ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣንጎላ ዑደት ዛዚሞም፣ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ ተጓዒዞም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣንጎላ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ዕለት 21 ሚይዝያ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ ከምዝበነቐሉን እዚ ድማ ናይ መወዳእታ እግሪ ናይቲ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየዎ ናይ 11 መዓልታት ዑደት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስሞዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 21 ሚይዝያ ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሰዓት 07፡00 ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ሰዓት 08፡20 ካብኡ ተሰናቢቶም ብመኪና ሉዋንዳ ናብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ኣብኡ ሰዓት 08፡45 ደቓይቕ ምስ በጽሑ ናይ ኣንጎላ ርእሰ ብሔር ዥዋው ማኑል ጎንሳልገዝ ሉረንሳው ተረኺቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ሃገረ ኣንጎላን ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ንኽብሮም ክቡር ዘበዓይና ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ክብሪ ሰላምታ ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት 09፡15 ናብ ኤኳቶሪያል ጊኒ ከም እተጓዕዙን ቅዱስነቶም ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ኣብ ርእሰ ከተማ ማላቦ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

21 Apr 2026, 16:06