ር. ሊ. ጳ.፡ እቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝገብርክዎ ምብጻሕ ኣብ ግዜ ኲናት ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ካብቲ ካብ ዕለት 13 ክሳዕ 23 ሚያዝያ ኣብ ኣህጉር ኣብፍሪቃ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ናብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገበርዎ፣ ናይ ቀረባ እዋን ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ዘለዎም ምስክርነት ብምክፋል፣ እተፈላለየ ጕሉሕ ነጥብታት ዑደቶም ይዝክሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ "ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ንኽገብርን፣ ኣብዚ ታሪኽ ውግእን ብተደጋጋሚ ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣብ ዝመልአሉ እዋን፣ ከም መልእኽቲ ሰላም ገይረ ክርእዮ ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ ንኣምላኽ አመስግኖ" ክብሉ ምስክረቶም ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ካብ ዕለት 13 ክሳዕ 23 ሚያዝያ ኣብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ በጺሖም፣ ኣብኡ ድማ ኣሰር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምስዓብ፣ ኣብቲ ውጥረት ዝመልአ ኸባቢታት ሰላም ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ፣ እዚ ጻዊዒቶም ድማ በቶም ዝዝምሩን ብሓጐስ ዝስዕስዑን ዝበበሩ ምእመናን ከምኡውን ካልኦት ሰባት ፍሉይ ተቕባል ተገብረሎም።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ምስክርነት ነቕርበልኩም ሰናይ ምክትታል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

         ሎሚ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕልት 13 ክሳዕ 23 ሚያዝያ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገበርክዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ከዘንትወልኩም እደሊ።

         ናብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝድይብ ኣትሒዘ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዘለውኒ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እሓስብ ነበርኩ ። ከም ጓሳ መጠን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ንኽራኸብን ንኸተባብዖምን ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ ድማ ንጐይታ አመስግኖ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ ታሪኽና ውግእን ከቢድን ተደጋጋምን ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ዘሎ እዋን፣ ከም ልኡኽ ሰላም ክርእይዎ ድማ እምነ። ነቶም እተቐበሉኒ ጳጳሳትን ሲቪላያን ሰበ-ስልጣንን፣ ከምኡ ውን ንዅሎም እቶም ነቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ምውዳብ ዝሓገዙ ውን ልባዊ ምስጋናይ እገጸሎም።

         ሓልዮት ኣምላኽ ከም ዝገበሮ ድማ፣ እቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ኣብቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘገልግለሉ ዝነብረ ቦታ ማለት ኣልጀርያ ኪኸውን ፈቒዱለይ። ስለዚ በቲ ሓደ ሸነኽ ንመበቈል መንፈሳዊ መንነተይ ዳግመ ሜመያ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሎሚ ንዓለምን ንቤተ-ክርስትያንን ኣዝዩ ኣገዳስቲ ዝኾኑ ድልድላት ክሰግርን ከደልድሎን ጀሚረ ኣሎኹ - እቲ ኣዝዩ ፍረ ዘለዎ ዕድመ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ዘለውዎ ድልድል፣ ድልድል ምስ እስላማዊ ዓለም፤ ከምኡውን ድልድል ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምህናጽ ኢዩ ዝነበረ ዕላማይ።

         ኣብ ኣልጀርያ ኣኽብሮት ዝመልኦ ጥራይ ዘይኰነስ ምዉቕ ኣቀባብላ ኢዩ ተገብረለይ፣ ንገዛእ ርእስና ደቂ ሓደ መሓሪ ኣቦ ምዃንና ኣፍልጦ ምስ እንህብ፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ከይተረፈ ብሓባር ክንነብር ከም እንኽእል፣ ብዓይንና ክንርኢ ክኢልና ኣሎና። ብተወሳኺ ውን ካብ ኣብነት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንኽንመሃር እዋናዊ ኣጋጣሚ እዩ ዝነበር፦ ንሱ ብተመክሮ ህይወቱን ጽሑፋቱን መንፈሳውነቱን ንኣምላኽን ሓቅን ኣብ ምድላይ ክኢላ መምህር ኢዩ ዝንበረ። እዚ ምስክርነት እዚ ድማ ሎሚ ውን ንክርስትያን ምእመናን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ።

