ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንምስትንታትን ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዳግም ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን "ንናይ ገዛእ ርእሳ ድሕነት ዘይኰነስ፣ ነቲ ኣምላኽ ንዓለም ዘፍቀረሉ ፍቕሪ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እዩ።" እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ማእከል ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ካርዲናላት ፍሉይ ጉባኤ ንምጽዋዕ ዝጸሓፍዎ ደብዳበኮይኑ ትማሊ ሰሉስ ዝወጸ እዩ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 27 ሰነ፣ ቀቅድሚ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ክካየድ እዩ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዝምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ክዛዘም እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ ዕለት 7-8 ጥሪ እተኻየደ ቀዳማይ ክፋል ጉባኤ ካርዲናላት እውን ዘመልከትዎ ኢዩ ዝንበረ።
ኣብ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ እተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዝፈጸሞ ዕዮ ምስጋናኦም ገሊጾም፣ ነቲ ካባኡ እተረኽበ ኣበርክቶ ድማ ብናይ ቤተ-ክርስትያን ኣስተንትኖ ዝያዳ ክምዕብል ዘለዎ "ነባሪ ዋጋ ዘለዎ ምንጪ" ብምባል ገሊጾምዎ ይርከቡ።
"ናይ ወንጌል ሃሴት" ከም መምርሕን መወከስን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዳለዉዎ ሃዋርያዊ ምዕዳን “ናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium) ንህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ከም ቀጻሊ መወከሲ ገይሮም ጠቒሶምዎ ይርከቡ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ "ንዅሉ ነገር ኣብ ውህበት (kerygma) ከም ልቢ ክርስትያናዉን ኣቅላሲያውን መንነት ከም ዜተኵር" ከምኡውን "ጕስነታውን ተልእኾኣውን ናይ ተሓድሶ መስርሕ ክጅምር ከም ዝኽእል 'እስትንፋስ ጽሩይ ኣየር' ኢዩ" ክብሉ እውን ገሊጽምዎ ኣለዉ።
ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዘሎ ተሓድዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም እዚ ኣረኣእያ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ናብ ምሕዳስ ብኸመይ ከም ዝጽውዓ ይገልጹ።
ብብሕታዊ ደረጃ ድማ ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን "ካብቲ እተቐበሎ እምነት ናብቲ ብሓቂ ልማዳዊ ዝኾነን ብህይወት ዝነብርን እምነት ብምስጋር፣ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ርክብ ኬሐድስ" ከም ዝጽውዖ ኣመልከቱ።
ብደረጃ ማሕበረሰብ "ካብቲ ኣብ ምዕቃብ ዘተኰረ ጕስነታዊ ኣገባብ ናብ ተልእኾኣዊ ዝኾነ ጕስነት ክቕየር" ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ ማሕበረሰባት "ህያዋን ወኪላት ስብከተ ወንጌል" ክዀኑ ይጽውዑ።
ኣብ ደረጃ ጳጳሳት ሓላፍነት ጕስነታዊ ተልእኾ ጐሊሑ ይርአ፣ እዚ ድማ ተልእኾኣዊ ቀላሲ ሓይሊ "ተቕዋማዊ ዕንቅፋታት ከይከብድ ወይ ከም ዘይሕነቕን" ኣብ ኣድላዪ ነገር ዘተኰረ ኣስተንትኖ ከም ዘየተባብዕ የረጋግጹ።
ኣብ ክርስቶስ እተመስረተ ተልእኾ
ካብዚ ሓሳባት እዚ ብዛዕባ ተልእኾ፣ ሓድነት ዘለዎ ምርዳእ ይወጽእ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኣብ ክርስቶስ ዘተኰረ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል" ድማ ኢዩ ክብሉ ገሊጾምዎ ይከቡ፣ እዚ ድማ ንህይወት ክቕይርን "ኣብ ክንዲ ብስዕረታት ብሰሓብነት" ክዝርጋሕ ካብ ዝኽእል ርክብ ተወሊዱ ኢዩ።
እዚ ተልእኾ እዚ "ንጹር ስብከተ ወንጌልን ናይ ምስክርነት ተጸምዶን ከምኡውን ዘተ" ከም ዘጣምር ካብ "ናይ ምስዳዕ ፈተና" ከምኡውን "ናይ ተቕዋማዊ ምዕቃበ ወይ ምስፍሕፋሕ ጥራይ ዝምንጩ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ" ከም ዘወግድ ገለጹ።
ምእመናን ቤተ-ክርስትያን ውሑዳን ኣብ ዝዀነሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ "ንዅሉ ተስፋ ዘምጽእ ንእሽቶ መጓሰ" ዀይኒም ክርከቡ ከም እተጸውዑ ውን ኣመልኪቶም ይርከቡ።
ጭቡጥ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ንቕድሚት ክንጥምት ከሎና ተወሳኺ ኣስተንትኖታት ዘድልዮ እተፈላለየ መዳያት የጕልሑ። ገሊኡ መዳያት "ዘይተፈልጠን ዘይተሃየሰን" ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ናይ ወንጌል ሃሴት እተረኽቡ ነገራት ብቕንዕና ኺግምገም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ገለ ኻብቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ናይ ክርስትያናዊ ምጅማረ ተሓድሶን ናይ ሓዋርያዊ ጕስነትን ከምኡውን "ስሉጥነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን፣ እንተላይ ኣብ ደረጃ ቅድስቲ መንበር ብንጹር ተልእኾኣዊ ዝኾነት መፍትሕ ንምግምጋም" ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ።
ናብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝኻየድ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ንኣገልግሎት ካርዲናላት ዘለዎም ምስጋና ደጊሞም ብምግላጽ፣ ነቲ ናይ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ንምድላው ተወሳኺ ዝርዝር መደባት ክስዕብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ቤተክርስትያን ንተስፋ ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ሕድሪ ብምሃብ፣ ሰላምታ ፋሲካ ይልእኩ፣ ንዅሎም ምእመናን ድማ ልቢ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ከም ብሓድሽ ክፈልጥዎ ይዕድሙ፣ በዚ ከምዚ ድማ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ክምስክሩ ጻውዒት የቕርቡ።
