ር. ሊ. ጳ. ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ፦ 'ታሪኽ ህይወትና ኣብ ወንጌል ትርጉም ይረክብ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 23 ሚያዝያ ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ማላቦ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣምላኽ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣቢሉ ይግለጸልና፣ ፍቕሩ የርእየና ድሕሪኡ ድማ ናብ ኵሉ ከነብጽሖ የተባብዓና።
"ጸገማትና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኣይጠፍእን እዩ፣ የግዳስ ይበርህ። ከምቲ ነፍሲ ወከፍ መስቀል ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕነት ዝረክብ፣ ታሪኽ ህይወትና እውን ኣብ ወንጌል ትርጕም ይረክብ እዩ" ክብሉ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።
"ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዜደንቕ ተስፋ ተዋሂቡና ኣሎ፦ ኣምላኽ ምእንታና ርእሱ ኣሕሊፉ ሃበ፣ ፍቕሩ ካብ ሞት ከም ዚብርትዕ ንኣምን ዲና? ነፍሲ ወከፍና ብእኡ ኽንኣምን ብምውሳና ካብቲ ዘይተርፍ ተስፋ ቝርጸትን ካብቲ ኣምላኽ ዝህቦ ተስፋን ንመርጽ ኢና።"
"እቲ ንህይወትን ፍትሕን ዘሎና ጥሜት፣ በቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ 'እቲ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ስጋይ እዩ' ዝበሎ ቓላት ይጸግብ" በሉ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ነታ "ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ እትርከብ ህያው ቤተ-ክርስትያን፣ ተልእኾ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሓጐስ ክትፍጽሙ ኣሎኩም" ክብሉ ኣተባብዕዋ።
"ብሓባር ወንጌል ከተንብቡ ኸለኹም ብውዕዉዕ ስምዒት ስበኹ" ክብሉ እውን ተላበዉ። "መሥዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ብሓባር ከተዕርጉ ኸለኹም ከኣ፣ ቃል ኣምላኽ ንዅሉ ጽቡቕ ማይ ብሑቕ ምእንቲ ኪኸውን ነታ እተድሕን እምነት ብህይወትኩም መስክሩ" ክብሉ እውን መዓድዎም።
ናይ መወዳእታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ቅዱስነቶም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስብከቶም፣ በቲ ቅዱስነቶም ናብታ ሃገር ቅድሚ ምምጻኦም፣ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፣ ብዕለት 17 ሚያዝያ ብሃንደበት ብሞት ዝሓለዉ ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር መንበረ ሊቀ ጳጳሳት ሰባኻ ማላቦ ብፁዕ ኣቡነ ፎርቱናቶ ንሱወ ኢሶኖ፣ ዝተሰምዖም "ልባዊ ሓዘን" ብምግላጽ ኢዮም ስብከቶም ዝጀመሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ነዚ ናይ ሓዘን ህሞት ብመንፈስ እምነት ክትሰርዎ እዕድመኩም ኣለኹ፣ ብግምታዊ ሓሳባት ወይ ብታህዋኽ ብዝግበር ፍርድታት ኸይትትንከፉ ድማ፣ እቲ ኣብ ኩነታት ሞቶም ዘሎ ሓቅታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነጽር ተስፋ እገብር" በሉ።
እዚ ድማ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስቶም ኣስታት 30,000 ዝኾኑ ሰባት ሓጐፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎም፣ ነቲ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ዘካየድዎ ናይ 11 መዓልታት ሓዋርያዊ ዑደቶም ንምዝዛም ኣብ ዘዕረግዎ ናይ መወዳዕተአ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝንበረ። በዚ ኸምዚ ድማ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ማላቦ ዝካየድ ናይ ምፍናው ሥነ-ስርዓት ዘካየድዎ ናይ መወሳዕታ ሥርዓተ ኣምልኾ ምስ ምእመና ኢዩ ዝንበረ።
