ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እምነ ኩርናዕ ሓድሽ ማእከል ሕክምና ልቢ ቤት ሕክምና ጀመሊ ባሪኾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እምነ ኩርናዕ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሰምየ ሓድሽ “ማእከል ስነ ሕክምና ልቢ ጀመሊ” ዕለት 27 ሚያዝያ ባሪኾም፣ ተልእኾ እቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ሰብኣውን ክርስትያናውን ህንጸት ከምኡ’ውን ኣብ ሕክምናዊ ብሉጽነት ሱር ዝሰደደ ክኸውን ዝኽእል ተስፋኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ሚያዝያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣካል ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ክፍሊ ዝኸውን ሓድሽ “ማእከል ስነ ሕክምና ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ” (Centro Cuore – Papa Francesco ) እምነ ኩርናዕ ባሪኾም፣ ሰራሕተይናታት ሕክምናን ኣመሓደርትን ዕብየት እቲ ቤት ሕክምና ኣብ ክልቲኡ ሞያዊ ብሉጽነትን ክርስትያናዊ ቅርጽን ሱር ዝሰደደ ኮይኑ ክቕጽል ኣብ ምግባር ዘለዎም ተልእኾ ከም ዘተባብዑን፡ ትርጉም ናይቲ ሓድሽ ቤት ሕክምና ማእከል ልብን ስርዓተ ደምን ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም፡ ቤት ሕክምና ልቢ ነቲ ዝዓሞቐ መንፈሳዊ ውርሻ ናይቲ ትካል እውን ከም ዘመልክት ኣስተብሂሎም፡ እዚ ትካል’ዚ ኣካል ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ብዛዕባ ምምስራት እቲ መንበረ ጥበብ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ብጹእ ኣርሚዳ ባረሊ፡ ከምዚ ዓይነት መጸውዕ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣምልኾ ዝሓትት ክምስል ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት እኳ እንተነበሮ፡ እቲ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዝብል መጸውዕ ክህልዎ ይግባእ ዝበሎ ዘኪሮም- እዚ ውሳነ እዚ “ትንቢታዊ” ክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣፍቀረነ - Dilexit nos 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ውርሻ ምስቲ ናይ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝደረስዎ ብዛዕባ ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘብርህ Dilexit nos – ኣፍቀረነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ልቢ ማእከልን ምትእኽኻብን ሰብኣውነት ምዃኑ ዝገልጽ ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምጥቃስ፡ ስነ - ሰብእ ንተልእኾ ካቶሊካዊ ክንክን ጥዕና መምርሒ መትከላት ከምዘቕርብ ኣስተብሂሎም፡ "እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይን እንስትን ዘሎ ዓሚቕ ሕመረት፡ ናይ ነፍሲ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ምሉእ ሰብ ናይቲ ፍሉይ ስነ - ኣእምሮኣዊ መንነቱ እዩ።( . . . ) ብሓደ ቃል፡ ፍቕሪ ኣብ ልብና እንተነጊሱ፡ ንሕና፡ ብሙሉእን ብብርሃንን መንገዲ፡ እቲ ክንኮኖ እንሕሰቦ ኣካል ንኸውን፡ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ንፍቕሪ ዝተፈጥረ ብምዃኑ። ኣብቲ ዝዓሞቐ ጽሕጊ ምፍጣርና፡ ክንፋቐርን ክንፍቀርን ዝተፈጠርና ምዃና እዩ ዘሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ ስለዚ፡ ማሕበረሰብ ቤት ሕክምና ጀመሊ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ድማ መንነቱ ክዕቅብ ኣተባቢዖም፡ “ቤት ሕክምና ጀመሊ ብዝዓበየ መጠን፡ ሰብኣውን ክርስትያናውን ቅርጺ ናይቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዝያዳ ክለምዕ ኣለዎ - ቢሎም - ብተወሳኺ ንሕድሪ መሰራቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣጎስቲኖ ጀሜሊን ብፁዕ ኣርሚዳ ባረሊን እናሓሰቡ፡ ብግብረ ሰናይን እምነትን ዝንቀሳቐስ ናይ ሕክምና ስነ ትምህርቲ ካቶሊካዊ ቤት ሕክምና ንምስራሕ ዝነበሮም ራእይ ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።

“ማእከል ቤት ሕክምና ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”

እዚ ሓድሽ ማእከል፡ ንኽብሪ እቶም ኣብ ናይ 13 ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ክንክን ጥዕና ዝተገበረሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሰምየ ኮይኑ ፡ ኣብ ውሽጢ ጀመሊ ዝተሓላለኸ ጥበብ ህክምና ብዝሓትት ኣገባብ ክንክን ልብን ስርዓተ ደምን ዘቕርብን ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ ዘለዎ ኮይኑ ከገልግል ዝዓለመ እዩ።

28 Apr 2026, 15:43