ድለ

ር. ሊ. ጳ. ምስ ሰበ-ስልጣን ካሜሩን፦ ንሰላም 'ክቕበሎን ክነብሮን ኣሎና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ርክብ ምስ ሰበ ሥልጣን እታ ሃገር፣ ሰላምን ፍትሕን ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ሓድሽ ቈራጽነት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ሰላም "ናብ ሓደ ጭርሖ ክቕየር የብሉን" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ናብ ሃገረ ካሜሮን ምስ በጽሑ ነዊሕ ከይጸንሑ ምስ ሰበ ሥልጣን እታ ሃገርን ምስ ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ዲፕሎማሲያውያን ኣካላትን ኣብ ቤተ መንግስቲ ርእሰ ከተማ ያዉንደ ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክቦም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ንሰላምን  ፍትሕን ከምኡ ውን ንሓባራዊ ረብሓ ሓድሽ ቈራጽነት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ሕዝቢ ካሜሩን ነቲ ሃብታም ዝኾነ ብዝሓውነቶም ከም ምንጪ ሓድነትን ብርታዐን ክጥቀሙሉ እውን ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለገስዎ መደረ ንሃገረ ካሜሩን ብባህላውን ተፈጥሮኣውን ኩነታ ሃብታም ምዃና ብምግላጽ "ንእሽቶይ ኣፍሪቃ" ከም ዝዀነት እውን መስከሩ፣ ነቲ ዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ብምጥቃስ ድማ ምስጋናኦም ገሊጾም።

"እዚ ብዝሓውነት እዚ ድኽመት ዘይኰነስ ሓብታም መዝገብ እዩ" ብምባል፣ "ናይ ሕውነት መብጽዓን ነባሪ ሰላምን ንምህናጽ ድልዱል መሰረት" ከም ዜመልክት እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካሜሩን ምስ ሰበ ሥልጣንን ተሰከልቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካሜሩን ምስ ሰበ ሥልጣንን ተሰከልቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን   (@Vatican Media)

ናይ ዝርርብን ተስፋን ተልእኾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንገዛእ ርእሶም ከም "ጓሳን ኣገልጋሊ ዘተን ሕውነትን ሰላምን" ገይሮም ብምቕራብ፣ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ዅሎም ካሜሩናውያን ከም ዝቀራረቦምን ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ምህናጽ ጸኒዖም ንኽቕጽሉ ንምትብባዕን ከም ዝዓለመ ገሊጾም።

"ተስፋ ቝርጸት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣" ብዙሓት ከኣ ህጹጽ ብድሆታት ኬጋጥሞም ከሎ፣ ሓይሊ ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዝስምዖም ብምግላጽ፣ ዓለምለኻዊ ተስፋ ቝርጸት ከም ዘሎ ኣፍልጦ ሃቡሉ። እንተዀነ ግን "ንፍትሒ ዘሎና ጥሜትን ጽምእን ... ንትብዓት ዝመልኦ ምርጫታትን ከምኡ ውን ንሰላም" ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ መንእሰያት ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምቕራጽ ንጡፍ ግደ ኺህልዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝመልከትዎ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ ካሜሩን ዘለዋ ምትሕብባር ንምድልዳል ዘለዋ ቘራጽነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም፣ እዚ ድማ ኣብ ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብርን ሃይማኖታዊ ናጽነትን እተመስረተ ምዃኑ እውን ኣመልከቱሎም።

ብትሕትናን ብሓላፍነትን ምግልጋል

ንውርሻ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰባት ብምዝካር፣ ንተስፋን ዕርቅን ሓላፍነት ንዝስምዖ ምምሕዳርን ዘቕረብዎ ጻውዒት ነባሪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጠቒሶም።

ካብ ቃላት ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምጥቃስ ድማ፣ ስልጣን ብመሰረቱ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ምዃኑ ነቶም መራሕቲ ኣዘኻኸርዎም፦ እቶም ዘመሓድሩ "ካብ ፍቕሪ ስልጣን ዘይኰነስ፣ ካብ ንካልኦት ዘለዎም ግዴታ ተበጊሶም" ክገብርዎ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንረብሓ ዅሎም ደቂ ሰባት፣ እንተላይ ንንኣሽቱን መንእሰያትን ተወፋይነት ምግባርን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ስኒት ንምድንፋዕን ከም ዝሓትት ገለጹ።

ኣብ እዋን መከራ ሰላም ኪህሉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ብግልጺ ብምዝራብ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከም ሰሜናዊ ምዕራብ ደቡባዊ ምዕራብ ከምኡውን ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ዝኣመሰሉ ዞባታት ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጻ ብግልጺ ጠቒሶም፣ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ግጭት ዝስዓበ "ዓሚቝ ስቓይ" ብምስትንታን ድማ፣ ህይወት ከም ዝጠፍአ፣ ስድራቤታት ከም እተመዛበሉ ከምኡውን መንእሰያት ተስፋ ከም ዝሰኣኑ ኣመልከቱሎም።

"ብድሕሪ እዚ ጸብጻባት እዚ፣ ገጽን ዛንታታትን እተሰብረ ተስፋን ሓቀይና ሰባትን ኣለዉ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ብምሕዳስ "ኣብ ፍቕርን ፍትሕን እተመስረተ" ሰላም ንምድጋፍ፣ "ንኣመክንዮ ዓመጽን ውግእን" ክነጽጎ ተማሕጺኖም። ንሓቀይና ሰላም ልቢ ክኸፍትን፣ ምትእምማን ከነደልድልን ዝኽእል ኢና፣ እዚ ድማ "ኣጽዋር ዘይብሉን" ከምኡውን "ኣጽዋር ዘራግፍን" ሰላም ኢዩ ክብሉ ድማ ገለጽዎ።