ቃል ኣምላኽ ፍረ የፍርን ሓራ ድማ የውጽኣና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ትርጓሜ ቅዱሳት ጻሕፍቲ "ረዚንን መሰናድዎን" ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም እዮም፣ ከመይሲ "ነቲ ኣምላኽ ብጥበቡ ብቐጻሊ ኣብ ዝገልጾ መጽሓፍቲ ታሪኽ ማለት ገጻት ህይወትና ብሓባር ከነንብብ የዳልወና" ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ዲያቆን ፊሊጶስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምግላጽን ነቲ ስሉብ ንግሥነት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰበኸሉ ዘዘንቱ ክፍሊ ግብሪ ሃዋርያት ካብ ቀዳማይ ንባብ ጠቒሶም ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ እቲ ስሉብ መስተውዓልን ባህላውን እኳ እንተ ዀነ፣ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኸም ዘይኰነን ንኻልኦት ዚጠቅም ጻዕሩ ጥራይ ከም ምዃኑ ገለጸሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣካላቱ እውን እንተ ዀነ ስሉብ ብምዃኑ ህይወት ክህብ ዘይክእል ከም ምዃኑ ኢዩ ዜርኢ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ኵሉ ጻዕሩ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ገዛዕቱን ነቶም ሰበስልጣን ምኽሪ ኣብ ምሃብን እተሰወነ ኢዩ ዝነበረ" በሉ።
"ግናኸ ናብታ ንዕኡ ባርነት ዝዀነት ዓዱ ኣፍሪቃ ምስ ተመልሰ፣ ስብከተ ወንጌል ሓራ ኣውጽኦ። እቲ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝንበረ ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዘይተጸበዮ ፍረ ኣፍረየ" ክብሉ እውን ኣስመሩሉ።
እቲ ስሉብ ብፊሊጶስ ኣቢሉ ካብ ተዓዛቢ ቅዱሳት መጻሕፍቲ "ናብቲ ሕጂ ብብሕቱ ዝምልከቶ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፣ ኣብቲ ዝማርኾ ዛንታ ቐንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ተረኽበ"።
"እዚ ኣፍሪቃዊ ሰብኣይ እዚ ንቓል ኣምላኽ ክርድኦ ዝደሊ ብምዃኑ፣ ናብቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ዝቕበል ቅዱሳት ጽሑፋት ይኣቱ ኣሎ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ቀጸሉ። እዚ ስሉብ እዚ "ናብ ታሪኽ ድሕነት ይኣቱ፣ እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ጭቁናትን እተገለሉን ዝነኣሱን ኣብ መንጎና ዘለዉ ዝሓቘፈ ኢዩ።"
ኣብ መወዳእታ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፣ እዚ ስሉብ እዚ ብፊልጶስ ስለ እተጠምቀ፣ በዚ ቅዱስ ምስጢር እዚ ኣቢሉ "ውሉድ ኣምላኽ ኮነ፣ ብእምነት ድማ ሓውና ስለ ዝኸውን" እዛ ቓል እዚኣ ህያውን ጋህዲን ከም ዝኾነት ሓቢሮም።
"ወላ እኳ ባርያን ውሉድ ዘይብሉን እንተ ነበረ፣ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሓድሽን ናጻን ህይወት ዳግም ተወልደ” ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ክርስቶስ ንዓና ኩሉ ነገር እዩ
