ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተቐትሉ ናይ 49 ስጳይናውያን ሰማዕትነት ኣፍልጦ ሂቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዕለት 27 ሚያዝያ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን፡ ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ናይ ሓያሎ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰማዕትነትን መስዋእቲ ሕይወትን ገድላዊ ሰናይ ባህርያትን ናይ ሓያሎ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣፍልጦ ክወሃብን ብጽዕና ንኽእወጀሎም ዝሓትት ሰነድ ይኹንታ ብምሃብ ናብ ኣዋጅ ቅድስና ዘብጽሕ መስርሕ ክስጉም ፍቓድ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣፍልጦ ሰማእትነት ዝተወሃቦም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ስታኒስላው ኦርቴጋ ጋርስያ ዝርከቦም 48 ብጾቱ ኣባላት ማሕበር ኣሓው ክርስትያናዊ ሕንጸት ቅዱስ ገብርኤልን ካህን ሰበኻ ኣባ ኣማኑኤል በረንጉየር ክሉሰላ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ሓምለን ሕዳርን 1936 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ካታሎንያ ስጳይና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሃይማኖታዊ ስደት ብጽልኢ እምነት ዝተቐትሉ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦና ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ፒየትሮ ኢማኑኤል ሳላዶ ኣልባ ዝተባህለ ዓለማዊ ኣባል ማሕበር “ሆጋር ደ ናዝሬት” ንዝኸፈሎ ናይ ሕይወት መስዋእቲ እውን ኣፍልጦ ከም ዝሃቡሉን ኣብ 1968 ኣብ ቺክላና ደ ላ ፍሮንቴራ ስጳይና ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ 2012 ኣብ ፕላያ ደ ቶንሱፓ ኤኳዶር ዝዓረፈ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላክኽት።
ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንገድላዊ ሰናይ ባህርያት ናይ ሰለስተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ማርያ ኤሌታ ዘኢየሱስ ኣባል ማሕበር ቀርመሎሳውያን፡ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ቶሪኖ ኣብ 1605 ተወሊዳ፡ ኣብ ፕራግ ኣብ 1663 ዝዓረፈትን፡ ማርያ ተረዛ ዘቅድስቲ ስላሴ ኣባል ማሕበር ኣሓት ቅርሜለሳውያን መለኮታዊ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ኣፐልዶርን ሆላንድ ኣብ 1897 ተወሊዳ ኣብ ሴንት ሉዊስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 1926 ዝዓረፈት፡ መስራቲት ማሕበር ሳልሳይ ንኡሳን ኣሓት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘፓውላ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ማርያ ራፋኤላ ደ ጆቫና ኣብ 1870 ኣብ ጀኖቫ ኢጣልያ ተወሊዳ ኣብ 1933 ዝዓረፈት ኣፍልጦ ክወሃብ ዝሓትት ሰነድ እውን ከም ዘጽደቑ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ምእዋጅ ብጽእና ነቶም ብጽእና ክወጀሎም ይኹታ ዝተወሃቦም ኣብ በብወገኖም ንኣዋጅ ቅድስና ዘብጽሖም መስርሕ ክቕጽል ዝገብር እውን ምዃኑ የብርህ።
