ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ከም ጓሳ መጠን ንውግእ ክድግፍ ኣይክእልን እየ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሮማ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ብዛዕባ ወንጌል ንኩሎም ህዝብታት ናይ ምእዋጅ ተልእኾኦም ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰነይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሆም ኣብ ኢራንን ሊባኖስን ዝተኻየዱ ውግኣት ግዳያት ህጻናት ከም ዝዘከሩን፣ ናይ ሞት ፍርዲ ከም ዝኾነኑን፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበር ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ሰናይ መዓልቲ ንኹልኹም፡ ጽቡቕ ክትህልዉ ድማ ተስፋ እገብር” . . . እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዘስነይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ነዊሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ካብ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ተሰናቢቶም ዕለት 23 ሚያዝያ ናብ ሮማ ኣብ ዝመለሱላ ነፋሪት ንገለ ካብቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰነይዎም ኣስታት 70 ልኡካን ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኲናት፡ ብዛዕባ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን፡ ስደት፡ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ከምኡ’ውን ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ቡራኬ ምሃብ ወይ ዘይምሃብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ መብርሂ  ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

[ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14፡ ብቋንቋ ጣልያን፡] ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣፍሪቃ ክገይሽ እንከለኹ ምስ ገዛእ ርእሰይ እየ ዝዛረብ ዝነበርኩ እቲ ተመኩሮ ናውልቀይ እዩ ዝነበረ፣ ሎሚ ግና ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳስ ሮማ፣ ልዕሊ ኹሉ ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንምርኻብን ንምስናይን ንምፍላጥን ዝብል ኖላዊ - ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዚግለጽ ተገዳስነት ዝያዳ ፖለቲካዊ እዩ፦ 'ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ወይ እቲ ጕዳይ እንታይ ይብል? ስለምንታይ ንመንግስቲ ሓንቲ ሃገር ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይፈርድ?' ብርግጽ ብዙሕ ዝዝረብ ነገራት ኣሎ። ብዛዕባ ፍትሒ ተዛሪበ እየ፣ እዚ ጕዳያት እዚ ድማ ኣብኡ ኣሎ።

እዚ ግን ቀዳማይ ኣገዳስነት ናይቲ ጎዕዞ ኣይኮነን፡ እቲ ጉዕዞ፡ ወንጌል ምስባኽ መልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምእዋጅ ዘሎና ባህጊ መግለጺ እዩ፣ እዚ ድማ ንህዝቢ ብሓጐሶምን ብዕምቈት እምነቶምን ኣብ ስቓዮም ቀረባ ንምዃን ዘኽእል መገዲ እዩ።

ኣብኡ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ርእይቶ ምሃብ ወይ ሰባት ባዕሎም ሓላፍነት ህይወቶም ንኽወስዱ ዘተባብዓሉ መገዲ ምድላይ ከም ዘድሊ ንጹር እዩ። ምስ መራሕቲ ሃገራት ምዝርራብ፡ ለውጢ ኣተሓሳስባ ወይ ዝያዳ ክፉትነት ዝምልከት ጉዳይ ንምሕሳብ ብዛዕባ ናይ ሓባር ረብሓ ምትብባዕ፡ ከምኡ’ውን ከም ምምቕራሕ ጸጋታት ሓንቲ ሃገር ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ግምት ምእታው’ውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ዝገበርናዮ ዝርርባት ዝተንከፍናዮ ጉዳያት እዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ዘገድስ በዚ ኒሕ ንህዝቢ ብቐረባ ርኢናዮን ተራኺብናዮን ኢና።

ብኹሉ በዚ ዝገበርክዎ ጉዕዞ ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢኳቶርያል ጊኒ ምርኻብ፣ ምስናይን ብሓባር ምጉዓዝን ግን ብሓቂ በረኸት እዩ ነይሩ፣ . . . እዚ ርክብ እዚ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ኣነብዕሎ እምነትና ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣናይ ምክፋል ምልክት እዩ ነይሩ እንክብሉ ድሕሪ ዝሃብዎ ሓጺር መብርሂ፥

