2026.04.10 ር.ሊ.ጳ.፥ ስርዓታት ማሕበራዊ ድሕነት ቁጠባዊ ፍትሕን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ዝጣበቕ ኣለዎ 2026.04.10 ር.ሊ.ጳ.፥ ስርዓታት ማሕበራዊ ድሕነት ቁጠባዊ ፍትሕን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ዝጣበቕ ኣለዎ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ስርዓታት ማሕበራዊ ድሕነት ቁጠባዊ ፍትሕን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ዝጣበቕ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ልኡኽ ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ኢጣልያ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሃገራዊ ስርዓታት ድሕነት ማሕበራዊ ሓላፍነትን ቁጠባዊ ምዕባለን ከስፍሑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ዕለት 10 ሚያዝያ ምስ ኣካየድትን ሰራሕተይናታትን ናይቲ ከም ሃገራዊ ስርዓት ጡረታ ኢጣልያ ኰይኑ ዘገልግል ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ኢጣልያ (INPS) ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ትካል ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘለዉ ብዙሓት ተኣፈፍቲ ዜጋታት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ ኣብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ግደ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ግደ እዚ ንቲ ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ኢጣሊያ "ቍጠባዊ ምዕባለን ሓድነት ማሕበረሰብን ዘጣመረ ማሕበራዊ ሓላፍነት ንምድንፋዕ ውጽኢታዊ ስጕምቲ ንምውሳን ዝድርኾ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መንጎ ሃብትን ምክፍፋልን ዘሎ ዘይምዕሩይነት ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕ ሃብቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰባት ከምዝተዋህለለ ብምምልካት፡ “ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጽንኩር ድኽነት ጥሒሎም፡ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ሕክምናዊ ክንክን፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጸዓት፡ ዝስተ ማይ፡ ከምኡውን መተካእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ጽሬት የብሎምን፡ እንተኾነ ግን ዘይማዕርነት ውጽኢት ጽሑፍታውነት ዘይኮነስ ንፍትሓዊ ምክፍፋል ጸጋታት ንምርግጋጽ ቅንዕናን ግብረ ገባዊ ቡሶላን ዝሓትት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድማስ፡ ንጭቡጥ ድሌታት ሰባት ዝወሃብ ምላሽ፡ ሓደስቲ ነግራት - Rerum novarum ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ዓዋዲ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ነዊሕ ታሪኻዊ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ብምዝካር ብዛዕባ ናይ ስራሕ ዓለምን ንጽጉማት ሓገዝን ዝምልከት ጉዳይ ወትሩ ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዜጋታት ፈጺሞም ኣልቦ ስራሕ ከይኮኑን ሕማም፡ ሓደጋ ወይ እርጋን ምስ ዘጋጥሞም ድሌታቶም ዘማልእ ስርዓት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ንምርግጋጽ ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ሓገዝን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ኩሎም ንሰባት ካብ ስራሕ ዝኽልክል ናይ ህይወት ፍጻመ እንተጋጢምዎም ናይ ድሕነት ሓገዝ ክረኽቡ ሰብኣዊ መሰል ከም ዘለዎም እዚ መሰል እዚ እውን ውሑስ ክኸውን ተማሕጺኖም እዮም፡ ሓላፍነት እውን እዩ፡ ይኹን እምበር ክልቲኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ‘ጽግዕይተይና ሓገዝ’ ንዝብል ጉዳይ ኣትሪሮም ከም ዝነቐፉ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ማሕበረሰባዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ኣብ ኣሃው ኵልነ - Fratelli tutti  ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ናይ ድሕነት ሃገር ናብ ደረጃ ሓቀይና ኣድማሳዊ መሰል” ክብ ብምባል ከም ዘቕርብዎ ድማ ገሊጾም፡ “እቲ ዝቐረበ ኣገባብ፡ ኩሉ ሰብ ‘ብስራሕ ኣቢሉ ክቡር ህይወት’ ንኽነብር፡ ኩሉ ግዜ ንናይ ድሕነት ምትእትታው ንምምራሕ ዝዓለመ፡ ኣብ መትከላት ምትሕግጋዝ፡ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ሰብኣዊ ሕውነትን ዝተመርኮሰ ስርዓተ ምትሕግጋዝ ድሕነት ዝብል እዩ” ኣንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ትካል ጡረታ ኢጣልያ ንዝደኸሙ ንምሕላውን ኣብ ሕንጸት መንእሰያት ስልታዊ ወፍሪ ንምግባርን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ "ዋላ'ውን ኣብ ቅድሚ ኣድላይነት ዘላቕነት ናይቲ ስርዓት ውሕስነት ምሃብ፡ ተወፋይነትኩም ኩሉ ግዜ ብደረጃ ጡረታን ነቲ ሰራሕተይና ኣብ ሞያዊ መንገዱ ኣብ ምስናይን፡ ንሓባራዊ ኣካሊትን ፍትሓውነቱን'ውን ክቐንዕ ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘሎ ስርዓተ ዕዮ ኣዝዩ ዝተቐየረ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ምዕባለ ኣብ ግዝያዊ፡ ሓሓሊፉ ወይ ኣብ ናጻ ስራሕ ዝተመርኮሰ ቁጠባዊ ኣገባብ ናብ ሰደድን ዕብየትን ዕድላት ስራሕ ዝመርሕ ዕውለማ ኣብ መንገድታት ሞያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉእነትን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፡ “ዝኾነ ሰብ ሓቀይና ሰብኣዊ ህይወት ክነብር ክብርን ናጽነትን ከይስእን”፡ ኣካየድቲ ስራሕን ሰራሕተይናታትን ሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ኢጣልያ - INPS ንሰብኣውነት ኣብ ማእከል ጻዕሮም ከጽንዑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

11 Apr 2026, 16:57