ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዱዋላ፦ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ንዓመጽን ብልሽውናን ክነጽግዎ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ንግሆ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሩን እትርከብ ከተማ ዱዋላ ብነፋሪት ድሕሪ ምኻዶም 120,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ስታድዩም ጃፖማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ንግሆ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሩን እትርከብ ከተማ ዱዋላ ብነፋሪት ድሕሪ ምኻዶም 120,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ስታድዩም ጃፖማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ንብዙሓት ሕዝቢ እንጌራን ዓሳን ብምብዛሕ ዝገበሮ ተኣምር ኣስተንቲኖም።

ልክዕ ከምቲ ብጊዜ ኢየሱስ ዝነበረሉ እዋን ሰባት እንጌራ ይጠምዩ "ኣምላኽ ሰባት ክጠምዩ እንከለዉ ኣበይ ኣሎ?" ኢሎም ውን ይሓቱ ነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኢየሱስ ንሱን እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትን ነቲ ዝነበሮም ብሓንሳብ ከም ዝካፈልዎ ብምግባር ነዚ ሕቶ እዚ ምላሽ ከም ዝሃበ ገሊጾም።

"ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ንእሽቶ ምግቢ ብምብራኽን፡ ንዅሎም እቶም ዝጠመዩ ብምክፋልን፡ ከቢድ ጸገም ተፈቲሑ፣ እቲ እንጌራን ዓሳን ተኻፊሎም ክወስድዎ እንከለዉ ኢዩ ተባዚሑ፣ እቲ ተኣምራት ከኣ እዚ ኢዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ እንጌራ ብኲናት ክሳዕ ዘይተሰርቀ፡ ብመቝነን ክሳዕ ዘይተኣከበ ወይ ከኣ በቶም ጽጋበይናታት  ክሳዕ ዘይባኽነ፡ ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ምግቢ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲ እቲ ስጋዊ ድሌትና፡ ንሰላምን ናጽነትን ፍትሕን እውን ንጠምዮ ኢና፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓድነትን ይቕረ ምባልን ተግባራትና ድማ "ነቶም ክንክን ዘድልዮም ደቅሰብ ቍራስ እንጌራ" ይኸውን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እዚ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኰነን" ምስ በሉ፣ "እቲ ንኣካላትና ዚድግፍ ምግቢ፡ ብናይ ነፍሲ ዕንጋሎት፡ ንኵሉ ማዕረ ብዝኾነ ፍቕሪ ክስነ ኣለዎ፣ እዚ ምግቢ እዚ ከኣ፡ ንሕልናና ዚድግፍን፡ ኣብ ጸልማት ፍርህን ኣብ ጽላሎት መከራን ዜጸናንዓና ምግቢ ኢዩ።"

ክርስቶስ ኣብ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ገዛእ ርእሱ ይህበና፡ ንቤተክርስትያን ከኣ ይድግፋ፣ ንዓና ከኣ ኣብ ጕዕዞና የበርትዓና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካውያን ቅዱስ ቍርባን ከም ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ ገይሮም ኪቕበልዎ ተማሕጺኖም፣ እዚ ከምቲ እግዚአብሔር ኣቦ ብክርስቶስ ገይሩ ንዘለና ኵሉ ብሓንሳብ ምእንቲ ንክንካፈል ስለ ዝዕድመና ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዕብ ኣቢሎም ኣምላኽ ንዅሉ ኵነታትናን ሓጐስናን ሓዘንናን ከም ዚፈልጥ ብምዝካር ንመንእሰያት ኣፍሪቃ "ብእምነትን ብጽንዓትን ብዕርክነትን ንተውህቦኹም ኣብዝሕዎ" ክብሉ ኣተባብዕዎም።

"ንብጻይኩም እንጌራ ሕይወት ዜምጽኡ ቐዳሞት ገጽን ኣእዳውን ኩኑ፣ ናይ ጥበብ እንጌራ ዓንግልዎም፡ ካብቲ ዘይጠቕሞም ነገራትን፡ ካብቲ ካብ ጽቡቕ ትምኒት ዚሓብኦምን፡ ንክብረቶም ዚሰርቕን ነገራት ኣናግፍዎም” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል ኣምላኽ እና ኣስምዑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል ኣምላኽ እና ኣስምዑ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ነቲ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ካሜሩን ኣብ ግምት ብምግባር ንመንእሰያት ምኽሮም ለጊሶም፣ እዚ ከኣ ምስቲ ብዙሓት ሰባት ዜጋጥሞም ስጋዊ ድኽነት ዚጋጮ ኢዩ።

"ተስፋ ብምቝራጽ ኢድኩም ኣይትሃቡን፣ ነቲ ብቐሊሉ ረብሓ ከም ዚረክብ ዝገልጽ ዘታልል መብጽዓ፡ ግን ከኣ ንልቢ ዜትርርን፡ ስምዒት ዘይብሉ ዝገብርን ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ማህሰይቲ ወይ ዓመጻ ንጽግዎ። ሕዝብኹም ካብዚ መሬት ንላዕሊ ሃብታማት ምዃኖም ኣይትረስዑ፣ ሃብትኻ ኣብ ክብረታትካ፡ እምነትካን፡ ስድራ ቤትካን፡ ተቐባሊ ጋሻ ኣብ ምዃንካን፡ ኣብ ስራሕካን ኢዩ ዝምርኰስ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ መጻኢኦም ተዋሳእቲ ምእንቲ ክዀኑ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወሎም ጸዋዕታ ክስእብዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ንጕልበትኩም ብዜጥፍእን ንምዕባለ ሕብረተሰብ ዘየገልግልን ፈተናታት ንገዛእ ርእስኹም ኣይተበላሽዉ” ክብሉ ውን ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም፡ ንዅሎም ክርስትያና ነቲ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዘውጽእ ወንጌል ክርስቶስ ኪሰብኩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ነቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ ምስባኽ ኪበሃል ከሎ፡ ኣብታ እትሳቐን እተጨቈነትን ሃገር ምልክት ፍትሒ ምግዳፍ ማለት ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ውድድርን ብልሽውናን ከኣ ምልክታት ሰላም፡ ካብ ማሪትን ዘይምግዳስን ሓራ ዜውጽኣና ምልክታት እምነት ምሕዳግ ማለት ኢዩ" ብምባል ስብከቶም ዛዚሞም።

ካሜሩን፡ ዱዋላ መስዋዕተ ቅዳሴ 17 ሚያዝያ 2026
18 Apr 2026, 14:01