ኢግናዝዮ ኢንግራው (Tg1)፦ ቅዱስነትኩም በዚ ብርክባትን ዛንታታትን ወጅህታትን ሃብታም ዝኾነ ጉዕዞ የቐንየልና። ኣብቲ ኣብ ባመንዳ ካሜሩን ዝተኻየደ ናይ ሰላም መድርኽ፡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጃንዳታት ነታ እንነብረላ መሬት ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘጋጥማ ዘሎ ዓለም ተዛሪብኩም፡ ሰላም እትምህዞ ዘይኮነስ ብሓጎስ እትቕበሎ ውህበት እዩ ኢልኩም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ህውከት ዘሎ ዘተ ግጭት ኢራን፡ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ዘለዎ ከቢድ ጽልዋ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ በርገሳዊ ማሕበራትን ተማሃሮን እውን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ነዚ ኩናት እዚ ከም ዝተቓወምዎን፡ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ዘተ ዝምልከት ዘሎ ዓለምለኻዊ ስክፍታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኢራን ለውጢ ስርዓት ክህሉ ተስፋ ትገብሩ ዶ? ንኣመሪካ፡ ኢራንን እስራኤልን ነቲ ዕጽዋ ንምብታኽን ነቲ ምብራኽ ኩናት ደው ንምባልን እንታይ ጻውዒት ተቕርቡ? ከምኡ’ውን ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራትን ኤውሮጳን ዝያዳ ክሳተፉ ኣለዎም ዶ ትብሉ?

[ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14፡ ብቋንቋ ጣልያን፡] ሓድሽ ኣተሓሳስባን ባህሊ ሰላምን ከነስፍሕ ኣሎና። ብዙሕ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ኩነታት ክንመዝን እንኮለና፡ እቲ ቅጽበታዊ መልሲ፡ ብዓመጽ፡ ብኲናት፡ ብመጥቃዕቲ ክንዋሳእ ኣሎና ዝብል እዩ፡ ከምቲ ዝራእናዮ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ህጻናት ስድራ ቤት ዝመጸት ሰታሪት ሕጂ ርእየ ኣለኹ። ብዛዕባ ኣብቲ ፍጻመ ዝሞቱ ደቆም፡ ብኸመይ ከም ዝሰኣኑዎም ይዛረቡ። ስለዚ እቲ ጉዳይ ለውጢ ስርዓት ኣሎ ድዩ የለን ዝብል ኣይኮነን፤ እቲ ጉዳይ ብዘይ ሞት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ከመይ ጌርና ነቲ እንኣምነሉ ክብርታት ነስፍሖ ዝብል እዩ።

ኩነታት ኢራን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብንጹር ይርአ። ዋላ እቲ ዘተ ንባዕሉ - ሓደ መዓልቲ ኢራን እወ ትብል ሕ.መ. ኣመሪካ ድማ ኣይፋል ትብል፡ ብኣንጻሩ ድማ-ነገራት ናበይ ገጾም ከም ዝኸዱ ኣይንፈልጥን። እዚ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦን ንዓለማዊ ቁጠባ ወሳንን ኩነታት ፈጢሩ እንተሎ፡ ኣብ ኢራን ግን ብሰንኪ እዚ ኲናት ዝሳቐ ዘሎ ምሉእ ንጹሕ ህዝቢ እዩ። ስለዚ እቲ ሕቶ ለውጢ ስርዓት ኣሎ ወይ የሎን ዝብል ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ብዘይ ሞት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ነቲ እንኣምነሉ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ብኸመይ ከም እነነቓቕሖ እዩ። ንሰላም ዝግበር ዘተ ምቕጻል፡ ኩሎም ወገናት ሰላም ንምድንፋዕ፡ ስግኣት ኲናት ንምእላይ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባር ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ መተባባዕኩ። ንጹሃት ሰባት ክሕለዉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዘይተፈጸመ።

ስእሊ ሓደ ኣስላማይ ቈልዓ ናብ ሊባኖስ ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን "ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ዚብል ጽሑፍ ሒዙ ክጽበ እንከሎ ዘርእይ ምሳይ ኣሎ፡ እዚ ሕጻና እዚ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ደረጃ እቲ ውግእ ተቐቲሉ። ብዙሓት ሰብኣዊ ዅነታት ኣለዉ በዚ ቓላት እዚ ኽንሓስብ ንኽእል ኢና ኢለ እየ ዝሓስብ። ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን ከም ጓሳ መጠን ንውግእ ክድግፍ ኣይክእልን እየ። ኵሉ ሰብ ካብ ጽልእን ምክፍፋልን ዘይኰነስ ካብ ባህሊ ሰላም ዝመጽእ መልሲ ንምድላይ ጻዕሪ ኽገብር ከተባብዕ እየ ዝደሊ” ኢሎም።

