ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኣልጀርያ ተፋንዮም፡ ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ካመሩን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡10 ካብ ኣልጀሪያ ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ካሜሩን ከም ዝነቐሉን ልክዕ ሰዓት 15፡20 ያውንደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም በቆጻጽራ ካመሩን ሰዓት 15፡20 ኣብ ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ኒሲማለን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰላም በጺሖም።
ቅዱስነቶም ዕለት 15 ሚያዝያ ንግሆ ኣልጀርስ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ካብኡ ተሰናቢቶም ኣልጀርስ ናብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሁኣሪ ቡመዲነ ከም ዝነቐሉን ኣብኡ ምስ በጽሑ ብናይ ኣልጀሪያ ርእሰ ብሔር ኣብደልማህድጂ ተቦነ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ዓበይቲ ኣጋይሽ ምስ ርእሰ ብሔር ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ክቡር ዘበዓይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረቦ ሰላምታ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ኣልጀሪያን ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰሞዐ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 10፡10 ብነፋሪት ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 15፡20 ድማ ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ኒሲማለን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉ የመላኽት።
16 Apr 2026, 09:29
