ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ሃገረ ዩክሬይን ርእሰ ብሔርን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬይን ዘለንስኪ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ንህዝቢ ዩክሬይንን ሃገረ ዩክረይንን ዘለዎም ቅርበት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ዕለት 3 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብስልኪ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከም እተራኸቡን ብመሰረት መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ “ኣብቲ ምዉቕ ዘተ ቅዱስ ኣቦና ናይ በዓለ ፋሲካ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም ንህዝቢ ዩክሬይን ዘለዎም ቅርበት ድማ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ መግለጺ ወሲኹ ቅዱስነቶም “ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ፣ ኣድላዪ ሓገዝ ናብቲ በቲ ግጭት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክበጽሕ ህጹጽ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን ብፍላይ ድማ እሱራት ምፍታሕ ብዝምልከት ሰብኣዊ ተበግሶታት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ጻዕርታት እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ክበራታዕ ድማ ከም ዘለዎ ብምምልካት፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ “ብተወፋይነትን ምትሕብባርን ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተጻብኦታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ክብልን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክረጋገጽ ዘለዎም ተስፋ እውን ከምዝገለጹ ይሕብር።
04 Apr 2026, 15:49
