ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሞንጎሞ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ደቂ ሰብ ንፍትሕን ሰላምን ይጠምዩ ኣለዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ዕለት 22 ሚያዝያ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ኣብ ከተማ ሞንጎሞ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ዓዕሪጐም፣ ንክርስትያን ምእመናን ከኣ ወንጌል ክሰብኩን ንሃብታም ሃገሮም ተስፋን ዕርቅን ዝመልኦ መጻኢ ክሃንጹ ተማሕጸኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሞንጎሞ ኣብ ካልኣይን መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ንጹህ ጽንሰታ ለማርያም መሠአዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

እዛ ኣስታት 7,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ከተማ ካብ ዶብ ሃረ ጋቦን ሓደ ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ኰይና፣ ትውልዲ ዓዲ ናይ ርእሰ ብሔር ቴዎዶሮ ኦቢያንግ ንጉማ ምባሶጎ ኢያ፣ ኣብ 2015 ሓያሎ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ እውን ዘአንገደት ከተማ እያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ቅድሚ 170 ዓመት ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ወንጌል ክሰብኩ ዝጀመሩ ልኡካን ብምዝካር፣ ነቲ ብ1969 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ "ኣፍሪቃውያን ካብ ሕጂ ንደሓር ንገዛእ ርእስኹም ሚስዮናውያን ኢኹም" ዝብል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም።

ነቶም ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀኑ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፍይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን እውን ኣመስገንዎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ንክርስቶስ ብምእማኖም መከራ እኳ ኸይፈርሁ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምብሳር እጃሞም ተጻዊቶም እዮም" ክብሉ እውን መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ንሕዝቢ ኤኳቶርያል ጊኒ ንክርስቶስ ንምስዓብን ንረብሓ ጐረባብቶም ክብሉ እውን ግብረ ሰናይ ኪገብሩን ብሕታዊ ተበግሶታት ክገብሩን ድማ ኣተባብዕዎም።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ተጸምዶ ጽንዓት ዝሓትት ኢዩ፣ ጻዕርን ከምኡ ውን ሓድሓደ ግዜ መስዋእቲ ዝሓትት ኢዩ" በሉ። "እዚ ግን ሓቀይና ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ምዃንና ዚሕብር ምልክት እዩ” እውን ክብሉ ኣተሓሳሰብዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያን ምእመናን መስጐጕቲ ወይ ኣጸጋሚ ዅነታት ስድራ ቤት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፣ ጐይታ ዘርኢ መንግስቱ ኸም ዜብቍልን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ከም ዜፍቅሮምን ኪኣምኑ ኣለዎም።

ቀሲኾም ድማ ቅዱስነቶም፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ነቶም ብስሙ ዘበስሩ ብሓጐስ ዚምስክሩ ኬበርትዖም እዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኵሎም ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝስምዖም ጥሜት ኣመልኪቶም ኣስተንትኑ።

"ሓድሽ ናይ ፍትሒ ስምዒት ከምጽእን፣ ፍረ ሰላምን ሕውነትን ከፍሪ ዝኽእል ተስፋ ዝመልኦ መጻኢ ንምርካብ ዝስምዖም ጥሜት ኣሎ" በሉ። "እዚ ብጸጋ ኣምላኽ ክንሃንጾ እተጸዋዕና ዘይንፈልጦ መጻኢ ኣይኰነን" ድማ በሉ።

ንኤኳቶርያል ጊኒ "ህይወትን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ንምዕቃብ" ብምርጫኦምን ብቘራጽነቶምን ንመጻኢ ሃገሮም ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ከም እተባረኸት ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ሰፊሕ መዕቈሪ ነዳድን፣ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ከምኡውን ከም ወርቅን ኣልማዝን ዩራንዩምን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ዘይተጠቕመሉ እተቐብረ ማዕድናት ዜጠቓልል እዩ ክብሉ እውን ኣዘኻኸርዎም።

እዚ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እዚ፣ ንዅሎም ሕዝቢ ኤኳቶርያል ጊኒ ምሉእ ብምሉእ ብምምዕባልን ብምሕዳስን ብምልዋጥን በረኸት ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።

"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ሓላፍነቱ፣ ኣብ መንጎ ፍሉይ መሰል ጽጉማት ዘሎ ጋግ ድልድል ብምህናጽ ንውልቃዊ ረብሓታት ዘይኰነስ ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋል ምሉእ ብምሉእ ዝስርሓሉ ሕብረተሰብ ንኽትከውን ጐይታ ይሓግዝኩም" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንክርስትያን ምእመናን ኢኳቶሪያል ጊኒ ንመጻኢ ሃገሮም ኣብ ኢዶም ክቕበሉን፣ ወንጌል ክሰብኩን ንሃገሮም ተስፋ ዝመልኦ መጻኢ ንምህናጽ ክሕግዙን ተማሕጺኖም።

23 Apr 2026, 16:11