እንታይ ደኣ፡ ኣብ ስቓይ እውን እንተኾነ ብርሃን እምነት ህያው ኮይኑ ምእንቲ ክቕጽል፡ ምስኡ ድማ ተስፋ ንዝሓሸት ዓለም ምእንቲ ክንገብር፡ ናትና ጌርና ምስ ድምጽና ኣሕቢርና ክንሓቕፎ ንደሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ክርስቶስ ንሞት ከም ዝሰዓረ ብምዝኽካር “ምስኡን ኣብኡን ከም ሓደ ኣካል ተጠርኒፍና፡ ሎምን መዓልታውን ኣብ ከባቢና ፍረ ፋሲካ ማለት ፍቕርን ሓቀይና ፍትሕን ሰላምን ኪኖ ኩሉ ዕንቅፋትን ጸገምን ከነዕቢ ክንጽዕር ኣሎና - ቢሎም - “ ኣደ ኢየሱስ ኣደ ልቢ፡ ኩሉ ግዜ ህላወ ካብ ሞት ዝተንሰአ ወዳ ኣብ ውሽጥና ህያውን ድልዱልን ኮይኑ ክስምዓና ትሓግዘና” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Apr 2026, 15:59