ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ካሜሩን ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ኣብ ካሜሩን ዘገልግሉ ልዕሊ 250 ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝውክሉ ኣሕሉቕ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕን ዘካየድዎ ርክባትን ዘስምዕዎ መደረታትን እቶም ኣሕሉቕ ኣመስጊኖም፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ ተመዛበልቲ፡ ግዳያት ዓመጽ፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ጎኒ ጎኒ ብዙሕ ኩነታት መከራ፡ ተወፋይነቶምን ምስክርነቶምን ከም ዝሰምዑን ኣፍሊጡ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምስ ጳጳሳትን ካህናት ሰበኻን ዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘድሊ ኣጒሊሖም፡ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ መንፈሳዊ ህያባቱ ክስዕብ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ሕጹያት ዝኾኑ ውፉያትን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንምግልጋል ድሉዋት ምእንቲ ኪዀኑ ሓባራዊ መመያ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ኣስዒቦም ገለ ብድሆታት ገለ ካብኡ ድማ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ኣባላት ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብሓባር ምንባርን ንመንእሰያት ዘቕነዓ ጉስነታዊ ክንክን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ወይ ማሕበረሰብ ምስ ኣጳጳሳት ብምትሕብባር ምስትንታን ከም ዘድሊ ገሊጾም፡ ብዛዕባ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ዘስምዕዎ መደረን ስብከትን ኣብ ዘኻየዱ ርክባት ዘቕረቡሎም ምዕዳንን እናሓሰቡን፡ ር.ሊ.ጳ. ናብ መንበሮም ክምለሱ እዮም፡ እቲ እተነግረ ነገር ድማ ምሳኻትኩም ኣሎ - ቢሎም - ነቲ ኣብዚ ምጽባሕ እዚ ዘስምዕዎ መደረታትን ኣስተንትኖታትን ስብከታትን ናቶም ክገብሩን ከስተንትንዎን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ ምስ ካልኦት ክካፈልዎን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ መደምደምታ "ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዝምህረና ብዘይ ፍርሂ ንምእዋጅ ሓድሓደ ግዜ ሱር በተኻዊ ዝኾነ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ፦ ናብ ኣዝዩ እተሓላለኸ ጸገማት ዝበጽሑ ኣብ ርሑቕ ወሰናት ምድሪ ንኣሽቱ እሱራት ነቶም ዝያዳ ተስፋ ዘድልዮም ፍቕሪ ኣምላኽ ዘብጽሑ ደቀ መዛሙርቲ ክኾኑ ዝተጸውዑ እያቶም - ቢሎም - ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ንኹሎም ድማ ሓደ ብሓደ ሰላም ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
