ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም መስቀል ተሰኪሞም ጸሎት ፍኖተ መስቀል መሪሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ሚያዝያ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም መስቀል ተሰኪሞም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ምመናን ብማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ተለቪዥንን ሬድዮን ዝተጸንበርዎ ብሽምዓ ዝበርሀ ናይቲ ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን እምነቶም ዝመስከረሉ ጥንታዊ ህንጻ ኮሎሰዩም ቅዱስ ኣቦና መስቀል ተሰኮሞም ዝመርሕዎን ሎዕሊ ሳላሳ ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከም እተኸታተልዎን ዓመታዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ምእመናን ኣብ ቅርዓት ኮሎሴዩም ተኣኪቦም በቲ ሞትን ቀብርን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘኻኽሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፋት መስቀል ኣቢሎም መንፈስዊ ዑደት ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መስቀል ተሰኪሞም ዑደት ክገብሩ እንከለዉ ካብ ወንጌል ዝተወሰዱ ክፍልታት ካብ መንፈሳዊ ድርሳናት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣዚሲ ዝተወዱ ፍራንቸስካዊ ካህን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ዝደረስዎ ኣስተንትኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፋት ከም እተነበ የመላኽት።

ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ኣብ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ፡ ኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክርስትያን ኣብ ሓቀይና ዓለም ከመይ ጌሮም ነቲ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን መለኮታዊ ሓይላት ስጋ ክልብሱ ከም ዝኽእሉ የስተብህሉ።

ኣብቲ ፍኖተ መስቀልን ዝቐረበ ኣስተንትኖን ብናይ ኢየሱስ መበቆላዊ መገዲ ብጸበብቲ ጎደናታት ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ክሳብ ጎልጎታ ስቕለቱን ሞቱን ቀብሩን ንኽንበጽሕ ይሕግዘና።

“ከምቲ ብግዜ ኢየሱስ ዝነበረ፡ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦን ትኹረትና ዝሰርቕን ጫውጫውታ ዝበዝሖን ሃዋህው ክንመላለስ ንረክብ፡ ኣብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት፡ ብዘየካፍሉ ሰባት፡ ግን ከኣ በቶም ንኣኡ ዘላግጹሉ ወይ ብዝጸርፍዎን ብዘባጭውዎን ሰባት ተኸቢብና” ንርከብ . . . መንገዲ መስቀል ነቶም ንፈሪሃ እግዚኣብሔር ቅዱስ እየ ብዘብል ወይ ብረቒቕ ኣገባብ ዝነብርዎን በዚ ኣገባብ እዚ ህይወቶም ንዝመርሑ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኣብ ሓቀይና ዓለም ስጋ ክለብሱ ከም ዘለዎም ዝፈልጥ ሰብ ዝገብሮ ተመክሮ እዩ” እንክብሉ ኣባ ፓተን ኣብ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ የጒልሑ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣባ ፓተን በቲ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ ኣቢሎም ነቲ ሰብኣዊ ግምታት ዛዕባ ስልጣንን ብዘይግቡእ ስልጣን ክንጥቀመሉ እንገብሮ ጻዕርታትን ይነቕፉ፡ ንመስቀል ዘሎና ጽልእን ኣብ ክንዲ ትሕትና ክብሪ ንምድላይን ዘሎና ባህጊ ምስተውዕል። ኢየሱስ ሰለስተ ሳዕ ክወድቕ እንከሎ ብሓይሊ ፍቕሪ ኣቢሉ ናብ ኣቦ ልዕል ምእንቲ ክንብል ኣብኡ ክንውከል ከም ዘሎና የዘኻኽረና።

ምልካውያን ስርዓታት፡ ዘይግደሱ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ገዛእ ርእስና ዘይጥዑይ ህንጡይነትን ንኻልኦት ዕርቃኖም ዘትርፎም ንናይ ገዛእ ርእስና ሰብኣዊ ክብሪ ከም ዘሕስር ኣባ ፓቶን ብምምልካት፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሞት ወዳ ክትዕዘብ እንኮላ፡ ደቂ ኣስንትዮ ወትሩ ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ ደቃተን ከም ዝኾና የዘኻኽረና፡ ንብዓትና ድማ ሰብ ምዃንና ንኽስቆረና ይገብር። ኢየሱስ ኣብ ሞቱ ናብ ኣቦኡ ተመሊሱ ምስኡ ናብ ኣቦ ከም ዝወስደና ኣረጋጊጹልና እዩ፣ እዚ ኸኣ ንስዕረት ዘለኣለማዊ ሞት ንኽንሰብኽ ተልእኾ ብሕድሪ ይህበና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መደምደምታ ጽሎት ፍኖተ መስቀል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክርስትያን ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ “ህይወትና ኣብ ሕብረት ፍቕሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓሞቐ ተሳትፎ ጌርና ክንነብር” ዝብል ዕድመ ዝበቕዓ መልሲ ክህቡ ከም ዝጸለዩ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም መስቀል ተሰኪሞም ጸሎት ፍኖተ መስቀል መሪሖም
04 Apr 2026, 15:58