ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሳልሳይ እግሪ ጉዕዞኦም ኣብ ኣንጎላ ኣትዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሳልሳይ እግሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ኣብ ኣንጎላ - ሉዋንዳ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ቅድሚ ሰዓት 15፡00 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሉዋንዳ ከም ዝኣተዉን፡ ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣንጎላ ክጸንሑን ድሕሪኡ ድማ ናብታ ራብዓይትን ናይ መወዳእታን ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ማለት ናብ ኤኳቶሪያል ጊኒ ክኸዱ እዮም።
ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሉዋንዳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብክልተ ዕምባባ ብዝሓዙ ቆልዑ ዝተሰነዩ ብናይ ሃገረ ኣንጎላ ርእሰ ብሔር ዡዋው ማኑኤል ጎንሳልቨስ ሎረንሳው ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
20 Apr 2026, 10:41