"ዓለም ንሰላም ትጸምእ ኣላ፣ ውግእ ይኣኽለና" ብምባል ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ ሰላም ኣብ መዓልታዊ ህይወትን ተቕዋማትን እውን ኪንጸባረቕ ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካሜሩን ምስ መራሕትን ሰበ ስልጣንን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካሜሩን ምስ መራሕትን ሰበ ስልጣንን   (@Vatican Media)

ግደ ተቕዋማትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ሰላም ካብቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ጀሚሩ ሓባራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ምምሕዳር ክበሃል ከሎ "ንዜጋታት ብሓቂ ምስማዕ" ከምኡውን ነባሪ መፍትሒ ኣብ ምቕራጽ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣኽቢርካ ምግምጋም ማለት ምዃኑ እውን ገለጹ።

ብተወሳኺውን ኣብ ማሕበራዊ ፖሊሲታት ሓድሽ ኣቀራርባ ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ብዘይ ተሳትፎ "ድኻታት" ካብ ዝካየድ ተበግሶታት ሓሊፍካ ምስጓም ኣድላዪ ምዃኑ ኣቃልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ፣ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ብምጕላሕ እውን ንማሕበራት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፣ ማሕበራት ንግድን ዘይመንግስታውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ስለቲ ከም መንጐይናታት ንእተመዛበሉ ንምክንኻንን ዘተ ንምድንፋዕን ዝገበርዎ ጻዕርታት ጠቒሶም ድማ ነኣድዎም። እቲ መሰረታዊ ህላወኦም ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ግጭታት ንምፍታሕ ከምኡውን ባህሊ ሰላም ንምምዕባል ከም ዘኽእሎም እውን ገለጹ።

ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም፣ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ ዳግመ ህንጸትን ኣድላዪ ዝዀነ "ደኺመ ዘይብላ ገበርቲ ሰላም" ብምባል ገሊጾምወን ይርከቡ። "ድምጸን ኣብ መስርሕ ርእሰ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ" ክብሉ ድማ ተላበው።

ንጽሕናን ፍትሕን ምስ ብልሽውና ዝግበር ቃልስን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ህዝባዊ ምትእምማን ንምምላስ ግልጽነትን ግዝኣተ ሕግን ከምኡውን ትውክልቲ ዝግበሮ ተቕዋም ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም። ንሰበ-ስልጣን ከም "ምንጪ ምክፍፋል ዘይኰነስ፣ ከም ድልድልድ" ኰይኖም ክሰርሑን ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ወትሩ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ከረጋግጹን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ናይ ሓቂ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ኵሉ ሰብ ዕቝባ ኸም ዝረክብ ምዝ ዝምዖን፣ ከም ክብሩ ከም ዘይትንከፍ ምስ ዘረጋግጽን እዩ" ድማ በሉ።

ብተወሳኺውን ብልሽውና "ንስልጣን ዜበላሽዎምን ተኣማንነቶም ከም ዘጥፍእ" ሓይሊ ገይሮም ብምግላጽ፣ ንመራሕቲ ኻብ "ኣምልኾ ጣኦት መኽሰብ ገዛእ ርእስካ ክርሕቑ" ተማሕጸንዎም።

ኣብ ተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ
ኣብ ተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ   (@Vatican Media)

ኣብ መንእሰያትን መጻእን ምውፋር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እንደገና ናብ መንእሰያት ምስል ብምባል፣ ሽቕለት ኣልቦነትን ተነጽሎን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ መንእሰያት "ተስፋ ሃገርን ቤተ-ክርስትያንን" ኢዮም ክብሉ ኣመልከቱሎም።

"ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ንግድን፣ ንመንእሰያት ወርፍታት ምግባር . . . ስትራተጅያዊ ምርጫ ሰላም እዩ" ብምባል፣ ንስደት ንምክልኻልን ከምኡ ውን ከም ዕጸ-ፋርስ ምውሳድን ምዝመዛን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሕማማት ንምቅላስ ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ።

ነቲ ዓሚቝ መንፈሳውነት መንእሰያት ካሜሩን ብግቡእ ምስ ተዓዩሉ፣ ንሰላምን ፍትሕን ሓድነትን ዘለዎን ተበግሶ ከነቓቕሕ ከም ዝኽእል ብሞሳ ኣስተንተኑ።

ናብ ዕርቂ ዚመርሕ ሓባራዊ መገዲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም ኣብ ምዝዛም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝያዳ ምይይጥን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ መንጐናነት ብምድንፋዕ ጻዕርታት ክገብሩ እውን ኣተባብዕዎም፣ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ኣፈላላይ ንትምህርትን ክንክን ጥዕናን ግብረ ሰናይን ንዅሉ ሰብ ዘለዋ ቐጻሊ ቈራጽነት እውን ኣረጋገጹ።

ሰብኣዊ ክብርን ዕርቅን ንምድንፋዕ ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣንን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ቀጻሊ ምትሕብባር ክግበር ከም ዝደሊ እውን ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ መደረኦም ቡራኬ ኣምላኽ ኣብ ሃገረ ካሜሩንን ህዝባን ክወርድ ጸልዮም። "ኣምላኽ ንካሜሩን ይባርኽ" ድማ በሉ፣ "ንብምሉኡ ህዝቢ ካሜሩን ድማ ጸጋኡ የብዝሓሎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ኢሎም ንምቕባልን ብሓባር ናይ ፍትሕን ሰላምን መጻኢ ንምህናጽን ጸጋ ይሃቦም" ክብሉ ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሰበ ስልጣን ሃገረ ካሜሩን
16 Apr 2026, 15:18