ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም፡ ዕጥቅን ሞትን ምውጣን ይቋረጽ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ካብ ዝርከቡ ሕጻናት ማእለያ ዘይብሉ ደብዳበታት ከም ዝበጽሖምን እቲ መልእኽቲ ሕጻናት እቲ ገሊኦም ዓበይቲ ብትዕቢት ዚምክሕሉ ዜስካሕክሕን ኢሰብኣውነትን ተግባራት ብዓይኒ ንጹሓት ክትርእዮ ይገብረካ” እንክብሉ ኣብቲ ዕለት 11 ሚያዝያ ምሸት ዝመርሖም መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣስተብሂሎም፡ "ድምጺ ቈልዑ ንስማዕ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ዕለት 5 ሚያዝያ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሮማን ከባቢኣን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ መድብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክካየድ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝሓበሩን ቅዱሰንቶም ኩሉ ሰብ ብኣካል ይኹን ካብ ዘለዎ ቦታ እውን ኮይኑ ኣብዚ መደብ ክጽንበር ዓዲሞም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብጠቕላላ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ምእመናን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።
ጸሎት ንኣኽራን ከንቀሳቕስ ይኽእል እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ካብ ርሑቕ ኮይኖም ንዝተፉ ኩሎም ኣመስጊኖም፣ ጸሎቶ ኩሎም ከምቲ ኢየሱስ ዘዘኻኸሮ ኣኽራን ዘንቀሳቕስ መግለጺ እምነት ምዃኑ ኣመልኪቶም። "ኲናት ይመቓቐል፤ ተስፋ ግን ይጥርነፍ። ትዕቢት ንኻልኦት ይጭፍልቕ፤ ፍቕሪ የልዕል። ኣምልኾ ጣኦት የዕውረና፤ ህያው ኣምላኽ የብርሃልና - ቢሎም - ይኹን እምበር፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ዘሎ መዓተይና ሰዓት ብሓባር ንኽትዋጽኣሉ ንእሽቶ እምነት ጥራይ እዩ . . . ጸሎት "ካብ ሓላፍነትና እንሕባኣሉ መዕቈቢ ወይ ነቲ ብሰንኪ ብዙሕ ምጕዳል ፍትሒ ዘስዓቦ ስቓይ መደንዘዚ" ዘይኰነስ "ንሞት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ስስዐ ዘይብሉን ኣድማሳዊ ለውጢ ዜምጽእን ምላሽ" ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ጽሕፍቶ እዩ ኣብ ዝብል ኣመለኻኽታ ክድርተና ዝኽእል ነገር የለን
ኣብዚ ኵነታት እዚ "ሰባት ንፍትሕን ምሕረትን ብዘይምግዳስ ንሓድሕዶም እናተቐታተሉ ህይወት ከወግዱ ስለ ዝቕጽሉ ዘለዉ፡ ኣብዛ እኹል ናይ መቓብር ስፍራ ዘለዋ ዘይትመስል ዓለም'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ጽሑፍታዊ ዕጫ እዩ ኣብ ዝብል ኣምር ክድርተና ዝኽእል ነገር ሓደ’ኳ የልቦን - ቢሎም - ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ" ዝበልዎን ንውግእ ክንቃወምን ሓላፍነት ኣሎና ዝበልዎ ዘኪሮም፡ ሰላም ክንስዕብ ጸሎት ከመይ ጌይሩ ከም ዝመርሓናን ምእንቲ ሰላም ክንዋሳእ ከም ዝምህረና ብምምልካት፡ "ብጸሎት ድሩት ሰብኣዊ ተኽእሎታትና ምስቲ ደረት ኣልቦ ተኽእሎታት ኣምላኽ ይተሓሓዝ፡ ኣብ ርእሲ እዚውን ሓሳባትን ቃላትን ተግባራትን "ነቲ ኣጋንንታዊ ዑደት እከይ ኣቋሪጹ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚቕመጥ ኣረጋጊጾም፡ ሰይፊ ዘይብሉ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ንእከይ ከም ቀሊል ዘየረኣይሉ፡ ዘይፍትሓዊ መኽሰብ ዘይብሉ፡ ክብርን ምርድዳእን ይቕረታን ጥራይ ዘለዎ መንግስቲ።"
