ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዘከርታ ባታ ግዳያት ፍንጀራ 7 መጋቢት 2021 ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤኳቶርያል ጊኒ ኣብ እትርከብ ከተማ ባታ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ነቶም ኣብ 2021 ዕለት 7 መጋቢት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍንጀራ ግዳያት ዝኽሪ ዝቖመ ሓወልቲ ብምኻድ ናይ ሕልና ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ንወተሃደራዊ መዓስከር እታ ከተማ ዘናወጸ ዘሕዝን ተኸታታሊ ማለት 4 ፍንጀራ ግዳያት ንዝኾኑ ኣብ ካተማ ባታ ዝቖመ ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ቅዱሰንቶም ኣብቲ "መዘከርታ ሓወልቲ 107 ግዳያት ፍንጀራ 7 መጋቢት 2021" ፊት ተረኺቦም ክቡር ዘበዐይና ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ክብሪ ሰላምታ ቅዱስነቶም ኣብ ትርጋጽ እቲ ሓወልቲ ቁኑን ዕንባባ ኣንሮም ቡራኬ ከም ዝሃቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ኣብ መዓስከር ወተሃደራት ኣብ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ተኸታታሊ ፍንጀራታት ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻብ ናይቲ እዋን 107 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ጥቓ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ወተሃደራዊ መዓስክር ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቦታታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 700 ሰባት ከቢድን ቀሊልም ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞም ኣዘኻኺሩ፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ኣዕናዊ እንክብሉ ብምግላጽ፡ ንሰብኣዊ ድሌታት ዝመጣጠን መልሲ ንምሃብ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ከቕርብ እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረን፡ ነዚ ጻውዒት መንግስቲ ንምምላስ ሕቡራት ሃገራት ዘይተፈንጀረ ኣጽዋር ዝግምግም ናይ ጸጥታ ጉጅለን ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክን ዘቕርብን ክልተ ኣህጉራውያን ጉጅለታት ኣዋፊሩ ከም ዝንበረ እውን ይሕብር፡ ብሰንኪ እቲ ፍንጀራ ብዙሓት ሰባት ከም እተመዛበሉን ብውሕዱ ን615 ዝተጎድኡ ሰባት ናይ ሕክምና ደገፍ ከም እተገበረሎምን እቲ እንኮ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝኾነ ሲፒዲኤስ፡ ነቲ ፍንጀራ "ኣብ ታሪኽ ኤኳቶርያል ጊኒ ዝዓበየ ሰብኣዊ ዕንወት" እንክብሉ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ የዘኻኽር።

ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት 17፡40 ካብኡ ተሰናቢቶም ምስ መንሰያትን ኣባይቲ ስድራን ንኽራኸቡ ናብቲ ናይታ ከተማ ናይ ስፖርት ሜዳ ከምዝኸዱን ኣብኡ ልክዕ ሰዓት 17፡50 በጺሖም ብቅልዕቲ ጳጳሳዊት ማኪና እናተዘዋወሩ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ከተማ ባታ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ሚገል ኣንገል ንጉወማ ቢ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ መንእሰያት ዘቕረብዎ ምርኢት መዝሙራዊ ትልሂት ናይ ሓንቲ መንእሰይ ስድራ ቤት ቃል ምስክርነት ቀሪቡ ስዒቢ መዝሙር ምስ ተሰምዐ ናይ ሓደ መንእሰይ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነትን ናይ ሓደ መንእሰይን ተኸታታሊ ቃል ምስክርነት ምስ ተሰምዐ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም።

 

23 Apr 2026, 16:15