         ኣብተን ቀጺለን ዝበጻሕክወን ሰለስተ ሃገራት ድማ ብዝሒ ህዝቢ ብቐንዱ ድማ ክርስትያን ዝነብርወን ሃገራት ኢየን ዝንበራ፣ ስለዚ ድማ በቲ ባህርይ ህዝቢ ኣፍሪቃ እተመሓየሸ ናይ እምነትን ምዉቕ ኣቀባብላን ሃዋህው ተመሲጠ ነበርኩ። ልክዕ ከምቶም ቅድመርይ ዝነበሩ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ተራኸበ ከም ዘጋጠሞ ነጋራት ኢየ ዝተሞከርኩ፣ ንሱ ድማ ንፍትሒ ክጸምኡን ኪጠምዩን ረኣዮም፣ "ድኻታት ብጹኣን ኢዮም፣ ትሑታት ብጹኣን ኢዮም፣ ገበርቲ ሰላም ከኣ ብጹኣን እዮም" ክብል ኣወጀሎም፣ ንእምነቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ "ንስኻትኩም ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኢኹም" በሎም። (ማቴ 5:1-16 ርአ)

         እቲ ናብ ሃገረ ካሜሩን ዝገበርክዎ ምብጻሕ ድማ፣ ነቲ ንዕርቅን ሰላምን ብሓባር ንክዓዪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ከደልድሎ ሓጊዙኒ እዩ፣ ከመይሲ እታ ሃገር እውን ብውጥረትን ዓመጽን እያ እትፍለጥ ዘላ። ናብታ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝዝረበሉ ከባቢ እትርከብ ከትማ ባሜንዳ ብምኻደይ ድማ ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ኣብኡ ኸኣ ሰባት ንሰላም ብሓባር ኪዓዩ ኣተባባዕኩዎም። ሃገረ ካሜሩን ንበበይኑ ዝዓይነቱን ሃብታምን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘለዎ ኣከባቢኣን ጸጋታታን ብምጥቃስ፣ "እታ ንእሽቶ ኣፍሪቃ" ተባሂላ ትፍለጥ እኳ እንተ ዀነት፣ ነዚ መግለጺ እዚ ግን ኣብ ካሜሩን ዘሎ ዓብዪ ድሌት፣ እቲ መላእ ኣህጉር ከም ዝደልዮ ዘሎ ጌርና ኽንትርጕሞ ንኽእል ኢና፦ ኣድላይነት ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ፣ ከምኡ ውን ንመንእሰያት ቦታ ምፍጣር ዘሎ ኣድላይነት፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማማት ብምስዓር፣ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ሓደስቲ-መግዛእትታት ድማ ብኣርሒቑ ዝርኢ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ንምቅዋም፣ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ዳግመ-መግዛእቲ ንምቅዋም ኣድላዪ ኢዩ። ነታ ኣብ ሃገረ ካሜሩን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ንዅሎም ህዝቢ ካሜሩንን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ስለ ዝተቐበሉኒ ድማ የመስግኖም ኣሎኹ፣ እቲ ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እተራእየ መንፈስ ሓድነት ህያው ኪኸውንን ንመጻኢ ምርጫታትን ተግባራትን ክመርሖም ድማ እጽሊ ኣሎኹ።

         ብሳልሳይ ደረጃ እቲ ጕዕዞ ኣብታ ኻብ ቅናት ምድሪ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እትርከብ ኣንጎላ እትበሃል ሃገር፣ ምስ መግዛእቲ ፖርቱጋል እተተሓሓዘትን ንዘመናት ዝጸንሐ ክርስትያናዊ ትውፊት ዘለዋ ዓባይ ሃገር ዝገበርክዎ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ። ሃገረ ኣንጎላ ልክዕ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፣ ነዊሕን ደማውን ውግእ ሓድሕድ ዝመልኦ ሽግርን እዋንን ኣሕሊፋ እያ። ኣብዚ መስቀላዊ ታሪኽ እዚ፣ ኣምላኽ ንቤተክርስትያን መሪሕዋን ኣጽርይዋን ኢዩ፣ ብዝያዳ ከአ ናብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌልን ሰብኣዊ ምዕባሌን ዕርቅን ሰላምን ብምቕያር ኢዩ ዘሓደሳ። ነጻ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ንናጻ ዝኾነ ህዝቢ! ኣብቲ ኣብ ቤተ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ኣደ ሙክሲማ – ትርጉሙ ድማ "ኣደ ልቢ" ማለት ኢዩ – ህርፋን ልቢ ህዝቢ ኣንጎላ ተሰምዓኒ። ኣብ እተፈላለየ ዘካየድናዮ ጉባኤታት ከኣ ካብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ማእከል ህዝቦም ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ኪንበዩ ብምርኣየይ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሓጐሰኒ። ምሉእ ብምሉእ ንረብሓ ማሕበረሰብ ዝውፍዩ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ኣባኡ ረኣኹ፣ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብጻዕርን መከራን ኪሳቐዩ ኸለዉን፣ ግን ከኣ ብሓጐስ ወንጌል ዜንጸባርቑ እውን ርእየ ኣሎኹ። ኣንስትን ሰብኡትን ነቲ ብስነ-ሓሳባትን ባዶ መብጽዓታት ሓያላትን ዘስዓቦ ተስፋ ቍርጸት፣ በቲ መሰረት ተስፋና ዝዀነ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ብናይ ውዳሰ መዛሙራት ክስዕስዑን ክዘሉን ከለዉ ረኣኹ።