ሓቀይና ሓይሊ ካብ ምግልጋል ህይወት እምበር ካብ ምርኢታት ሓይሊ ኣይመጽእን እዩ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ናይ ስልጣን ምርኢት ይኣክል! ኲናት ይኣክል! ሓቀይና ሓይሊ "ንህይወት ኣብ ምግልጋል እዩ ዝረአ - ቢሎም - ግብረ ገባውን መንፈሳውን ብርታዐ ናይቶም ሎሚ ኣብ ሰላም ክኣምኑ ቍስሊ ክፍውሱን ነቲ ብሰንኪ ዕብዳን ኲናት ዘጋጥም ጕድኣት ንምውጋድን ዝመርጹ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ንኣሽቱን ዓበይትን ንሕበር። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ንጹሃት ቈልዑ ዘስዕቦ ዝሰምብድ ሳዕቤን ብምዝካር ደቂ ሰብ ኣውያቶም ኪሰምዑን ኬዕቍብዎምን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ሃገራት ዘተን ሽግምልናን ክስዕቡ ጻውዒት የቕርቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃገራት ዚወርድ ግዴታዊ ሓላፍነታት" ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ደው በሉ! ናይ ሰላም ግዜ ኣኺሉ እዩ! ኣብ መዓዲ ዘተን ሽምግልናን ደኣ እምበር ኣብቲ ዳግመ ኣጽዋር እተመደበሉን ቀታሊ ስጕምትታት ኣብ ዚውሰንሉን ጠረጴዛ ኮፍ ኣይተብሉ!"
ንኲናት ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን ክንነጽጎ ሓላፍነት ከም ዘሎና ብምምልካት፡
ጸሎት ነቲ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ዘሎ ዓመጻ ኽንሓድጎ ይጽውዓና። ናብቲ ኣብ ኣባይትናን ኣብያተ - ትምህርትናን ጐረባብትናን ኣብ በርገሳውን ሃይማኖታውን ማሕበረሰባት መዓልታዊ ዝሃንጽ መንግስቲ ሰላም ንመለስ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መንግስቲ፡ ብዕርክነትን ናይ ርክብ ባህልን ኣቢልካ ንዝፍጠር ክትዕን ምሩኽ ንምዃንን ኣይፋል ምባል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ደጊምና ኣብ ምዕሩይነትን ሰናይ ፖለቲካን ንእመን
"ኣብ ፍቕርን ሚዛናውነትን ሰናይ ፖለቲካን እንደገና ንእመን። ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ጻውዒት ብምስዓብ ገዛእ ርእስና ክንሃንጽን ብብሕትና ኽንሳተፍን ኣሎና። ኵሉ ሰብ ኣብ ቅንስል (ሞዛይክ) ሰላም ቦታ ኣለዎ! - ቢሎም - መቝጸርያ ልክዕ ከም ካልእ ጥንታዊ ዓይነት ጸሎት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እውን ነቶም ንዝደግምዎ ምእመናን ከም ዝሕብሮም ኣስተብሂሎም፣ . . . በታ እንታይ ትስዕብ ከም ዘላ ብዘይትፈልጥ ዓለም ክንዋሓጥ ኣይንፍቀድ። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ስኒት ናብ ምግልጋል ከምኡውን ቍስሉ ናብ ምሕዋይ ክንምለስ ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝኾነ ሰብኣዊ ስልጣን ንላዕሊ ተኣዝዞ ንኣምላኽ እያ እተስርጽ
ኩላትና ብዘይ ምቁራጽን ከይደኸምናን ክንጽሊ ቃል ምስ እንኣትው ናብ ዓሚቝ ምልዋጥ ልቢ ክንምለስ ኢና . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ዕርቅን ሰላምን ዓቢ ህዝቢ ምዃና ብምዝካር "ስነ - መጎት ኲናት ምንጻግ ናብ ዘይምርድዳእን ንዕቀትን ከብጽሕ ኣብ ዝኽእል እዋን እውን እንተኾነ" ከይተሓለለት ኣብ ጻውዒት ሰላም ከም እትስጉም ኣመልኪቶም። ብፍላይ ብቐጻሊ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ባህርያዊ ክብሪ ካልኦት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ ካብ ዝኾነ ሰብኣዊ ስልጣን ንላዕሊ ወንጌል ሰላም ትእውጅን ንኣምላኽ ተኣዛዝነት