ኢቫ ፈርናንደዝ (ራድዮ ኮፕ)፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኤውሮጳ ክገሹ ካብ ዝምነዩላን ዝሓልሙላን ኣህጉር ንወጽእ ኣለና። ቀጻሊ መገሻኹም ናብ ስጳይና ክኸውን እዩ፡ ኣብኡ ጉዳይ ስደት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ደሴታት ካናሪ። ኣብ ስጳይና ዝፍጸም ስደት ዓቢ ክትዕን ውልትውናን (ቀጽራውነት) ከም ዘመንጩ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብ ካቶሊካውያን ከይተረፈ ንጹር መርገጺ የሎን። ንስጳይናውያን ብፍላይ ድማ ንካቶሊካውያን ብዛዕባ ስደት እንታይ ክንብሎም ንኽእል? ከምኡ’ውን፡ እንተፈቒድኩምለይ: እቲ ዝቕጽል መገሻ ናብ ስጳይና ክኸውን’ዩ፡ ግን ናብ ፔሩ’ውን ክትገሹ ከም እትደልዩ ንፈልጥ ኢና፡ ምናልባት’ውን ናብ ኣርጀንቲናን ኡራጋይን፡ ምናልባት’ውን ንእመቤትና ጓዳሉፕ ሰላም ክትብሉ’ውን?

[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብቋንቋ ስጳኛ፡] ጉዳይ ስደት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ንብዙሓት ሃገራት ዝጸሉን ኮይኑ፡ ስጳይና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነ፤ ዓለምለኻዊ ተርእዮ እዩ።

ስለዚ፡ መልሰይ ብሓንቲ ሕቶ እዩ ዝጅምር፡ ሰሜናዊ ዓለም ካብ ደቡባዊ ዓለም፡ ወይ ካብተን ሎሚ መንእሰያት መጻኢ ክረኽቡለን ዘይክእሉለን ዘይክእሉለን ሃገራት፡ ናብ ሰሜን ክግዕዛ ዝሓልሙለን ሃገራት ንምሕጋዝ እንታይ ይገብር ኣሎ? ኩሉ ሰብ ናብ ሰሜን ክኸይድ ይደሊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሰሜን ብኸመይ ዕድላት ከም ዝህቦም መልሲ የብሉን። ብዙሓት ይሳቐዩ . . . ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት እውን ኣካል ስደት እዩ።

ብውልቀይ ሓንቲ ሃገር ዶባታ ናይ ምቁጽጻር መሰል ኣለዋ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኩሉ ሰብ ብዘይ ስርዓት ክኣቱ ክፍቀደሉ ኣለዎ ማለተይ ኣይኮንኩን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብተን መዕለቢ ሃገራት ካብቲ ዝገደፍዎ ንላዕሊ ዘይፍትሓዊ ኩነታት ይፈጥር። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ንነብሰይ እሓታ: ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ኩነታት ንምቕያር ኣብ ዝሃብተማ ሃገራት እንታይ ንገብር ኣሎና? ስለምንታይ ኢና ብመንግስታዊ ሓገዝ ይኹን ብወፍሪ ዓበይቲ ሃብታማት ትካላትን ብዙሕ ሃገራትን ኣብ ከምዘን ኣብዚ ዑደት ዝበጻሕናየን ሃገራት ኩነታት ክንቅይር ዘይንፍትን?

ኣፍሪቃ መብዛሕትኡ ግዜ ብብዙሓት ከምታ ዝዕደና፣ ሃብታ ንረብሓ ካልኦት ሃገራት ከም ተሃዳኒት ቦታ እያ ትረአ። ምናልባት ብዓለም ደረጃ ኣብዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፍትሕን ማዕርነትን ምዕባለን ንምስፋን ዝያዳ ክንሰርሕ ይግባእ፡ ምእንቲ ሰባት ናብ ካልኦት ሃገራት ስደት ከየድልዮም፡ እንኮላይ ናብ ስጳይና ወዘተ።

ካልእ ክገልጾ ዝደሊ ነጥቢ ድማ፡ ብዝኾነ መንገዲ፡ ደቂ ሰባት እዮም፡ ንደቂ ሰባት ድማ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ካብ እንስሳታት ብዝኸፍእ ደረጃ ክንሕዞም ዘይኮነስ ብሰብኣዊ ኣገባብ ክንሕዞም ይግባእ። ኣዝዩ ዓቢ ብድሆ እዩ፡ ሓንቲ ሃገር ካብ ዝተወሰነ ቁጽሪ ንላዕሊ ሰብ ክትቅበል ኣይክእልን እየ ክትብል ትኽእል እያ: ሰባት ምስ በጽሑ ግን ደቂ ሰባት ስለዝኾኑ ብሰንኪ ክብረቶም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዝግበኦ ክብሪ ክሕለወሎም ይግባእ።

ሕቶ፡- ዝቕጽል ጉዕዞታትከ?