እዚ ተስፋ እዚ ጭቡጥ ቈራጽነት ዝሓትት ኢዩ፣ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብምስክርነትን ብትብዓት ምስክርነት ቃል ኣምላኽን ንመሰላት ኵሉ ሰብ ኣፍልጦ ናይ ምሃብን፣ ሓቀይና ኣኽብሮት ናይ ምድልዳልን ሓላፍነት ኣለዋ። ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣን ሃገረ ኣንጎላ ዀነ፣ ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ከይተረፈ፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ጽላት ትምህርትን፣ ነዚ ኣበርክቶ እዚ ኽትቅጽል ፍቓደኛ ምዃና ከረጋግጸሎም ክኢለ።

እታ ናይ መወዳእታ ዝበጻሕክዋ ሃገር ድማ ኤኳቶሪያል ጊኒ እያ ዝንበረት፣ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ወንጌል ካብ ዝተሰብከላ ግዜ ድሕሪ 170 ዓመት ኢዩ ዝንበረ። ህዝቢ ጊኒ ብጥበብን ትውፊትን ብርሃን ክርስቶስን፣ ነቲ ኣብ ታሪኾም ዘጋጠመ ለውጥታት ሰጊሮም፣ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓባር ናብ መጻኢ ተስፋ ንምጕዓዝ ዝገበርዎ ቘራጽነት ብዓብዪ ውዕዉዕ ስምዒት ኣሐደሱ።

ኣብ ከተማ ባታ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመኒ ነገር ከአ ክርስዖ ኣይክእልን ኢየ፣ እቶም እሱራት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምእንቲ ሓጢኣቶምን ናጽነቶምን ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ" ብምሕታት፣ ንኣምላኽን ንጳጳስን ናይ ምስጋና መዝሙር ዘመሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ሽዑ ኣብ እዋን ዝናም ምሳይ ኮይኖም ብሕብረት "ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር" ክብሉ ጸልዮም። ሓቀይና ምልክት መንግስቲ ኣምላኽ! ገና ዝናም እናዘነመ ኸሎ፣ እቲ ምስ መንእሰያት ዝተገብረ ዓብዪ ጉባኤ፣ ኣብቲ ኣብ ከትማ ባታ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ተጀመረ። ኣብ ወንጌል መሰረት ዝገብረ፣ ናብ ናጻን ሓላፍነት ዝስምዖን ዕቤት ዝመርሖም ንመንእሰያትን ዘነቓቕሕ ምስክርነት ዝሓዘ ናይ ክርስትያናዊ ሓጐስ ድማ ጸምበላን። እዚ ጽንብል እዚ ንጽብሒቱ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ተዛዚሙ፣ እዚ ድማ ነቲ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ኰነ ንብምሉኡ እቲ ሓዋርያዊ ዑደተይ ብቑዕ ኣኽሊል ኢዩ ዝንበረ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ምብጻሕ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ድምጾም ንኽሰምዑ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ብምዃኖም ዘለዎም፣ ሓጐስን ዝሓሸ መጻኢ ክረክቡ፣ ተስፋ ንነፍሲ ወከፎምን ክብሮምን ንኽገልጹሉ ኣጋጣሚ ዝፈጥረሎ ኢዩ ዝንበረ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምርካበይ ድማ ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን፣ ስለቲ ንልበይን ኣገልግሎተይን ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ዝዀነ ኣምላኽ ዘወፈየለይ ኩሉ ንጐይታ አመስግኖ ኣሎኹ።

29 Apr 2026, 16:09