ትሰርጽን" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ በዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኩሉ ሕብረተሰብ ብዘተ ከመይ ጌርካ ጽልኢ ከም ዘህድኦ ዝመሃረሉ፡ ፍትሒ ዝፍጸመሉን ይቕረታ ዝኽበረሉን ‘ቤት ሰላም’ ክኸውን ተስፋኦም ገሊጾም። ሕጂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰላም ኡጦብያ ከምዘይኮነ ከነርኢ ኣሎና እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ናብቲ ብዘይ ኣጽዋርን ዓመጽን ንሞት ዝሰዓረ ጎይታ
ኩሎም ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነብዑን ተስፋ ዝገብሩን ከም ብሓድሽ ዝትንስኡን ሓንቲ ስድራ ምዃኖም ገሊጾም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ ስድራቤት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ‘ደጊም መዋጽኦ ዘይብሉ ዝመስል ጉዕዞ ናይ ሓዘንን ዓመጽን ዓንኬን ውግእ ዳጊም ኣይሃሉ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት’ ክቕበሉ ድማ ተላብዮም፡ ኣብ መስቀል ፍረ መስዋእቲ ፍቕሩ ዝኾነ ናይ ተንሳኤ ክርስቶስ ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ ክኸውን ተመንዮን ኣብቲ ዝደግምዎ ናይ ሰላም ጸሎት ኩኩ ክጽንበር ድማ ዓዲሞም ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምዝዛሞም፥
ጎይታ ኢየሱስ
ብዘይ ኣጽዋርን ዓመጽን ንሞት ስዒርካ: ብሓይሊ ሰላም ሓይሉ ዘፍረስካ። ሰላምካ ሃበና፣
ከምቲ ኣብ ወጋሕታ ፋሲካ ብጥርጣረ ንዝተመልኣ ደቂ ኣንስትዮ ዝገበርካዮ፡ ከምቲ ነቶም ብፍርሒ ተሓቢኦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበርካዮ።
መንፈስካ ስደድ፣ ነታ ህይወት እትህብን እትዓርቕን ትንፋስ፣ ንተጻባእትን ጸላእትን ናብ ኣሕዋትን ኣሓትን ትቕይርን... ። ኣብ እግሪ መስቀል ብስቡር ልቢ ደው ኢላ ዝነበረት ማርያም ኣዴኺ ክንውከል ኣነቓቕሓና፣ ከም ብሓድሽ ክትትንስእ ኢኺ ኣብ ዝብል እምነት ኣጽንዓና።
ዕብዳን ኲናት ክቋረጽን፡ ምድሪ ድማ በቶም ክሳብ ሕጂ ህይወት ፈራይት ዝገብሩን ዘፍቅሩን ክትሕብሐብን ክትለምዕን።
ኦ ጎይታ ሕይወት ስምዓና!
ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምጅማር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምመናን ሰላምታ ብምቕራብን፡ ብኵለንተናና ምእንቲ ሰላም ኣብ ምጽላይ ክንጥርንፍ ብምምራጾም" ኣመስጊኖም፡ ሰላም ኩላትና ኣብ ልብና እንስከማ ውህበት እያ ቢሎም፡ “ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ብሓቂ ይንገስ ፡ ንሕና ድማ ተሰከምቲ እዚ መልእኽቲ ንኹን፡ እግዚኣብሔር ጸሎትና ዝሰምዕን ዘሰንየናን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስሙ ኣብ ዝተኣከብሉ፡ ኣነ ኣብ መንጎኦም ኣለኹ” ከም ዝበለና ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ ቅነ ፋሲካ፡ ኣብ መንጎና ዝተንስአ ኢየሱስ ምህላዉ ብዕምቆት ንኣምን፡ ኣብ ጸሎት መቕጸርያ ተጠርኒፍና፡ ኣማላድነት ኣዴና ቅስቲ ድንግል ማርያም እናሓተትና፡ "ምስ ኵሎም ህዝብታት ካብ ኵለን ሃይማኖታትን ካብ ኵሉ ዓሌታትን ምስ ዝመጹ ሓቢርካ ምንባር ዘኽእል ሓድሽ ሰላም ምህናጽ ከም ዚከኣልን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓድነት ዘለዎምን ኵላትና ኣብ ሰላም ዝመልኣ ዓለም ተጠርኒፍና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ክንከውን እንደሊ ኢና” ከም ዝበሉ የመላኽት።
