ር. ሊ. ጳ.፦ ካህናት ሞት ኣብ ዚገዝእሉ ቦታታት ሰላም ክርስቶስ ኬስፋሕፍሑ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንኻህናትን ጳጳሳትን ንኵሎም ክርስትያን ምእመናንን፣ ንብድሆታቶም ኣብ ኣምላኽ ብምትእምማን ኪቕበልዎን፣ "ሽታ ሞት ኣብ ዝዓብለሎ ቦታታት፣ መኣዛ ክርስቶስ ከስፋሕፍሑ" ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ንግሆ ኣብ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ፣ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ቡራኬ ቅብኣተ ሜሮን መሪሖም፣ ምስ ብኣማኢት ዚቝጸሩ ጳጳሳትን ካህናትን ሓቢሮም ነቲ ኣብ እዋን ዕለተ ክህነቶም ዝኣተዉዎ መብጽዓታት ኣሐደሱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ናይ ሮማ ጳጳስ መጠን፣ ኣብ ቡራኬ ቅብኣተ ሜሮን ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ፣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዘቕርቦ ናይ ተልእኾ ጸዋዕታ ኣስተንተኑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ተልእኾ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ምዃኑ ገለጹ።

"ነፍሲ ወከፍና ኣማኒ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ብውልቁ፡ ብብሕታዊ ተኣዛዝነት፣ ከም  ዝጽውዓና ብምቕባል ኣብኡ ንሳተፍ ኢና፣ እንተዀነ ግን እዚ ንካልኦት ዕሽሽ ብዘይምባል ወይ ሕብረትና ብዘይ ምፍራስ ክኸውን ኣለዎ!" በሉ።

ቀቅድሚ እቲ ድሕሪ ቍሩብ ኣብ መሥዋዕተ ቅዱስ ጸሎተ ሓሙስ፣ ብናይ መዳእታ ድራር ጐይታ ዝጅምር ቅንያት በዓለ ትንሳኤ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ዘመን እዚ ጥርዚ ናይ ክርስትያናዊ ዘመነ ሊጡርያ ኮይኑ፣ ንሰብኣዊ ትዕቢት ናይ ምቕያር፣ ቍስሊ ናይ ምፍዋስ፣ ዕርቂ ከምኡውን ብሓባር ናይ ምርኻብ ሓይሊ ከም ዝህሉ ዝገር ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ   (@Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ሰለስተ መዳያት ክርስትያናዊ ተልእኾ ኣስተንትኑ - ብዛዕባ ምንጋፍ፡ ምርኻብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ተኽእሎታት ግጉይ ርድኢትን ተነጽሎን ኢዮም ዘስተንተኑ።

ከም ኣባላት ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስ መጠን፣ ክርስትያን ምእመናን ብፍላይ ከኣ ቅብኣተ ክህነት እተቐበሉ ኣገልገልቲ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምግልጋል ዝተላእኩ ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ናብ ሓድሽ ኩነት ምእንቲ ኽንኣቱ፣ ምስ እንፈልጦን ዝተለማምዳናዮን ነገራት ዘሎና ምትእስሳር ምንጋፍ ዝሓትት ኢዩ።

"ምስ ሕሉፍ ታሪኽናን፣ ምስ ህያባትናን፡ ምስ ድሩትነት እቲ ዝሕለፍናዮ ኣተዓባብያን ብዘይ ምትዕራቕ  ተልእኾ የልቦን" በሉ። "እንተዀነ ግን ካብ ገዛእ ርእስና ከይወጻእና ሰላም የልቦን፣ ብዘይ ምንጋፍ ድማ ምስትውዓል የለን፣ ብዘይ ፈተና ድማ ሓጐስ የልቦን።"

ንገዛእ ርእስና ባዶ ምስ እንገብር ሓደ መሰረታዊ ምስጢር ተልእኾ ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ ኵሉ እቲ እንሓድጎ ነገራት ክንግምቶ ብዘይንኽእል መገዲ እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ብዛዕባ "ሕጊ ምርኻብ" ኣስተንተኑ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብታሪኻዊ መዳይ ክርኣ እንከሎ፣ ብምኽንያት ባህጊ ዕብለላ ከም እተዛብዐ ገለጹ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጕስነት ኰነ፣ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳያት፣ ንስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም ሓደ ጽቡቕ ነገር ክመጽእ ከም ዘይክእል ምዃኑ ምዝካር ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር ኢዩ" በሉ።

ብዙሓት ዓበይቲ ልኡካነ ወንጌል ብዛዕባ "ህዱእን ተራን ዝመስል ኣቀራርባ መስኪሮም እዮም፣ ሜላኦም ድማ ህይወት ብምክፋልን፣ ርእሰ ምኽሓድ ብዘለዎ ኣገልግሎትን ዝዀነ ይኹን እተወጠነ መደባትና ብምኽሓድ፣ ዘተን ኣኽብሮትን ብምዝውታር ኢዩ" በሉ።

መንፈስ ቅዱስ ድማ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ካህናቱ ህያው ይገብሮ፣ ኣባታቶም ኣበርቲዑ ብምዕያይን ንክርስቶስ ኪቕበሉን ኪስዕብዎን ብምስትምሃር ንኻህናቱ የሰልጥኖም ኢዩ በሉ።

"ነዚ ምስ መልዕልተ ባህርያዊ ዝኾነ ኣካል ዘሎና ስኒት ንምምስራት፣ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብን፡ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ምስጢር ብምኽባር ናብቲ እተልኣኽናሉ ተልእኾ ክንከይድ ኣሎና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ   (@Vatican Media)

ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ወትሩ ኣጋይሽ ምዃኖም ብምግላጽ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣብቲ ዓለማዊነት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ቦታታት፣ ወንጌል ክርስቶስ ብውጽኢታዊ መገዲ ብኸመይ ከም እንምስክር ኽንመሃር ከም ዘሎና ብምስትንታን ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ 2026
02 Apr 2026, 14:52