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ከምቲ ስሉብ ንሕና እውን ብጥምቀትና ክርስትያን ከም ዝዀንና መጠን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ፣ እምነት ከም እንረክብ ኣዘኻከርዎም፣ እዚ ኸኣ "ወንጌል ኣብ ህይወትና ንምስባኽ" ዝሕግዘና ኢዩ በሉ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብ፣ "ስለዚ ኵሉ ሳዕ ውልቃውን ናይ ቤተ-ክርስትያንን ተግባር እዩ። ንበይኑ ወይ ተግባራዊ መገዲ ጥራይ ዝግበር ነገር ግን ኣይኰነን" ብምባል፣ ከምቲ ፊሊፖስ ምስቲ ስሉብ ዝገበሮ ኣብ ጕዕዞ እምነት ዜሰንየና መምርሒ ከም ምዃኑ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ እቲ ስሉብ ካብ ነብዪ ኢሳይያስ እተወስደ ጥቕሲ የንብብ ከም ዝነበረ ጠቕሱ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ "ሕማማቱን ሞቱን ትንሳኤኡን፣ ነቲ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዘድሕነና ኢየሱስ" ዝምልከት ጥቕሲ የንብብ ምንባሩ ኣመልከቱ። ኣብኡ ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣምላኽ ፍጻሜ ይረክብ፣ "ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡን ምሉእ ትርጕሙን፣ ናይ መወዳእታ ዕላማኡን ድማ ይገልጽ" በሉ።
ቅዱስነቶም፣ ነቲ ኻብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ ድማ፣ "ብግብሪ ኢየሱስ እቲ ተበጃዊና፣ ነቲ ዅሉ ሳዕ ህያው ዝገብሮ ዝነበረ ህይወት ፈጸሞ። ንዓለም ዳግም ይፈጥራን የድሕናን ንዘለኣለም ድማ የፍቅራ ኢዩ" ብምባል ስብከቶም ቀጸሉ።
ኣብ ወንጌል ክርስቶስ ነቶም ዝሰምዕዎም ሰባት ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፣ ኣብቲ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዘሕለፍዎ ጕዕዞ ድማ ብማና ኣቢሉ ብኸመይ ከም ዝመገቦም ብምዝካር፣ ብዛዕባ "ዘየቋርጽ ሓልዮቱ" ኣዘኻኺርዎም እዩ ክብሉ እውን ኣስተምሃሩ።
እዚ ማና እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "እቲ ኢየሱስ ኪፍጽሞ ዝመጽእ ትእምርትን በረኸትን ተስፋን እዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ፣ ሕጂ ድማ ናብ ቅዱስ ቍርባን ማለት "ዘለኣለማዊ ኺዳን" ከም ዘብጽሓና ኣጕልሑ።
ኦ ኢየሱስ ጐይታና፣ "ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ቅዱስ ቍርባን እንጌራ ዘለኣለማዊ ህይወት ክትከውን ስለ ዝመረጽካ ነመስግነካን ንባርኸካን ኣሎና" በሉ፣ ወሲኾም ድማ "ክርስቶስ ንዓና ዅሉ እዩ!" ኣብኡ ድማ "ምልኣት ህይወትን ትርጕምን ንረክብ ኢና" በሉ።
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኹሉ ስበኹ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ኣምላኽ ኣቐዲሙ ከም ዜፍቅረናን፣" ቃሉ ድማ "ንዓና እቲ ሰናይ ዝኾነ ብሥራት እዩ" ዚብል ሰናይ ዜና ኣብ ግምት ብምእታው፣ "ንዓለም እንሰብከላ ካብዚ ዝዓቢ ነገር የብልናን" ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ።
"ኵላትና ካብታ ዝተጠመቕናላ ዕለት ጀሚርና፣ ናብዚ ወንጌላዊ ተልእኾ ተጸዊዕና ኢና፣ እዚ ድማ ምስጢር ሕውነታዊ ሓድነትን፣ እቲ ዘንጽሕ ማይ ሥሬት ሓጢኣትን፣ ምንጪ ተስፋን ኢዩ" ክብሉ ኣጕልሑ። "ብምስክርነትና ኣዋጅ ድሕነት ብተግባርን ብኣገልግሎት ብምሕረትን እዩ ዝግለጽ፣ ብሓጺሩ ድማ ቤተ-ክርስትያን ንኸውን።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ ውሽጣዊ ህይወትና ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ጥራይ ክተሓሓዝ ከይንፈቕደሉን፣ ንኻልኦት ቦታ ካብ ምንፋግን ኣጠንቂቖም። "ከምዚ ዝኣመሰለ ዕጹው ኣረኣእያ እናሃለወ ኽነሱ፣ ብፍላይ ከኣ ፍትሕን ሓድነትን ኣብ ምግልጋል ንጻዕርታትና ዝድግፍ ፍቕሪ ጐይታ ኢዩ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።
