ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካሜሩን ኣትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዕለት 15 ሚያዝያ ብኣቆጻጽራ ካሜሩን ሰዓት 14፡57 ደቓይቕ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ኒሲማለን መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉን ኣብኡ ድማ ናይ ካመሩን መራሔ መንግስቲ ጆሰፍ ዲዮን ንጉተ ወግዓዊ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎምን ክቡር ዘበዕይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረቦ ሰላምታ ናይ ቫቲካንን ካመሩንን ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መቐበል ዓበይቲ ኣጋይሽ ምስ መራሔ መግንስቲ ካመሩን ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካሜሩን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንኽብሪ ሃገርን ህዝብን መንግስትን ካሜሩን ናብ ቤተ መንግስቲ ብምኻድ ምስ ርእሰ ብሔር ካመሩን ፖውል ባርተለሚ ቢያ ኣስዒቦም እውን ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ምስ ተራኸቡ፡ ኣብቲ ቤት ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘሎ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ ምስ ርእሰ ብሔር ናይ ግሊ ርክብ ድሕሪ ምክያዶም ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ናብ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ብምኻድ ምስ ሰበ ስልጣንን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ካሜሩን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ርእሰ ብሔር ካሜሩን ንኽብሩ ቑስነቶም ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንጓዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ መደረ ክሰም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