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝርከባ ሓያሎ ሃገራት ክበጽሕ ብርቱዕ ድሌት ኣሎኒ። ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ነገር የለን፤ ክንጽበን ክንርኢን ኢና እንክብሉ ይምልሱ።

ኣርተር ሄርሊን (ፓሪስ)፡ ቅዱስ ኣቦና ስለቲ ዘገርም ጉዕዞ ብስም ኩሎም ፈረንሳውያን መሳርሕተይ ኣዝየ የመስግነኩም። ዘደንቕ እዩ ነይሩ። ኣብዚ መገሻ እዚ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ምልካውያን ዝኾኑ መራሕቲ ተራኺብኩም ሓቀይ? ህላወኹም ነዞም ስርዓታት ግብረ ገባዊ ስልጣን ከም ዘለዎም ዝገብር ከይመስል እንታይ ክግበር ኣለዎ?

[ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14፡ ብእንግሊዘይና፡] ስለቲ ሕቶኻ የቐንየለይ። ብርግጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዝኾነ መራሒ ሃገር ክራኸብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትርጎም ይከኣል እዩ። . . . ናብቲ ኣብ መጀመርያ ዝገለጽክዎ ነገር ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ዕላማ እቲ ኣነ ዝገብሮ ጕዕዞ ክምለስ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎን እቲ ስርዓት ቅድስቲ መንበር ሓድሓደ ግዜ ምስ ሃገራት ዓለም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ንምዕቃብ ዓብዪ መስዋእቲ ምግባር ከም ዘድሊ ዝገልጽ ኣገዳስነት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ምስ ውልቀ - ምልካውያን መራሕቲ ዘለወን ሃገራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣሎና።

ምስኦም ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ደረጃ ብወግዓዊ ደረጃ ናይ ምዝታይ ኣጋጣሚ ኣሎና። ኵሉ ሳዕ ዓብዪ ኣዋጃት ኣይንገብርን ኢና—ምንቃፍ ምፍራድ ወይ ኵነኔ። እንተዀነ ግን ፍትሒ ንምድንፋዕ ሰብኣዊ ጕዳያት ንምድንፋዕ ሓድሓደ ግዜ ፖለቲካዊ እሱራት ክህልዉ ዝኽእሉ ዅነታት ምልላይን ሓራ ዝወጹሉ መገዲ ንምድላይን ብድሕሪ መጋረጃ ብዙሕ ዕዮ ይካየድ ኣሎ። ጥሜት ሕማም ወዘተ ዝምልከት እውን።

ስለዚ ቅድስቲ መንበር፡ እንተደሊኹም ገለልተይናነነት ብምዕቃብን ምስ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎና እወንታዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ክንቅጽለሉ እንኽእል መንገዲ ብምድላይን፡ ብሓቂ ህይወት ሰባት ምእንቲ ክመሓየሽ፡ ወንጌል ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ንምትግባር ዝሕግዝ መንገዲ ክንረክብ ንጽዕር።

ሰባት ነቲ ዝተረፈ ከም ድላዮም ክትርጉምዎ እዮም፡ ንዓና ግን ንህዝቢ ዝኾነት ሃገር ቀረባ ክንከውንን ክንሕግዝን ብዝከኣለና ዝበለጸ መንገዲ ምድላይ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ቨሬና ስቴፋኒ ሻልተር (ኣርድ ሩንድፋንክ)፡ ቅዱስ ኣቦና ናብ ዓለማዊ ደቡብ ንፈለማ እዋን ስለ ዝገበርክምዎ ጉዕዞ አመስግን። ብዙሕ ኒሕን ፍስሃን ርኢና፤ ንዓኹም እውን ኣዝዩ እወታዊ እዩ ነይሩ ቢለ ክግምት እኽእል እየ። ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ሊቀ ጳጳሳት ሙኒክን ፍረይዚንግን ኣብ ሃገረ ስብከቶም ንቡራኬ ሓደኣዊ ጾታዊ መጻምድቲ ፍቓድ ሂቦም ዝብል ውሳነ ብኸመይ ከም እትግምግምዎ ክፈልጥ ደስ ምበለኒ፣ ብመንጽር ዝተፈላለየ ባህላውን ቲዮሎጊያዊ ኣረኣእያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ፍሉይ ጉዳይ ሓድነት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ክትዕቅቡ ትሓስቡ?

[ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14፡ ብእንግሊዝይና፡] ብመጀመርታ ሓድነት ወይ ምፍልላይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዙርያ ጾታዊ ጉዳያት ክዘውር ከምዘይብሉ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ግብረ ገባዊ ጉዳያት ክትዛረብ እንኮላ፡ እቲ እንኮ ጉዳይ ብዛዕባ ግብረ ገባዊ ጾታዊ ርክብ ገይርና ክንሓስብ ንውዕል። ከምኡ’ውን ኣብ ክውንነት፡ ኣዝዮም ዝዓበዩ፡ ኣገደስቲ ጉዳያት ከም ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ናጽነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፡ ኩሎም ቅድሚ እቲ ፍሉይ ጉዳይ ቀዳምነት ዝወሃቦም ከም ዘለዉ እኣምን። ቅድስቲ መንበር ድሮ ምስ ናይ ጀርመን ጳጳሳት ተዘራሪባ ኣላ።

ቅድስቲ መንበር ብወግዓዊ ቡራኬ መጻምድቲ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከምቲ ዝሓተትካዮ ንሓዳእዊ ጾታ መጻምድቲ፡ ወይ ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ዝርከቡ መጻምድቲ፡ ኪኖ’ቲ ብፍሉይ፡ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሎም ሰባት ቡራኬ ክረኽቡ ኣለዎም ከም ዝበለዎ፡ እዚ ግን ወግዓዊ ቡራኬ ማለት ከም ዘይኮነ ብንጹር ገሊጻቶ ኣላ።

ሓደ ካህን ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ቡራኬ ኪህብ እንከሎ ጳጳስ ኣብ መወዳእታ እቲ ሎሚ ዝገበርናዮ ዓብዪ በዓል ኪባርኽ እንከሎ ንዅሎም ሰባት በረኸት እዩ። ፍራንቸስኮስ "ኵሉ ዅሉ" ዚብል ህቡብ መግለጺ፡ መግለጺ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ተቐባልነት ኣለዎም ዝብል እምነት እዩ፡ ኵሉ ሰብ ተዓዲሙ ኣሎ፣ ኵሉ ሰብ ንኢየሱስ ክስዕብ ተዓዲሙ እዩ፡ ኵሉ ሰብ ከኣ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብር ይዕደም።

ሎሚ ካብዚ ሓሊፍካ ንምስጋር እቲ ርእሰ ነገር ካብ ሓድነት ንላዕሊ ምክፍፋል ከምጽእ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ሓድነትና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ዝምህሮ ነገራትን ክንሃንጽ እንኽእለሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና። ስለዚ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኸምኡ ገይረ እየ ዝምልሳ።

ኣነሊስ ታጋርት (ኒውስማክስ ቲቪ)፡ ቅዱስ ኣቦና ብጣዕሚ አመስግነኩም። ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ሰባት ንፍትሒ ብኸመይ ከም ዝጠምዩን ከም ዝጸምኡን ተዛሪብኩም ኢኹም። ሎሚ ንግሆ ኢራን ንኻልእ ተቓዋሚ ከም ዝቐተለ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ንብዙሓት ካልኦት ሰባት ብግህዶ ከም ዝሰቐለን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ከም ዝቐተለን ተገሊጹ ኣሎ። ነዚ ተግባራት እዚ ትዅንንዎ ዶ? ንስርዓት ኢራን ዝዀነ ይኹን ከተመሓላልፍዎ ኣተድልይዎ መልእኽቲ ኣሎኩምዶ?

[ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14፡ ብእንግሊዝይና፡] ንኹሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እኹንኖ። ህይወት ሰባት ምምንዛዕ እኹንኖ። ናይ ሞት መቕጻዕቲ ወይ ፍርዲ እኹንኖ። ህይወት ወዲ ሰብ ክኽበር ከም ዘለዎን ኩሎም ሰባት - ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት - ህይወቶም ክኽበርን ክሕሎን ከም ዘለዎን እኣምን።

ስለዚ ሓደ ስርዓት፡ ሃገር ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ህይወት ካልኦት ሰባት ዝምንዝዕ ውሳነታት ክወስድ እንከሎ፡ እዚ ውሳነ እዚ ክኹነን ዝግበኦ ነገር ምዃኑ ርዱእ እዩ፥ እንክብሉ ከም ዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

24 Apr 2026, 15:35