ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣልጀርያ ዘካየድዎ ምብጻሕ 'ፍሉይ በረኸት'ን ዘተ ንምድንፋዕ ዘደንቕ ዕድል እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ረቡዕ ዕለት 15 ሚያዝያ ካብ ኣልጀርስ ተፋንዮን ናብ ያውንደ ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፈሪት ነቶም ዘፋንውዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ 70 ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣልጀሪያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብቐዳምነት ንበርገሳዊ ሰበ - ስልጣን ኣልጀርያ ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ንቅድስቲ መንበር ዝሃብዎ ክብርን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ኣልጀሪያ ዝተገበረሎም ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርስዓት “ምልክት ናይቲ ህዝቢ ኣልጀርያን መንግስቲ ኣልጀርያን ንቅድስቲ መንበር፣ ንዓይን ዘረጋገጽዎ ሰናይነት፣ ናይ ልግስን፣ ኣኽብሮትን እዩ።
ኣዝዩ ንእሽቶ ግን ከኣ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ” ህላወ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኣልጀርያ ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ እውን ካብ ልቢ ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ እግዚእትነ ማርያም ዘኣፍሪቃን ኣብ ኣናባ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ዘካየድዎ ዑደት ብምዝካር ንውርሻ እቲ ኣብ 5ይ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ እናሓሰቡ፡ "ጽሑፋቱ ትምህርቱ መንፈሳውነቱ ንኣምላኽ ንምድላይን ሓቂ ንምድላይን ዘቕረቦ ጻውዒት ሎሚ ኣዝዩ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ንዅላትና ከም ኣመንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ መጠን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም - መብዛሕትኦም ኣልጀርያውያን ካቶሊካውያን እኳ እንተዘይኮኑ ብዙሓት ካብኣቶም “ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ወደ መሬቶም ብምዃኑ፡ ንዝኽርታቱ ኣዝዮም የኽብርዎን ይሕብሕብዎን” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፡ “ዳግማይ ናብ ኣናባ ምምላሰይ ንዓይ ብውልቀይ ፍሉይ በረኸት እዩ ነይሩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንቤተ - ክርስትያንን ንዓለምን እቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንኣምላኽ ኣብ ምድላይን ማሕበረሰብ ንምህናጽን ዘሎና ቘራጽነት ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ሓድነት ምድላይን ፍልልያት እናሃለወ ኽነሱ ንዅሎም ህዝብታት ምኽባርን ዝድርኽ ራእይ ንምቕራብ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክርስትያን ኣልጀርያ፡ ዝኾነ ባህላዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ፍልልይ እኳ እንተሃለወ፡ ምስ ኣስላም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብኸመይ ብሰላም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ዓሚቝ ምስክርነት ከም ዝህቡ ገሊጾም። "ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት፡ ብሓቂ ድልድላት ምህናጽ ክንቅጽል፡ ዘተ ንምድንፋዕ ጽቡቕ ዕድል ረኺብና ኣሎና። እቲ ኣብ መስጊድ ዝተገብረ ምብጻሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ድማ ይስመዓኒ፡ ዋላ’ኳ ዝተፈላለየ እምነት እንተሃለወና፡ ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣምልኾን፡ ዝተፈላለየ ኣነባብራን ዘሎና እውን እንተኾንና፡ ብሰላም ብሓባር ክንነብር ከም እንኽእል ዝምስክርን ዘተሓሳስብን እዩ፥” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
