ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ምስ ብዙሓት መራሕቲ እስልምና ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ምሸት ምስ 12 ተወከልቲ እተፈላለያ እስላማዊ ማሕበረሰብ ካሜሩን ተራኺቦም፣ ገለ ኻብኣቶም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ኣብ ከተማ ሮማ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ኢዮም ዝንበሩ።
ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ከም ዝገለጾ፣ እቲ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ያውንደ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ካሜሩን እዩ ተፈጺሙ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ባሜንዳ ብነፋሪት ምስ ተመልሱ ድማ ኢዩ ብቐጥታ ከኻይዱ።
እቶም ብመራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ዝውከሉ ማሕበረሰብ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባርን ንድኻታት ወገናት ሕዝቢ ካሜሩን ንምሕጋዝ ማሕበራዊ ፍትሕን ምትሕብባርን ንምድንፋዕ ሓያሎ ውጥናት ይፍጽሙ ዘለዉ ድማ ኢዮም።
ማቴዎ ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነፍሲ ወከፍ ኣባኡ እተረኽበ ተወካሊ በብውልዉ ሰላምታ ብምሃብ ከም እተቐበልዎምን፣ እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምታን ምስጋናን ቃላት ከም ዝሰምዑን እውን ኣመልኪቱ።
መራሕቲ ሃይማኖት እስልማና ነቲ ምስ ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባር እተገብረ ዕዮን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕን ከምኡውን ነቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ባሜንዳ ብዛዕባ ዘተን ሰላምን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣመስገንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ብወገኖም ምስኦም ብምርኻቦም ዝተሰምዖም ሓጐስ ብምግላጽ፣ ካብ ኵሎም ኣብ ካሜሩን ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ከምኡ ውን ሰዓብቲ እምነት ምስልማናን ባህላዊ ሃይማኖታትን ዝረኸብዎ ምዉቕ ተቕባል ምስጋናኦም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ እምነታትን ሃይማኖታትን ዝፍጠር ምክፍፋል እውን ተዛሪቦም ኢይም፣ እዚ ድማ ኵሉ ሰብ ነቲ ኻብ ምርኻብ ዚመጽእ ሓላፍነት ክቕበል ዝጽውዕ ኢዩ ዝንበረ።
ንዅሎም ካሜሩናውያን ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "ኵሉ ሰብ ሰላም ንምርካብ ዘለዎ ባህጊ ክገልጹ ኣተባብዕዎም፣ ናይ ዘይምግዳስ ሰላም ዘይኰነስ፣ ንሃብታም ብዝሓውነት ዘጥፍእ ሰላም ዘይኰነስ፣ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኵላትና ናይ ሓደ ኣቦ ፍጡራት ምዃንና ምስ እንግንዘብን ዝውለድ ሰላም ክገልጹ ኣለዎም" ክብሉ ተውላበውዎም።
ኣብ ካሜሩን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ሕልሚ እዚ ካብ ባህጊ ናብ ተጸምዶ ንምቕያር ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎ ክብሉ ድማ ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ነቶም ተኣከብቲ በዚ መገዲ ዝርርብ እዚ ክቕጽሉን ንኻልኦትን ንሙስሊምን ንዅሎም እቶም ዘይርድእዎን ግን ከኣ ጽባቐ ሕውነት ክርእዩ ዝኽእሉን ንመላእ ካሜሩንን ዓብዪ ረብሓ ከምጽእ ዝኽእል ተመሳሳሊ መልእኽትን ሕልምን ከመሓላልፉ ኣተባብዕዎም።
ማቴዎ ብሩኒ ከም ዝሓበሮ፣ ዝሓልፈ ረቡዕ ምሸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጳጳሳት ካሜሩን ከም እተራኸቡ እውን ገሊጹ።
ኣብቲ ርክቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ክቕበሉን ኣብዛ ብግጭታትን ምፍልላይን እተኸፋፈለት ዓለም ክካፈልዎ ዘለዎም ውህበት ከምኡውን ዋጋ መንፈሳዊ ህይወትን ጉስነታዊ ናይ ሓቂ መሰኻኽርን ክገብሮም ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ካሜሩን ዘሎ ብዙሕ ዝዓየነቱ ጸዋዕታታት ዝመጽእ በረኸትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብመንፈሳውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ደረጃ ብሓላፍነት ዝስምዖም መንእሰያት ከም ካህናት መጠን ብመንፈሳውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ደረጃ ብሓላፍነት ናይ ምፍጣር ብድሆ ኣመልኪቶም እውን ተዛረቡ።
ማቴዎ ብሩኒ ኣብ መደምደምታ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ጳጳሳት ብዙሕ ሕቶታት ከም ዝተቐበሉን፣ ንካሜሩን ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ እተፈላለየ ኣርእስትታት ከም ዝተዛተዩን ገለጸ።
