ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማክሮን ተራኺቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማክሮን ተራኺቦም  (ANSA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማክሮን ተራኺቦም

ቀዳማይ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ፈረንሳን ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ከም እተኻየደን ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ካብ ቅዱሰንቶም ምስ ተሰናበቱ ኣብቲ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መላእ ዓለም ብዝግበር ዘተን ምይይጥን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ተስፋ ዘጒለሐ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 10 ሚያዝያ ብበዓልቲ ቤቱን ላዕልዎት ናይ መግንስቲ ኣካላትን ንዝተሰነየ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እዚ ኣብ መንጎ ቅዱሰንቶምን ርእሰ ብሔር ፈረንሳን ዝተኻየደ ወግዓዊ ግላዊ ርክብ ንፈለማ ግዜ ኮይኑ ቅድም ክብል ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሰለስተ ሳዕ ምብጻሕ ኣካይዱ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቡ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱን፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ርክብ ምዉቕን ልባውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣስዒቡ፡ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ፈረንሳን ዘሎ ዘሎ ሰናይ ዝምድና ኣፍልጦ ዝሃበን። ቀጺሉ እቲ ዘተ ኣብ ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝረኣዩ ግጭታት፡ ብዘተን ምይይጥን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ክምለስ ይኽእል'ዩ ዝብል ተስፋ ዘጒለሐ ምልውዋጥ ሓሳብ ምክያዱ የረጋግጽ።

ርክብ ምስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ

ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ዕለት 9 ሚያዝያ ሮማ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቲ ቀዳሞት መራሓ ግብሪ ዑደቱ ድማ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ትራስተቨረ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ብምኻድ ኣብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምብጻሕ ኣካይዱ ምስቲ ናይቲ ምንቅስቓስ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርድን ምስቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞን ላዕለዋይ ኣባል ማሕበርሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሪዮ ጂሮ ከም እተራኸበን ማክሮን ዘካይዶ ዘሎ ወግዓዊ ምብጻሕ ብበዓልቲ ቤቱን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዣን ኖኤል ባሮት ዝርከብዎም ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት መንግስቱ ዝተሰነየ ኮይኑ ርእሰ ብሔር ማክሮን ናብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ክበጽሑ ዝጀመርሉ ምኽንያት ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ነቲ ብሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቢ ዝቕርብ ዝንበረ ዝወደቐ መግቢ ብምቅዋሙን ነዚ ተግባር እዚ የቃልዕ እውን ብምንባሩ ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝተቐትለ ኣብ 2025 ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ቢላ ዝኣወጀቶ ፊልበርት ብዋና ቹዩ ተወፋይነት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

11 Apr 2026, 17:01